እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስሪላንካ ካብ ብሪጣንያ ዝተለኣኸላ "ሓደገኛ ጓሓፍ" መሊሳቶ
ስሪላንካ ካብ ብሪጣንያ ዝተልኣኸላ ብኮንቴይነራት ዝተመልአ ጓሓፍ ኣዝዩ ሓደገኛ ነገራት ሒዙሎ ብዝብል ንገሊኡ ናብታ ሃገር መሊሳ ሰዲዳቶ።
ሰብመዚ እታ ሃገር ከምዝሓበርዎ ብሓደ ብሕቲ (ውልቀ) ትካል ካብ ዝኣተዉ 263 ኮንተይነራት ገሊኦም ኣዝዮም ሓደገኛታት ዝኾኑ ናይ ሆስፒታላት ናውቲ ተረኺብዎም ኣሎ።
እቶም ኮንተይነራት ዳግመ ምምስራሕ ሓሊፎም ናብ ኣገልግሎት ዝምልሱ ከም ፍራሽ፣ መንጸፍን ዝመሳሰሉን ዘገልገሉ ናውቲ ሒዞም ክኣትዉ ትጽቢት ይግበር ነይሩ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ከኣ እቶም ንጥዕና ሓደገኛ ዝኾኑ ነገራት ከምዝሓዙ ዝተኣመነሎም ክምለሱ ክግብር ከሎ፤ እቶም ዝበዝሑ ኮንቴይነራት ግን ኣብታ ሃገር ክጸንሑ ተወሲኑ'ሎ።
ኣብቶም ጓሓፍ ሒዞም ዝኣተዉ ኮንተይነራት ፕላስቲክን ካልኦት ንመዕሸጊ ዝተፈላለዩ ኣቑሑት ዝኾኑ ናይ ላስቲኽ ባህሪ ዘለዎም ነገራትን ተረኺቡ'ዩ።
ወሃቢ ቓል በዓል መዚ ጉምሩክ ስሪላንካ፡ እቶም ዝተልኣኹ ኮንቴይነራት ንሕግን ደንብን ሕብረት ኤውሮጳ ዝጠሓሱን ሓላፍነት ዝጎደሎምን ከምዝኾኑ ሓቢሮም።
ኤጀንሲ ሓለዋ ከባቢ ብሪጣንያ ብወገኑ ካብ መንግስቲ ስሪላንካ ተወሳኺ ሓበሬታ ክወሃቦ ከምዝሓተተ ብምግላጽ "እቲ ስሕተት ብኸመይ ክፍጠር ከምዝኸኣለ ምጽራይ ክንጅምር ኢና" ክብል ኣፍሊጡ።
ካብ ሃገራት ኤውሮጳ ዝለኣኹ ጓሓፋትን ዘገልገሉ ናውትን ካብ ዝቕበላ ሃገራት እተን ዝበዝሓ መሊሰን ናብታ ሃገር ይሰድኦ ከምዘለዋ ይግለጽ።
ማሌዥያ ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ዘይሕጋውያን ዝበለቶም 42 ኮንቴይነራት ናብ ብሪጣንያ መሊሳ ነይራ።