ሪሃና ኣብ ምርኢት ፋሽን ክዳን-ውሽጢ ፌንቲይ: እስላማዊ ጥቕሲ ብምቕራባ ይቕሬታ ሓቲታ

ሪሃና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ውርይቲ ኣመሪካዊት ሰነ-ጥበባዊት ሪሃና፡ ኣብ ምርኢት ፋሽን 'ሳቬጅ ኤክስ ፌንቲ'፡ ኣከራኻሪ ደርፊ ብምቕራባ ይቕሬታ ሓቲታ።

ንሳ፡ ነታ ገለ ናይ እስላማዊ ጽሑፍ፡ ሓዲስ፡ ትሕዝቶታት ዘለዋ፡ ብስነጥበባዊ ኮኮው ቺሎ ንዝተደረፈት፡ ኵነኔ (Doom) ዘርእስታ ደርፊ ድሕሪ ምቕራባ ብዙሓት ወቒሶምዋ እዮም።

ሪሃና፡ ኣብቲ ጉዳይ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ ነታ ደርፊ ኣብቲ መድረኽ ምቕራባ "ብቕንዕና፡ ግን ድማ ብሸለልትነት ዝተገብረ ዘይሓላፍነታዊ ጌጋ እዩ" ኢላ።

ሓዲስ፡ ኣካል ናይቲ ነቢይ መሓመድ ካብ ዝተዛረቦ መንፈሳዊ ቃል ተኣኻኺቡ ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ምዃኑ ይእመን።

እቲ ኣብታ ደርፊ ዘሎ ካብ 'ሓዲስ' ዝተወስደ ናይ ቋንቋ ዓረብ ጥቕሲ፡ ብዛዕባ መዓልቲ ፍርዲ ዝዛረብ እዩ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ኮኮው ቺሎ፡ እቲ ደርፊ፡ እስላማዊ ጥቕሲ ከም ዘለዎ ኣይፈለጥኩን ብምባል ኣቐዲማ ይቕሬታ ሓቲታ እያ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት እቲ ናይ ሪሃና ናይ ፋሽንን ጽባቐን ሕላገት ንብዙሕነት ብዘርኣዮ ኣኽብሮት ክምጎስ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ጥቅምቲ 2 ኣብ ዝቐረበ ምርኢት ፋሽን፡ ነታ ደርፊ ምጥቃማ ብገለ ደገፍቲ እስልምና ሕቶ ኣለዓዒሉ እዩ።

ሆድሄን ለይደን

ምንጪ ስእሊ, Hodhen Liaden

ብዛዕባ ጽባቐ ብቐጻሊ እትጽሕፍ ደጋፊት ሪሃናን ፌንቲን ዝኾነት ጓል 26 ዓመት ሆድሄን ለይደን፡ ነታ ደርፊ ኣብቲ ምርኢት ምቕራብ ጌጋ ምዃኑ ትነግር።

ሪሃና ይቕሬታ ምሕታታ ደስ ዜብል እዩ ዝበለት ሆድሄን "ከምዚ ዝኣመሰለ ጌጋታት ምእንቲ ክውገድ፡ ብዙሓት ኣስላም ኣብቲ ዓውዲ ክህልው ኣድላዪ" ምዃኑ ተዛሪባ።

ፍርያት ፌንቲ ተዘውትር ምንባራ እትጠቅስ ሆድሄን፡ እዚ ፍጻመ ንኣተሓሳስብኣ ከቐይራ ከም ዝኽእል ገሊጻ።