እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ውሩይ ደራፊ ኤኮን፡ ኣብ ሴኔጋል ‘ኤኮን ሲቲ’ ዝሰመያ ከተማ ክሃንጻ ክጅምር እዩ
ውሩይ ደራፊ ኣር ኤንዲ ቢ ኣሜሪካዊ ኤኮን ካብ 2018 ጀሚሩ ክሸባሸበሉ ዝጸንሕ ምህናጽ ‘ኤኮን ሲቲ’ ዝሰመያ ከተማ ካብ ዝመጽእ ዓመት ጀሚሩ እቲ ምህናጽ ከምዝጅምር ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግልጺ ሓቢሩ።
ንሱ እታ ከተማ ሽዱሽተ ቢልዮን ዶላር ከምእትውድእ ብምሕባር ሓደ መሰለስ ናይቲ ሰልዲ ተዳልዩ ከምዘሎ እዩ ገሊጹ። እንተኾነ ነቲ ምወላ ዝሽፍኑ ዘለዉ ኣካላት ክገልጾም ከምዘይክእል’ዩ ኣብሪሁ።
ንትሕተ ቅርጺ እታ ክትህነጽ ተሃቂና ዘላ ከተማ ዝነደፈ ሃሰን ባክሪ እታ ከተማ ኣስታት 300 ሽሕ ህዝቢ ናይ ምሓዝ ተኽእሎ ዘለዋ ገይርካ ከምእተነደፈት እዩ ገሊጹ።
ቀንዲ ሽሙ ኣሊዮነ ባዳራ ትያም ዝኾነ ውሩይ ድምጻዊ ኤኮን፡ እታ ከተማ ብቀዳምነት ንኣፍሪካውያን ኣሜሪካውያን ዓሊማ ከምእትህነጽ እዩ ዝገልጽ።
ኤኮን ብሰኑይ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል “ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ኣሜሪካውያን ባህሎም እንታይ ከምዝመስል ኣይፈልጡን’ዮም፡ ነዛ ከተማ ክሃንጻ ክሓስብ እንከለኹ ድማ ኣብታ መበቆሎም ዝኾነት ኣህጉር ገዛይን ባህለይን ዝብልዎ ነገር ንኽህልዎም ንኽተባብዑ ሓሲበ እዩ ገይረዮ” ኢሉ።
ኤኮን መበቆሉ ካብ ሴኔጋል ኮይኑ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ እዩ ተወሊዱ።
ንሱ “ካብ ኣሜሪካ፡ ካብ ኣውሮጳ ወይ’ውን ካብ ካልእ ክፋል ዓለም ናብ ኣፍሪቓ ክመጽኡ ዝደልዩ፡ እዛ ኣብ ሴኔጋል ትህነጽ ዘላ ከተማ ናትኩም’ያ ክብሎም እደሊ”ኢሉ።