'ሕጊ ምክልኻል ኮቪድ-19 ዝጥሕሱ’ ሰልፍታት ህወሓት

'ሕጊ ምክልኻል ኮቪድ-19 ዝጥሕሱ' ሰልፍታት ህወሓት

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ኣብ መረጻ ትግራይ ንዝረኸቦ ዓወት ክጽምብል፡ ሎሚ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት ዝተሳተፍሉ ሰልፍታት ኣካይዱ።

እቲ ሰልፊ ግን፡ ኩሉ ሰብ ኣይተሓጎሰሉን። እቲ ሰልፊ፡ ንህዝቢ፡ ንሕማም ኮቪድ-19 ዘቃልዕ እዩ ብዝብል፡ ኣባላቱን ደገፍቱን ከይተረፉ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ይቃወምዎ ኣለዉ።

ኣብ ኣድላይነት እቲ ናይ ሎሚ ሰልፊ ብዝምልከት’ውን፡ ኣብ መንጎ መራሕቲ ዘይምስምማዕ ከምዝነበረ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ። እንተኾነ፡ ህወሓት ነቲ ሰልፊ ካብ ምክያድ ኣይኣገዶን።

ህወሓት፡ ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ሰልፊ ጸዊዑ ህዝቢ ክእክብ እዚ ንፈለማ እዋን ኣይኮነን። ቅድም ክብል’ውን “መኸተ” ከምኡ’ውን ካልእ ምኽንያታት ብምግባር፡ ብመሓውራቱ ኣቢሉ፡ ብተደገጋሚ ህዝቢ ክእክብ ተራእዩ እዩ።

ኣብ’ቲ ሎሚ ዝተገበረ ናይ ድጋፍ ሰልፊ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ህዝቢ ዋላ’ኳ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) ገይሩ እንተነበረ፡ ከይተፈናተተ፤ ተሓዋዊሱን ተጸጋጊዑን እዩ ተራእዩ።

ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ’ውን ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ወተሃደራዊ ምርኢት ኣብ ዘርእይሉ እዋን፡ ኣብ ከተማ ኣላማጣን ኣብ ከባቢታት ኢሮብን ህዝቢ’ውን ሰልፊ ክገብር ተራእዩ እዩ።

ኣብ’ቲ እዋን፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዘይገበራ ኣደታት ተሰሊፈን ምንባረን ይዝከር።

‘ባዕሉ ዘውጸኦ ሕጊ ዝጥሕስ መንግስቲ ትግራይ’

መንግስቲ ትግራይ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ኣብ ኢትዮጵያ ቀዲሙ ህጹጽ ኣዋጅ ኣዊጁ እዩ።

ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት’ውን ነዚ ቀዲሙ ዝወሰዶ ስጉምቱ “ክጃሃረሉ” ተራእዩ እዩ።

እቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝወጸ ኣዋጅ ምክልኻል ኮሮናቫይረስ፡ ምትእኽኻብ ህዝቢ ዝኽልክል እዩ።

ኣይኮነንዶ ብኣሸሓት ዝቑጸር ሰብ ዝሳተፈሉ ሰልፍታት፡ ማሕበራዊ ውራያት’ውን ተኣጊዱ እዩ ጸኒሑ። እንዳቡ ቡንን እንዳ ሳሕን ከይተረፉ ክዕጸዉ ተገይሮም ነይሮም።

ብሰንኪ እዚ ለበዳ፡ በብዓመቱ ብድሙቕ ዝኽበር ዝነበረ በዓል ኣሸንዳ’ውን፡ ኣብ ኣደባባያት ከይተኸበረ እዩ ሓሊፉ።

ልዕሊ ኹሉ ድማ፡ ምትእኽኻብ ጥሒሶም ዝተብሃሉ ኣብ እንዳ መስተ ዝነበሩ ሰባት ክብትን እንትፍትን፡ ፖሊስ ትግራይ ምስ መናእሰይ ክጓነጽን ብሰንኩ ህይወት ሰባት ክሓልፍን ተራእዩ እዩ።

ኣብ ዝተፈላለየ እዋን: ህፁፅ ኣዋጅ ኮሮናቫይረስ ጥሒሶም ብዝብል ክልተ ሰባት ከምዝቐተለ 'ውን ይዝከር::

ኣብ ወርሒ መጋቢት: ኣብ ወረዳ ናዕዴር ዓዴት: ሓጎስ ንጉስ ዝበሃል መንእሰይ "ተበተኑ ኣይንብተንን" ኣብ ዝብል ጎንፂ: ብፖሊስ ተቐቲሉ::

ኣብ ወርሒ ጉንበት ድማ: ብተመሳሳሊ ምኽንያት: ኣብ ከተማ መቐለ ብልሙድ '05 ማይ ዱባ' ኣብ ዝበሃል ከባቢ ሽሻይ ኪሮስ ዝበሃል መንእሰይ ብፖሊስ ተቐቲሉ፤ ክልተ ድማ ቆሲሎም::

ብኣንፃሩ: ንመናእሰይ "ተኣኪብኹም" እናበለ ዝቐትል ህወሓት ዝመርሖ መንግስቲ: ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ንህዝቢ ክእክብን ከሰልፍን ይረኣይ::

መንግስቲ ትግራይ፡ ነቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝኣወጆ ህጹጽ ኣዋጅ፡ ቅድሚ ሰሙናት ንተወሰኽቲ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ክናዋሕ ከም ዝወሰነ ዝዝከር እዩ።

ብኻልእ ወገን፡ መንግስቲ ትግራይን ውድብ ህወሓትን፡ ነቲ ባዕሎም ዘውጽእዎ ሕጊ ብተደጋጋሚ ብምጥሓስ፡ ናይ ድጋፍ ሰልፍተት ወዲቦም እዮም።

ልዊ ኩነታት ኮሮናቫይረስ ኣብ ትግራይ

ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ትግራይ ናብ ማሕበረሰብ ኣትዩ ክዝርጋሕ ካብ ዝጅምር ኣዋርሕ ኮይኑዎ’ሎ።

ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ፡ ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ “ክልልና ቅድሚ ቁሩብ ግዘ ሓደ ኢሉ ዝጀመረ ቫይረስ ኮሮና፡ ዝርግሐኡ እናወሰኸ ብምኻድ ክካብ መስከረም 05/2013፡ ናብ 5,267 ወገናት ቫይረስ ኮሮና ዝተረኸቦም እንትኸዉን 27 ሰባት ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ህይወቶም ክሓልፍ ኪኢሉ እዩ” ኢሉ።

'ሕጊ ምክልኻል ኮቪድ-19 ዝጥሕሱ' ሰልፍታት ህወሓት

ምንጪ ስእሊ, TPLF OFFICAL

ወሲኹ ድማ “ዕሽሽ ምባል ኣዝዩ ከቢድ ዋጋ ከኽፍለና ምዃኑ ፈሊጥና መከላኸሊ ሜላታታ ብምትግባር ንባዕልና፣ ስድራናን ማሕበረሰብናን ካብ ለበዳ እቲ ቫይረስ ንከላኸል” ዝብል ማዕዳ ዘስፈረ ኮይኑ፡ ካብ ዝሃቦም ማዕዳታት ሓደ ድማ “ናብ እኩብ ሰብ ዘይምኻድ” ዝብል ይርከቦ።

እንተኾነ፡ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ነዚ መልእኽቲ ምስ ኣስፈረ ኣብ ጽባሒትኡ እዩ ብኣሸሓት ዝቑጸር ህዝቢ ንህወሓት ናይ ሰልፊ ድጋፍ ክገብር ናብ ኣደባባያት ወጺኡ ዘሎ።

ኣብ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ኣባል ዝኾነ ኣይተ መንግሽ ባህረስላሰ፡ ህወሓት ዘካየዶ ሰልፊ ንሕጊ ህጹጽ ኣዋጅ ዝጥሕስ ዶ ኣይኮነን ብዝብል ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ እቲ ዝተኻየደ ሰልፊ “ኣገዳሲ” ብምዃኑ፡ ሰባት ኣድላዪ ጥንቃቐታት ገይሮም እንተተኻየደ ጸገም ዘለዎ ኣይኮነን ዝብል መልሲ ሂቡ።

ኣብ’ቲ ሰልፊ ዝተሳተፉ ሰባት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብሩን ‘ሳኒታይዘር’ ክሕዙን መልእኽቲ ከምዝሓለፈ እዩ ዝዛረብ።

እንተኾነ፡ እቲ ሰልፊ ከም’ቲ ኣይተ መንግሽ ዝብሎ፡ ጥንቃቐ ዝተገበረሉ ኣይነበረን።

ሰልፈኛታት ተጸጋጊዖም ዝተራእዩ ኾይኖም፡ ገለ ሰባት ድማ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ብግቡእ ከይተጠቐሙ ኣብ’ቲ ሰልፊ ተራእዮም እዮም።

ኣብ’ቲ ሰልፊ፡ ንሕማም ኮቪድ-19 ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ሰብ ጸጋ እድመ ከይተረፈ፡ ኣብቶም ሰልፍታት ተሳቲፎም እዮም።

ሰብሞያ፡ ብፍላይ እዞም ሰልፍታት ነቲ ዝጋፋሕ ዘሎ ለበዳ ከጋድዶ ከም ዝኽእል እዮም ዝገልጹ ዘለዉ።