እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ክልል ሶማል፡ ጸገም ኣእምሮ ዘለዎ ውልቀ ሰብ ኣርባዕተ ኣባላት ቤተሰብ ቀቲሉ ንሓሙሽተ ኣቑሲሉ
ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማል ሓደ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎ ሰብ ኣርባዕተ ኣባላት ሓንቲ ስድራ-ቤት ብፋስ ብምቕታል ንካልኦት ሓሙሽተ ድማ ብኸቢድ ከም ዘቑሰለ ፖሊስ ገሊጹ።
እቲ ጥቕዓት ዝተፈጸመ ኣብ ዞባ ፋፈን፡ ወረዳ ሃርሺን ኣብ ናይ ገጠር ቀበሌ ኮይኑ፡ እቲ ሰብ ሞያ ጥዕናን ፖሊስን ናይ ኣእምሮ ጸገም ከምዘለዎ ዝገለጽዎ ውልቀ ሰብ ፡ ረቡዕ 27 መስከረም 2013 ዓ/ም ናብ ሓደ 9 ኣባላት ቤተሰብ ዘለዉዎ ገዛ ብምእታው ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ገሊኦም።
እቲ ውልቀ ሰብ ቅድሚ መጥቃዕቲ ምፍጻሙ፡ ፋስ ሒዙ ይዘውር ዝነበረ ኮይኑ ፖሊስ ዘመዱ ከም ዝኾኑ ናብ ዝገለጾ ገዛ ብምእታው ሰብኣይን ሰበይትን ምስ ክልተ ደቆም ብምቕታል፡ ኣብ ልዕሊ ሓሙሽተ ደቆም ከቢድ ጉድኣት ከም ዘብጸሐ መረዳእታ ፖሊስ የመልክት።
በቲ ፋስ፡ ርእሶም፣ ከብዶምን እግሮምን ከም ዝወቐዖምን ከቢድ ጉድኣት ከም ዝበጸሖምን፡ ውኒኦም ስሒቶም ኣብ ሆስፒታል ጂግጂጋ ከምዘለዉን ቢቢሲ ሶማሊ ተገሊጹ ኣሎ።
እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ውልቀ ሰብ ናይ ኣእምሮ ጸገም ከምዘለዎ ዝፍለጥ ምዃኑ ዝገለጸ ፖሊስ፡ ዘመድ እቶም ግዳያት ብምዃኑ ብቐሊሉ ናብ ገዝኦም ክኣቱ ከምዝኸኣለን ጥንቃቐ ከምዘይገበሩን ገሊጹ።
ብተወሳኺ ቅድም ክብል ናብ ገዝኦም እናመጸ ናይ ምግብን ካልእን ሓገዝ ይገብሩሉ ስለዝነበሩ ጥርጣረ ከም ዘይነበሮምን ቅድሚ ሕዚ መጥቃዕቲ ናይ ምፍጻም ኩነታት ከምዘይነበሮን ፖሊስ ገሊጹ።
እቲ ውልቀ ሰብ ድሕሪ ጥቕዓት ምፍጻሙ ክሃድም ከም ዝፈተነን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከም ዝወዓለን ዝሓበረ ፖሊስ፡ ናብ ፍርዲ ንምቕራብ ምርመራ ይግበረሉ ከም ዘሎ ፖሊስ ወሲኹ ሓቢሩ።