እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምሉእ ሰብነቱ ብውቃጦ ዝሸፈነ መምህር ንተምሃሮ መዋእለ ህፃናት ከየምህር ተኣጊዱ
ሲልቫይን ሄላይን፡ ሰብነቱ፣ ገፁን መልሓሱን ምሉእ ብምሉእ ብውቃጦ ዝተሸፈነ እዩ። እዚ ጥራሕ ኣይኮነን ኩዕሶ ዓይኑ'ውን ብመጥባሕቲ ብፀሊም ሕብሪ ለኽይዎ'ሎ።
ወዲ 35 ዓመት ሲልቫይን ኣብዚ እዋን ልዕሊ ሽድሽተ ዓመት ንዝዕድሚኦም ተምሃሮ ቀዳማይ ብርኪ ኣብ ምምሃር ይርከብ።
ይኹን'ምበር ጓላ ናይታ ብምኽንያት ውቃጥኡ ጥርዓን ዘቕረበት ኣደ፡ ንሱ ከምዘይምህራ ብምሕባር፡ ናህቱ ተምሃሮ ግና ንውቃጥኡ ብፅቡቕ ከምዝርእይዎ ተዛሪቡ።
እቲ ውልቀሰብ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ " ካብ ርሑቕ ዝርእዩኒ ሰባት ጥራሕ እዮም፡ ብዛዕባ ውቃጦይ ሕማቕ ነገር ዝሓስቡ" ኢሉ።
'ፍሪኪ ሁዲ' ብዝብል ሳጓኡ ዝፍለጥ ሲልቫይን፡ ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ቤት-ትምህርቲ ፓላይሲያው የምህር ከምዝነበረ እዩ ዝገልፅ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ ወዲ ሰለስተ ዓመት ህፃን ንዕኡ ምስ ረኣየ ለይቲ ከምዝብህርር ንወለዱ ስለዝተዛረበ፡ ወለዲ ንምምሕዳር እቲ ቤት-ትምህርቲ ቅረታ ከምዘቕረቡ ተዛሪቡ።
ድሕሪ ክልተ ወርሒ ድማ፡ ምምሕዳር እቲ ቤት-ትምህርቲ፡ ኣብዚ ክሊ ዕድመ ንዝርከቡ ህፃናት ከምህር ከምዘይኽእል ምስ ነገርዎ፡ ከምዝሓዘነ ገሊፁ።
ፍሪኪ ሁዲ፡ ውቃጦይ፡ እቶም ተምሃሮይ ንኻልኦት ካብኦም ፍልይ ዝበሉ ቆልዑ ንክቕበሉ ዝሕግዞም እዩ ኢሉ ይኣምን።
"ንዓይ ዝርእዩ ህፃናት፡ ምክእኣል ንክመሃሩ ይሕግዞም እዩ። ምስ ዓበዩ ብዝተወሰነ መልክዑ፡ ዓሌታውያንን ከምኡ'ውን ንሕደ ፆታውያን ዝፀልኡ ኣይኮኑን። ጉድኣት ኣካል ንዘለዎም ሰባት ድማ፡ ሰርከሳዊ ምርኢት ከምዘርእዩ ገይሮም ኣይርእይዎምን" ኢሉ።
ሲልቫይን ምሉእ ሰብነቱ ብውቃጦ ንምሽፋንን ዓይኑ ብፀሊም ሕብሪ ንምትካእን 460 ሰዓታት እዩ ወሲድሉ።
ሕብሪ ዓይኑ ብፀሊም ቀለም ንምትካእ ኣብ ፈረንሳይ ሕጋዊ ብዘይምዃኑ ድማ፡ ናብ ስዊዘርላንድ ክኸይድ ተገዲዱ እዩ።