እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዕጡቓት ተቓወምቲ ሱዳን ንሓይልታት መንግስቲ ኣጥቂዖም
ኣብ ዞባ ዳርፉር፡ ዕጡቓት ሓደ ተቓዋሚ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት መንግስቲ መጥቃዕቲ ከምዘካየዱ ሰራዊት ሱዳን ገሊጹ።
ሰራዊት መንግስቲ ከምዝበሎ፡ ትማሊ ሰኑይ ዕጡቓት ኣባላት ናይቲ ብምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን ዝፍለጥ ጉጅለ፡ ኣብ ባልዶንግ ዝተባህለ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ጎቦታት ማራ: ዓስኪሮም ንዝነበሩ ወታሃደራት መንግስቲ ኣጥቂዖም።
እቲ ብዓብደል ዋሒድ ኣል-ኑር ዝምራሕ ጉጅለ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብ መንጎ መንግስትን ተቓወምቲ ጉጅለታትን ዝተበጽሐ ስምምዕ ዝተሓሰመ'ዩ።
"ኣብቲ ከባቢ ዓስኪሮም ዝነበሩ ሓይልታትና ግብረመልሲ ብምሃብ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ገቲኦሞ" ክብል እቲ ሰራዊት ዝውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
እቲ መግለጺ ብተወሳኺ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተበጽሐ ስምምዕ ከምዘኽብሮ ጠቒሱ።
እቲ ብ31 ነሓሰ ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም፡ ነቶም ኣባላት ናይቲ ሰውራዊ ግንባር ሱዳን ተባሂሉ ዝፍለጥ ጥምረት ተቓወምቲ ኣካል መሰጋገሪ መንግስቲ ክኾኑ ዝገበረ'ዩ።
እቲ ስምምዕ፡ ነቲ ኣብ ዞባ ዳርፉር፡ ደቡብ ኮርዶፋንን ብሉ ናይልን ክካየድ ዝጸንሐ ኣዕናዊ ግጭታት መዕለቢ ክረኽበሉ ትጽቢት ዝተገብረሉ'ዩ።