ሪሃና ኣብ ምርኢት ፋሽን ክዳን-ውሽጢ ፌንቲይ: እስላማዊ ጥቕሲ ብምቕራባ ይቕሬታ ሓቲታ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ውርይቲ ኣመሪካዊት ሰነ-ጥበባዊት ሪሃና፡ ኣብ ምርኢት ፋሽን 'ሳቬጅ ኤክስ ፌንቲ'፡ ኣከራኻሪ ደርፊ ብምቕራባ ይቕሬታ ሓቲታ።
ንሳ፡ ነታ ገለ ናይ እስላማዊ ጽሑፍ፡ ሓዲስ፡ ትሕዝቶታት ዘለዋ፡ ብስነጥበባዊ ኮኮው ቺሎ ንዝተደረፈት፡ ኵነኔ (Doom) ዘርእስታ ደርፊ ድሕሪ ምቕራባ ብዙሓት ወቒሶምዋ እዮም።
ሪሃና፡ ኣብቲ ጉዳይ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ ነታ ደርፊ ኣብቲ መድረኽ ምቕራባ "ብቕንዕና፡ ግን ድማ ብሸለልትነት ዝተገብረ ዘይሓላፍነታዊ ጌጋ እዩ" ኢላ።
ሓዲስ፡ ኣካል ናይቲ ነቢይ መሓመድ ካብ ዝተዛረቦ መንፈሳዊ ቃል ተኣኻኺቡ ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ምዃኑ ይእመን።
እቲ ኣብታ ደርፊ ዘሎ ካብ 'ሓዲስ' ዝተወስደ ናይ ቋንቋ ዓረብ ጥቕሲ፡ ብዛዕባ መዓልቲ ፍርዲ ዝዛረብ እዩ።
ኮኮው ቺሎ፡ እቲ ደርፊ፡ እስላማዊ ጥቕሲ ከም ዘለዎ ኣይፈለጥኩን ብምባል ኣቐዲማ ይቕሬታ ሓቲታ እያ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት እቲ ናይ ሪሃና ናይ ፋሽንን ጽባቐን ሕላገት ንብዙሕነት ብዘርኣዮ ኣኽብሮት ክምጎስ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ጥቅምቲ 2 ኣብ ዝቐረበ ምርኢት ፋሽን፡ ነታ ደርፊ ምጥቃማ ብገለ ደገፍቲ እስልምና ሕቶ ኣለዓዒሉ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Hodhen Liaden
ብዛዕባ ጽባቐ ብቐጻሊ እትጽሕፍ ደጋፊት ሪሃናን ፌንቲን ዝኾነት ጓል 26 ዓመት ሆድሄን ለይደን፡ ነታ ደርፊ ኣብቲ ምርኢት ምቕራብ ጌጋ ምዃኑ ትነግር።
ሪሃና ይቕሬታ ምሕታታ ደስ ዜብል እዩ ዝበለት ሆድሄን "ከምዚ ዝኣመሰለ ጌጋታት ምእንቲ ክውገድ፡ ብዙሓት ኣስላም ኣብቲ ዓውዲ ክህልው ኣድላዪ" ምዃኑ ተዛሪባ።
ፍርያት ፌንቲ ተዘውትር ምንባራ እትጠቅስ ሆድሄን፡ እዚ ፍጻመ ንኣተሓሳስብኣ ከቐይራ ከም ዝኽእል ገሊጻ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







