ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረህይወት ካብ መዝነቶም ተኣልዮም

ፕረዚደንት መቐለ ዩኒቨርሲቲ ኮይኖም ከገልግሉ ዝፀንሑ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረህይወት ካብ መዝነቶም ተኣልዮም።

ፕሮፌሰር ክንደያ ካብ ግንቦት 2005 ዓ.ም(ኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ) ኣትሒዞም ፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ መቐለ ምንባሮም ይፍለጥ።

ካብ ፅባሕ መስከረም 5 ኣትሒዞም ካብ ስልጣኖም ከምዝተኣለዩ ድማ ሚኒስትር ሚኒስቴር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ዶ/ር ሳሙኤል ኡርታቶ ዝፀሓፍዎ ደብዳቤ ስንብት ይገልፅ።

ፕሮፌሰር ክንደያ ኣብቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደን፡ መንግስቲ ፌደራል ዘይቅቡል ዝበሎን ሻድሻይ ክልላዊ መረፃ፡ ህወሓት ወኪሎም ኣብ ወረዳ እንደርታ ከምዝተወዳደሩ ይዝከር።

ብኻሊእ ገፅ ዶ/ር ገብረየሱስ ብርሃነ ፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ ኮይኖም ከምዝተሸሙ ሚኒስትር ዶ/ር ሳሙኤል ኣብ ዝፀሓፍዎ ደብዳቤ ሽመት ገሊፆም።ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም፡ ብማዕረግ ብምክትል ፕረዚደንት ዶ/ር ኪሮስ ጉዕሽ እዩ እናተመረሐ ፀኒሑ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከባ ኩለን መንግስታዊ ዩኒቨርሲቲታት ብፌደራል መንግስቲ እየን ዝመሓደራ።