ደራሲት መዓዛ መንግስቴ ንዓለምለኻዊ ሽልማት 'ቡከር' ተሓጽያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኢትዮ- ኣሜሪካዊት ደራሲት መዓዛ መንግስቴ፡ ሕጽይቲ ዓለምለኻዊ ሽልማት 'ቡከር ፕራይዝ' ከምዝኾነት ተፈሊጡ።
ቅድም ክብል 'ቡከር ሚክኮኔል ፕራይዝ' ን 'ዘ ማን ቡከር ፕራይዝ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝነበረ 'ቡከር ፕራይዝ'፡ በቢዓመቱ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ወይ ኣየርላንድ ብእንግሊዘኛ ዝተሓተሙ ነዊሕ ልቢ ወለድ መጻሕፍቲ ዝሽልም ትካል እዩ።
እቲ ኣብ 1969 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ዝተጣየሰ ትካል በቢ ዓመቱ ጸሓፍቲ አወዳዲሩ እናሸለመ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ኣብዚ ዓመት ድማ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍሪቃውያን ሕጹያት ዕላዊ ገይሩ ኣሎ።
ካብተን ሕጹያት ብትውልዲ ኢትዮጵያዊት ዝኾነት መዓዛ መንግስቴ ሓንቲ እያ።
ደራሲት መዓዛ 'ዘ ሻዶው ኪንግ' [The Shadow king] ብዝብል መጽሓፋ እያ ነቲ ሽልማት ተሓጽያ ዘላ።
ታሪክ እቲ መጽሓፍ፡ ምጅማር ካልኣይ ኩናት ዓለም ከምዝኾነ ዝግለጽ ጥልያን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝፈጸመቶ ወራር መሰረት ይገብር።
ኣብቲ ኩናት ኢትዮጵያውያን ደቂ ኣንስትዮ ዝነበረን ዕዙዝ ግደ ዝለዓለ እንተኾነ'ኳ ኣብ ታሪክ ግን ከምዝተረሰዓ ዝትርኽ እዩ።
መዓዛ መንግስቴ ኣብ 2010 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ናብ ኣንበብቲ ብዝበጸሐ 'ቢኒዝ ዘ ላየንስ ጌዝ' [Beneath the Lion's Gaze] ብዝብልን ካልኦት ስራሕታን ትፍለጥ።
ኣብቲ እዋን እቲ መፍሓፍ ካብ 10 ብሉጻት መጻሕፍቲ ጋርድያን ኣፍሪቃ ተመዲቡ እዩ።
መዓዛ፡ ሕጽይቲ ሽልማት 'ቡከር' ከምዝኾነት ኣብ ዝሰመዐትሉ እዋን "ኦ! ኣምላኸይ፡ እንታይ ክብል ከምዘለኒ ኣይፈልጥን" ብምባል ዝተሰመዓ ሓጎስ ኣብ ትዊተር ዕሒፋ እያ።
ካብቶም ንሽልማት ዝተሓረዩ ሽዱሽተ መጻሕፍቲ፡ ብዚምባብያዊት ጺጺ ዳንጋሬምባ ዝተጽሓፈ ድርሰት እቲ ካልአዋይ እዩ።
እቲ ' ዚስ ሞርነብር ቦዲ' 'This Mournable Body' ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ መጽሓፍ ናይቲ ቅድም ክብል ዓብኢ ናእዳ ዘርከበላ 'ነርቨስ ኮንዲሽንስ' ዝብል መጽሓፍ መቕፀልታ እዩ።
ባዕዳዊ መግዛእቲ እንግሊዝን ካፒታሊዝምን ከመይ ንቑጠባ ዚምባብወ ከምዝሃሰዮን ኣብ ጽባሕ ናጽነት ዝሰዓበ ጭቆናን ድማ ታሪኽ እቲ መጽሓፍ ዝድህስሶ ጉዳይ እዩ።
እቲ መጽሓፍ ሾና ኣብ ዝበሃል ህዝቢ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ኣብ ዝርከብ ሓደ ቤተሰብ እዩ ዘተኩር።
ደራሲት ጺጺ 'ውን ሕጽይቲ እቲ ሽልማት ምዃና ዝፈጠረላ ሓጎስ ኣብ ትዊተር ገሊጻ ኣላ።
ደራሲት፣ ተዋሳኢትን ጸሓፊት ተውኔትን ዝኾነት ጺጺ፡ መጽሓፋ ንዓለም ካብ ዝቐየሩ 100 መጻሕፍቲ ብምባል ቢቢሲ ቅድሚ ክልተ ዓመት መሪጽዎ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ እንግሊዛዊት ናይጀርያዊት ዝኾነት ቤርናዲኔ ኢቫሪስቶል፡ ሽልማት 'ቡከር' ብምውሳድ ፈላሚት ጸላም ኣፍሪቃዊት ኮይና እያ።
ካልኦት ሕጹያት እዚ ሽልማት ድማ
•ብዲያኔ ኩክ ዝተጽሓፈ 'ዘ ኒው ወይልደርነስ' [The New Wilderness]
•ብአቭኒ ዶሽ ዝተጽሓፈ 'በርንት ሹገር' [Burnt Sugar]
•ብብራንደን ቴይለር ዝተጽሓፈ 'ሪል ላይፍ' [Real Life]
•ብዳግላስ ስቱዋርት ዝተጽሓፈ 'ሹጌ ቤን' [Shuggie Bain] እዮም።
ኣብዚ ሽልማት ንዝተዓወተ ሰብ 64 ሽሕ ዶላር ዝወሃብ ኮይኑ፡ ዝኾነ ይኹን ብእንግሊዝኛ ተጻሒፉ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተሓተመ መጽሓፍ ክወዳደር ይኽእል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







