እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኤርትራ፡ "ኣብያተ ትምህርቲ'ዶ ኣብያተ ማእሰርቲ ይበዝሕ?''
ትማሊ ዓለማዊ መዓልቲ ግዳያት ዓፈናን ማእሰርትን ዜጋታት ዓለም እዩ። ነብሲ ወከፍ ሃገር ከኣ ዘይምኽኑይ ማእሰርትን ኢ-ሕጋውን ዘይፍትሓውን ተግባራት ከቋርጻ ይሕተታ።
ብዙሕ ግዜ ወተሃደራዊ ስርዓታትን መለኽትን፡ ንተቓወምቶም ከርዕዱን ከሸቑርሩን ሰባት ጨውዮም ይሸርቡን የጥፍኡን።
እዚ ተግባር'ዚ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ዝረአ ኮይኑ፡ "ግዱድ ሽርበት" ይበሃል። እዚ ከኣ መሓውራት ምልኪ ዜጋታት ብፍርሒ ደኒኖም መታን ክግዝኡዎም ልዕሊ ሕግን ሕጋዊ ስርዓትን ጸብለል ኢሎም ብዓመጽ ዝፍጽምዎ እዱድ ተግባረ ራዕዲ እዩ።
ግዱድ ሽርበትን ጃምላዊ ማእስርትን ኣብ ፍሉያት ሃገራትን ክፍለ ዓለም ዝረአ ተግባር ዘይኮነስ ፖለቲካዊ ዓፈናን ጸቕጥን ዘርግእ ዓለማዊ ጸገም እዩ።
ስለዝኾነ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ስድራ ቤት ግዳያትን እቲ ዘይፍትሓዊ ተግባር ክቋረጽን ክግታእን ካብ ነዊሕ ኣትሒዞም ጎስጓስ ከካይዱ ጸኒሖምን ገና የካይዱን ኣለው።
ንዓለማዊ ግብረ ሽበራ ምኽንያትን ጉልባብን ተጠቒሞም፡ ንተቓወምቶም ዝኣስሩን ዝስውሩን ስርዓታት ብዙሓት እዮም። በዚ ተግባር እዚ ከኣ ግዳያት ማእስርትን ሽርበትን ዝኾኑ ቖልዓ ሰበይትን ሽማግለታትን ስድራታት እዮም።
ስለዝኾነ፡ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራ፡ ጃምላዊ ማእሰርቲ፡ ዓፈናን ሽርበትን ንኸብቅዕ፡ ኣብ ልዕሊ ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ተጣበቕቲ ሕግን መሰልን ዝወርድ ወጽዓን ዓመጽን ንኸብቅዕ ብ 21 ታሕሳስ 2010 ብውሳነ 65/209 ብ2011 "ሰላሳ-ነሓሰ፡" ከም መዓልቲ ግዳያት ዓፈናን ሽርበትን ክትዝከር ወሲኑ።
ካብ 1999 ኣትሒዙ ኣብ ኮሶቮ ኣስታት 6000 ሰባት ከምእተወሰወሩን ኣብ ኮሶቮ ዝሰርሕ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራትን ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ናይ ዝተሰወሩ ሰባት መሐበሪ ማእከል ኣቚሞም ይሰርሑ ኣለው።
ኣብ ኤርትራ እውን፡ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዙ ጃምላዊ ማእሰርትን ሽርበትን ከምዝጸንሐን ከምዘሎን፡ ኣስታት 10 ሽሕ ዝኾኑ እሱራት ኣብ ፈቐዶ ኣብያተ ማእስርቲ ተቐይዶም ከምዘለው መርማሪ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኤርእራ ኣብ ናይ 2016 ጸብጻቡ ይሕብር።
ኣብ ኢትዮጵያ እውን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ብጃምላ ዝተኣስሩ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት፡ ገሊኦም ክሳብ ናይ ሞት ፍርዲ ተበይኑዎም ዝነበረ እሱራት፡ ኣብ ጽገናዊ ለውጢ 2018 ብምሕረት ተፈቲሖም ነይሮም።
ይኹን እምበር ሕጂ እውን፡ ብምኽንያት ዓሌታዊ ጎንጺ ብዙሓት ሰባት ይእሰሩ ከምዘለው ማዕከናት ዜና ይጽብጽባ።
"ዓፈናን ማእሰርትን ትንፋስ መለኽቲ ስርዓታት እዩ" ብምባል ኣብ ኤርትራ ኩሉ ዓይነት ሰብኣዊ መሰላት ስለዘይክበር እታ ሃገር ንባዕላ ዓባይ ማእሰርቲ ክብል ዝገልጻ ዮውሃንስ ድራር፡ ንጸብጻብ መርማሪ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ብምጥቃስ፡ ኣብ ኤርትራ መሰል ሓሳብካ ምግላጽ፡ መሰል ሰላማዊ ምትእኽካብ፡ መሰል እምነት ኣምልኾን፤ መሰል ምንቅስቓስ፡ ከምዘየለ ይገለጽ።
" ሎሚ ንዝኾነ ኤርትራዊ፡ ኣብያተ ማእሰርቲ'ዶ ኣብያተ ትምህርቲ ኤርትራ ይበዝሕ ኢልካ እንተትሓቶ፡ ብሰንኪ ቀጻሊ ተጓንፎ ማእስርቲ፡ ዋላ እውን እቲ ኣሃዝ ልክዕ ኣይኹን፡ እቲ ዝሕተት ሰብ 'ኣብያተ ማእሰርቲ!' ኢሉ ምመለሰ ይብል ዮውሃንስ ብዛዕባ ሃለዋት ኣብያተ ማእስርትን እሱራትን ኤርትራውያን ብምስትንታን።
" ዜጋታት ኤርትራ፡ ሕጂ ዘይኮነ ካብ ጽባሕ ናጽነት ኣትሒዞም እዮም ብስም እስላማዊ ጥሩፍነት ጂሃድ እናተባህሉ ከካብ ቤቶም ተወሲዶም ተሰዊሮም" እትብል ዶክተር ኣስያ ዓብደልቃድር፡ ኣብቲ እዋን እቲ ግን ህዝቢ ከምዚ ናይ ሕጂ ስለዘይነቕሐን ነቲ ግፍዒ ስለዘይረኣዮን ስድራ ቤት ግዳያት ጥራሕ እዮም ንበይኖም ዝቕንዘው ነይሮም ትብል።
ዳሕራይ ግን ብፍላይ ድሕሪ ዶባት ኩናት፡ ጽገናዊ ለውጢ ክግበር ዝሓተቱ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ኣደለውቲ ናይ ብሕቲ ጋዜጣን ከካብ ቤቶም ተዓፊኖም ምስተወስዱ፡ ኣብ ናጻ ቤት ፍርዲ ከይቀረቡ ን18 ዓመታት ብምስዋሮም ህዝቢ ካብ ፈቐድኡ ኩርናዕ ዓለም ዓገብ ክብል ስለዝጀመረ፡ እቲ ግህሰት ቃልዕ ኮይኑ ብእኡ መጠን ከኣ እቲ ተቓውሞ ዓብዩ ይርከብ።
ድሕሪ ዕርቀ ሰላም
"ድሕሪ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ፡ ብዙሕ ነገር ክልወጥ ተስፋ ነይሩ እዩ ግን ምንም ኣይተገብረን" ኢላ ዳንኤላ ክራቨዝ ንባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ጸብጻባ ከተቕርብ እንከላ፡ ኣብ ኤርትራ ገና ጃምላዊ ማእሰርቲ ዓፈናን፡ ምሕራም ኣምልኾን እምነትን፡ ምድራት ምንቅስቓስ፡ ብሰንኪ ገደብ ኣልቦ ግዱድ ዕስክርና ከኣ ቀጻሊ ዋሕዚ ስደት ከምዘይነከየ ገሊጻ።
ንጸብጻብ መርማሪ ኮሚሽን ጠቒሱ፡ ኣብ ኤርትራ ምስ ገበናት ኣንጻር ሰብኣዉነት ዝዳረግ ተግባራት ከምዝተፈጸመ ዝጠቐሰ ዮውሃንስ ድራር፡ " ህዝቢ ኤርትራ ሕጂ እውን እንተኾነ ኣብ ቀጻሊ ፍርሕን ራዕድን እዩ ዝርከብ ዘሎ" ብምባል ብኣጋጣሚ ዓለማዊ ዝኽሪ ሽርበትን ጃምላዊ ማእሰርትን ዝምልከቶም ኣካላት ፍትሒ ነቲ ስርዓት ዓገብ ክብሉዎን ብሕጊ ክምእዘዙን ኣተሓሳሲቡ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰነ፡ ሂዩማን ራይትስ ዎችን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝነብሩ ኤርትራውያን ሰብ ሞያ ሕግን 30 ዓለምለኻውያን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ንክመሐየሽ ዝጽውዕ ደብዳበ ናብ ሕቡራት ሃገራት ምጽሓፎም ዝዝከር እዩ።
ብዙሓት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ፈተውቲ ሃገራትን፡ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ዕርቀ ሰላም ከም ዘተስፉ ኣብነታዊ ስጉምቲ ብምጥቃስ፡ ኣብ ኤርትራ ቅድምን ድሕርን 2001 ብዘይፍርዲ ዝተኣስሩ ላዕለዎት ሰበስልጣናትን ጋዜጠኛታት ኣብ ፍርዲ ክቐርቡን ዝግባእ ካሕሳ ተዋሂቡዎም ክፍትሑን፡ ኣብቲ ዓመት ዝተኣገደ ናይ ብሕቲ ሚድያ ክፍቀድ ክሓቱ ጸኒሖም እዮም።
ብድሕሪኡ እውን 103 ዝኾኑ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ደረስትን ጋዜጠኛታትትን ዝርከብዎም ኣፍሪቃውያን፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክመሓየሽ ናብ ዝምልከቶም ሰበ ስልጣን መንግስቲ ቅሉዕ ደብዳበ ጽሒፎም ነይሮም።
ሂዉማን ራይትስ ዎች እውን ብዝርዝራዊ ሰነድ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ "ኤርትራ ብግዱድ ዕስክርናኣ ንተማሃሮን መምሃራንን ግዳይ ኣካላዊ ግህሰትን ናይ ጉልበት ስራሕን ትገብር ኣላ" ክብል ሓቢሩ ነይሩ። እንተኾነ፡ ሰበ ስልጣናት ኤርትራ ብዝኾነ ወገን ንዝቐረበሎም ክሲ ነጺጎምዎ እዮም።