ምስሕሓብ መረጻ ኢትዮጵያ ንኢንቨስትመንት ክጎድኦ ከምዝኽእል ፋይናንሳዊ ትካል ኣጠንቂቑ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሃገራዊ መረጻ ክናዋሕ ምግባሩ ስዒቡ ዝተልዓለ ምስሕሓብ፡ ንፍሰት ኢንቨስትመንት እታ ሃገር ክጎድኦ ከምዝኽእል፡ ሰብ ሞያ ሙዲስ ዝተባህለ ሃገራት ልቓሕ ናይ ምምላስ ደረጃ ዝህብ ትካል ኣጠንቂቑ፡፡

ክልል ትግራይ ካብ ፍቓድ መንግስቲ ፌደራል ወጻኢ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናይ ባዕላ መረጻ ምክያዳ ዝዝከር እዩ፡፡

ሙዲስ ፡ ኣብ ዝሐለፈ ጉንበት ናይ ኢትዮጵያ ልቓሕ ናይ ምምላስ ዓቕሚ ዘመላኽት ካብ ቢ-1 ናብ ቢ-2 ኣውሪድዎ እዩ፡፡

ደረጃ ልቓሕ ዝህቡ ትካላት፡ ልቓሕ ናይ ምምላስ ዓቕሚ እተን ሃገራት ብምግምጋም እዮም ዝምድቡወን፡፡

እቲ ዝወሃበን ደረጃ ድማ ሃገራት ልቓሕ ዝረኽባሉ ዋጋ ክጸሉ ዝኽእል እዩ፡፡

ኢትዮጵያ፡ ኣብ መሰረተ ልምዓት ንዓመታት ብዘሳለጠቶ ልምዓት፡ ኣብ ዝርዝር እተን ትካል ገንዘብ ዓለም ቅልጡፍ ዕብየት ዘመዝግባ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ተሰሪዓ ትርከብ፡፡