ኣብ ክልል ዓፋር ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ልዕሊ 72 ሽሕ ሰባት ተመዛቢሎም

ኣብ 14 ወረዳታት ክልል ዓፋር ልዕሊ 120 ሽሕ ሰባት ብሰንኪ ሓደጋ ውሕጅ ጉድኣት ከምዝበጽሖም ኣብቲ ክልል: ሓላፊ ምክልኻል ሓደጋ ቅድመ መጠንቀቕታን ግብረመልስን ኣይተ ማሂ ዓሊ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብ ከባቢታት ኣሳይታ፣ ኣፋምቦ፣ ዱብቲን ዞባ 3ን ንዝተፈናቐሉ ሰባት ካብ መንግስቲ ፌደራል፣ ክልላትን ካልኦት ዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይን ዝተረኸበ ሓገዝ መግብን ካልእን ይቐርብ ከምዘሎ’ውን ሓቢሩ።

ዛጊድ ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ውሕጅ ህይወት ሰብ ከምዘይጠፍአ ዝገለጸ ኣይተ ማሂ: እንተኾነ ሰባት ካብ ገዝኦም ክመዛበሉ ከለዉ መግብን ካልኦት ኣቑሑትን ብዘይምሓዞም ንጸገም ተሳጢሖም ኢሉ።

እቲ ውሕጅ ናይ ኮሚደረ፣ ሽጉርቲ፣ ጡጥን ዕፉንን ሕርሻ ዝርከቦ ኣብ ልዕሊ 21 ሽሕ ሄክታር መሬት በጺሖም ዝነበሩ ኣዝርእቲ ከምዘዕነወ ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብ ወረዳ ገለኣሎ ቀበሌታት ደበልን ገፍረሞን ብማይ ዝተኸበቡ ነበርቲ ከምዘለዉ ዝሓበረ እቲ ሓላፊ፡ ነቶም ሰባት ካብቲ ቦታ ንምውጻእ ጀላቡ ከምዝተጠቐሙ ተዛሪቡ።

“ምክልኻል ሃገር’ውን ሓገዝ ሄሊኮፕተር ተሓቲቱ ንጽበዮ ኣለና” ኢሉ።

ኣብቲ ክልል ሕዚ’ውን ተወሳኺ ስግኣት ሓደጋ ውሕጅ ከምዘሎ ዘመልከተ ኣይተ ማሂ ብምኽንያት ካብ ግድባት ቆቃን ቀሰምን ዝፍኖ ማይ ከምኡ’ውን ኣብቲ ካባብን ካልኦት ቦታታትን ብዝወቅዕ ዘሎ ዝናብ ኣዋሽ ፈንታሌ፣ ገዋኔ፣ ገልኣሎ፣ ኣሚባራን ዱለቻን ዝበሃሉ ከባቢታት ኣብ ስግኣት ከምዝርከቡ ኣጠንቂቑ።

ንሱ ከምዝበሎ ኣብቶም ስግኣት ዘለዎም ከባቢታት ሓይሊ ዕማም ብምጥያሽ ናይ ቅድመ ጥንቃቐ ስራሕቲ ካብ ምስራሕ ብተወሳኺ ውሕጅ መጺኡ ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ሓደጋ ቅድሚ ምብጽሑ ን24 ሰዓታት ሓበሬታ ዝህብ ጉጅለ ስርሑ ጀሚሩ’ሎ።

ካብ 14 ጣብያታት ዝተመዛበሉ ነበርቲ ብምህላዎምን ምቅርራብ ስለዘሎን ለብዒ ኮሮናቫይረሰ ንምክልኻል ሰብ ሞያ ሕክምናን ወለንተኛታትን ኣስተምህሮ እናሃቡ እዮም።