እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ብምኽንያት ኣብ ፌስቡክ ዝተዘርግሐ ስእሊ ታሪኹ ዝተቐየረ ቤት ትምህርቲ ቦረና
ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ቦረና ካብ ዝናብን ንፋስን ዘይከላኸል ዚንጎን መንደቕን ዘይነበሮ ቤት ትምህርቲ፡ ብማሕበራዊ መራኸቢ ፌስቡክ ኣቢሉ ብዝተዘርግሐ ሓበሬታ ገንዘብ ስለዝተኣኻኸበ፡ ብብሎኬት ክህነጽ በቒዑ'ሎ።
ስእሊ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ፌስቡክ ዝረኣዩ ሰባት፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ብር ከዋጽኡ ብምኽኣሎም፡ ናብቲ ሕዚ ዝርከበሉ ደረጃ ከምዝበጽሐ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኣባላት ኮሚቴ ህንጸት እቲ ቤት ትምህርቲ ሓቢሮም።
ነባሪ እቲ ዞባ ዝኾነ ኣይተ ጎዳና ጨፊቅ ቅድሚ ዝተወሰኑ ዓመታት ኣብ ከባቢኦም ቤት ትምህርቲ ብዘይምንባሩ ንነበርቲ ብምትሕብባር ሓደ ቤት ትምህርቲ ክሃንጽ ክኢሉ ነይሩ።
እንተኾነ፡ እቲ ቤት ትምህርቲ መምሃሪ ክፍልታቱ ብግቡእ ዝተሃነጹን ናውቲ ዝተማልአሉን ኣይነበረን። መንደቑ ብዕንጸይቲ፤ ናሕሱ ድማ ብላስቲክ ዝተሸፈነ ኮይኑ፡ ማዕጹኡ'ውን ብጽቡቕ ዝተሰርሐ ኣይኮነን።
በዚ ምኽንያት፡ ማይ ስለዘፍስስ ክረምቲ ብዝመጽአ ቁጽሪ እናተሓደሰ'ዩ ተምሃሮ ትምህርቶም ክጅምሩ ዝግበር ዝነበረ።
ኣይተ ጎዳና ከምዝብሎ ተምሃሮ ኮፍ ዝብሉሉ መንበር ስለዘይነበሮ፡ ኣብ ኩርሲን ካልእ ዝረኸብዎ ነገርን ኮፍ እናበሉ'ዮም ትምህርቶም ዝከታተሉ ነይሮም።
ነጥቢመቐይሮ!
ኣይተ ጎዳና፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብታ ከተማ ንዝርከቡ ተምሃሮ ሓድሽ መፍለዪ ክዳን ተምሃሮ (ዩኒፎርም) ከምዘዳለወን መግቢ ከምዘቕርብን ኣብ ፌስቡክ ይርኢ።
ነዚ ሪኡ ስቕ ክብል ብዘይምኽኣኩ ድማ ነታ ኣብ ከባቢኡ ዘላ ቤት ትምህርቲ "ከሕድሳ ኣለኒ" ዝብል ሓሳብ ከምዝመጸሉ ይገልጽ።
ሽዑ ሓደ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዝምህር መምህር ስእሊ ናይቲ ኣብ ዞባ ቦረና ወረዳ ዱቡሉቅ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ምስቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝወሰዶ ስጉምቲ ብምንጽጻር፡ ኣብ ፌስቡክ ከምዝጠቅዑ ኣይተ ጎዳና ይዝክር።
ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ፌስቡክ ድማ፡ ነቲ ስእሊ እናተቐባበሉ ብብዝሒ ክባጻሕ ገይሮምዎ።
ብድሕሪኡ ኣብ ውሽጢ ዓድን ደገን ዝርከቡ ሰባት፡ ነታ ቤት ትምህርቲ ንምሕዳስ እንታይ ክገብሩ ከምዘለዎም ክሓቱን ክመኻኸሩን ጀመሩ።
ነቲ ኩነታት ምስረኣዩ ሓደ ኮሚቴ ብምጥያሽ ሓሳባት ክቀያየሩ ከምዝጀመሩ ኣባል እቲ ኮሚቴ ዝኾነ ኣይተ ዳበሶ ዋሪዮ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓሳብ "ዋዛ ዝመስል ዝነበረ ነገር'ዩ ናብ ቁምነገር ተቐይሩ" ኢሉ።
"ፈለማ ሓደ ኣብ ያቤሎ ዝነብር ሰብ 30 ሽሕ ብር ክልግስ'የ ኢሉ። ብድሕሪኡ ኣብ ኣሜሪካ ዝነብሩ ካልኦት ሰባት'ውን ክሕግዙ ከምዝደልዩ ጽሒፎምለይ። ሽዑ ንሕና ብቕልጡፍ ኮሚቴ ብምጥያሽ ሕሳብ ባንኪ ከፊትና ኣፍሊጥናዮም። ኣብ ሓጺር ግዜ 1 ሚልዮንን 3 ሚኢቲ ሽሕን ብር ኣኪብና" ክብል ድማ ይገልጽ።
በቲ ዝተኣከበ ገንዘብ ነቲ ዓንዩ ዝነበረ ቤት ትምህርቲ ብብሎኬት ሃኒጾም ንመስርሕ ምምሃር ምስትምሃር ድልው ከምዝገበሩዎ ኣይተ ዳበሶ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
"ሰለስተ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ጊዜ ኢና ነቲ ቤት ትምህርቲ ኣሕዲስናዮ። ንህንጸቱ ክሳብ 1 ሚልዮን ብር ወጻኢ ተገይሩ፤ እቲ ገንዘብ ከኣ ብፌስቡክ ብዝገበርናዮ ጻውዒት ዝተኣከበ እዩ" ይብል።
ኣይተ ዳበሶ ንፌስቡክ ብምጥቃም ከምዚ ዝበለ ጸገም ሕብረተሰብ ዝፈትሕን በቀዋምነት ዘገልግልን ስራሕ ብምስርሖም ንኹሎም ተሳተፍቲ ሓጎስ ከምዝፈጠረሎም ይዛረብ።
"ካብ ፌስቡክ ተበጊስና ከምዚ ዝበለ ዓብዪ ነገር ብምስራሕና ሕጉሳት ኢና። ኣባል እቲ ኮሚቴ ብምዃነይ ድማ ሕጉስ'የ። ሕዚ ካልእ 'ፕሮጀክት' ጀሚርናለና" ክብል ገሊጹ።
ኣይተ ጎዳና እቲ ብዕንጸይቲ መንደቕን ብፕላስቲክ ናሕስን ተሃኒጹ ንተምሃሮ ፍልጠት ከስንቕ ዝጸንሐ ቤት ትምህርቲ ብፌስቡክ ንዝተዘርግሐ ሓበሬታ ብዝረኣዩ ወለንተኛታት ተሃኒጹን ተቐይሩን ብምርኣዩ ሕጎሱ ደረት ከምዘይብሉ ይዛረብ።
"ተምሃሮ ኮፍ ዝብሉሉ ነገር ኣይነበሮምን። ንደብተሮም'ኳ ዘቐምጡሉ ቦታ ኣይነበሮምን። ሕዚ ግን ስለዝተማልአሎም ሕጉስ እየ" ብምባል ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን መምሃሪ ክፍልታት ጥራይ ዘይኮነስ ኮፍ መበሊ መናብር'ውን ክማላእ ብምኽኣሉ ዝፈጠረሉ ፍሉይ ስምዒት ንቢቢሲ ገሊጹ።