እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ መንግስቲ ፌደራል ስልጣንን ሓላፍነትን ዝነበሮም ኣባላት ህወሓት ካብ መዝነቶም ‘ክለዓሉ’ ተኣዚዞም
ኣብ መንግስቲ ፌደራል ስልጣንን ሓላፍነትን ዝነበሮም፡ ኣባላት ህወሓት ናብ ውድቦም ሪፖርት ክገብሩ ቤት ጽሕፈት ህወሓት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣዚዙ።
እቲ ብስም ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ህወሓት ኣቶ ኣለም ገብረዋህድ ዝወጸ መጸዋዕታ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ "ዘይሕገመንግስታዊ" ክብል ብምግላጽ እቲ ውሳነ ከም ዝተወስደ ኣነጺሩ።
እቲ መጸዋዕታ፡ ነቶም ንህወሓት ወኪሎም ኣባላት ቤት ምኽሪ ዝነበሩን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ትካላት ንህወሓት ወኪሎም ክሰርሑ ዝጸንሑን ዝምልከት'ዩ።
"መንግስቲ ፌደራል ዘይሕገመንግስታዊ ምንዋሕ ስልጣን ምክያዱ ስዒቡ ህወሓት ኣካል እቲ ከምዚ ዝበለ ዘይሕገ መንግስታዊ ተግባር ስለዘይኮነ ካብ ሎሚ መዓልቲ ሰኑይ (25 መስከረም 2013 ዓ/ም) ጀሚሩ ኣብ ፌደራል መንግስቲ ብምረፃ ዝተትሓዙ ሓላፍነት ዝነበረኩም ደው ኣቢልኩም ናብ ውድብኩም ህወሓት ሪፖርት ንኽትገብሩ ነተሓሳስብ" ይብል።
ካብቶም ኣብቲ ዝርዝር ኣስማቶም ተጠቒሶም ዝርከቡ 40 ውልቀሰባት፡ ዶ/ር ኣርከበ ዕቑባይ፡ ኣምባሳደር ኣዲስኣለም ባሌማ፡ ኣምባሳደር ኣባይ ወልዱ፡ ወ/ሮ ሮማን ገብረስላሴን ዶ/ር ኣድሓ ሃይለን ይርከብዎም። ብውልቂ ደብዳቤ ከም ዝተጻሕፈሎም'ውን እቲ መግለጺ ጠቒሱ'ሎ።
እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ብዘይኣፍልጦ ፈደራላዊ መንግስቲ ክልላዊ ምርጫ ኣካይዱ ዝተዓወተ ህወሓት፡ ነቲ ሎሚ ዕድመ ስልጣኑ ከብቅዕ ዝነበሮ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ "ዘይሕጋዊ" ብምዃኑ፡ ኣፍልጦ ከምዘይህብ ገሊጹ ነይሩ።
ፓርላማ ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዝተናወሐ ሃገራዊ ምርጫ ክሳብ ዝካየድ፡ ዕድመ ፈደራላውን ክልላውን መንግስታት ክሳብ ሓደ ዓመት ክናዋሕ ምውሳኑ ይዝከር። ህወሓት ግን ሽዑ'ውን ነቲ ውሳነ ተቓዊምዎ'ዩ።
እቲ ስጉምቲ ነቲ ኣብ መንጎ ማእከላይ መንግስትን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ክጎሃሃር ዝጸንሐ ወጥሪ ናብ ዝበልሐ ጥርዙ ዘምርሕ እዩ።