መንግስቲ ዚምባብዌ፡ ኣብ እዋን ሙጋቤ መሬቶም ንዝተሓደጉ ጸዓዱ ክመልሰሎም ወሲኑ

መንግሰቲ ዚምባብዌ ቅድሚ 20 ዓመታት፡ ኣብታ ሃገር ጸዓዱ ዝውንንዎ ዝነበሩ ከምዘሕደጎም ዝዝከር ኮይኑ ሕጂ ግን ክመልሰሎም ምዃኑ ይገልጽ ኣሎ።
ካብ 2000 ክሳብ 2001 ኣብ ዝነበረ ግዜ ኣሽሓት ጸዓዱ ሓረስቶት፡ መንግስቲ እታ ሃገር ነቲ ዝውንንዎ ዝነበሩ መሬት ከምዘሕደጎም ዝዝከር እዩ።
መንግስቲ ዚምባብዌ ነቲ ኣብ እዋን መግዛእቲ ‘ብጽዓዱ ተገቢቱ’ ዝበሎ መሬት ነቶም ወነንቱ ከሕድጎም ዝወሰነሉ ምኽንያት ነቲ ባዕዳዊ መግዛእታዊ ንምድምሳስኳ እንተነበረ እቲ ስጉምቲ ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ፍሕፍሕ ፈጢሩ ንቁጠባ እታ ሃገር’ውን ንድሕሪት ንኽጉተት ምኽንያት ኮይኑ እዩ።
ነቶም መሬቶም ዝተገበቶም ጸዓዱ ካልእ መከሓሓሲ መደብ’ውን ተሰሪዕሎም ኣሎ።
መንግስቲ ዚምባብዌ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ምህናጽ ትሕተ ቅርጺ ሕርሸኦም ዝውዕል 3.5 ቢልዮን ዶላር ክስልዓሎም ቃል ከምዝኣተወሎም ዝዝከር እዩ።
መንግስቲ ኣሜሪካ’ውን እቲ ሃገሩ ኣብ ልዕሊ ዚምባብዌ ኣንቢራቶ ዘላ ቁጠባዊ እገዳ ንኸተልዕሎ እቶም ብመንግስቲ ዚምባብዌ መሬቶም ዝተሓደጉ ጸዓዱ ሓረስቶት ክካሓሱ ኣለዎም ዝብል ቅድመ ኵነት ከቅርብ ጸኒሑ እዩ።
መንግስቲ ዚምባብዌ እንታይ እዩ ቃል ኣትዩ ዘሎ?
መንግስቲ ዙምባቤው ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግልጺ፡ መሬትና ተሓዲግና ዝብሉ ዜጋታት ወጻኢ መሬቶም ንኽምለሰሎም ከመልክቱ ከምዝኽእሉ ሓቢሩ ኣሎ።
እቶም ዝበዝሑ ካብ ሆላንድ፤ ዓባይ ብርጣንያን ጀርመንን ዝኾኑ ኣማኢት ኣውሮጵውያን ሓረስቶት ካብዚ መንግስቲ ዚምባብዌ ቃል ኣትዩሎም ዘሎ ሓዲሽ እማመ ክረብሑ ከምዝኽእሉ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
እቲ ጸዓዱ መሬቶም ክሕደጉ ኣለዎም ዝብል ስጉምቲ ኣብ እዋን መሪሕነት ነብስሄር ሮበርት ሙጋበ’ዩ ተኻይዱ።
እቲ ፕረዚደንት ዚምባብዌ ነበር ሮበርት ሙጋበ ነቲ ስጉምቲ ክወስድ እንከሎ፡ እቲ ለልምዑ መሬት ዙምባቤው ኣብ እዋን መግዛእቲ በቶም ጸዓዱ ከምዝተገበተ ብምግላጽ እቲ ዝብዝሐ ወዲ ዜጋን ጸሊምን ግን ደረቅን ንእሽተይን መሬት ከምዝውንን ብምግላጽ ነቲ ስጉምቲ ከምዝወሰዶ እዩ ዝሕብር።
በቲ መንግስቲ ሮበርት ምጋቤ ዝወሰኖ፡ ነቶም ቀንዲ ዓንዲ ሕቆ ሕርሻዊ ቁጠባ እታ ሃገር ዝነበሩ ልዕሊ 4000 ጸዓዱ ሓርስቶት መሬቶም የሕዲጉ ንሚልዮናት ዚምባብዌያውያን ከምዝከፋፈል እዩ ገይሩ።
እቲ ብሚኒሰትሪ ሕርሻን ሚኒሰትሪ ፋይናንስን እታ ሃገር ብጋሓባር ዝወጽአ መግለጺ እቶም ካብቲ ጸዓዱ ዝውንንዎ ዝነበሩ መሬት ዝተወሃቡ ጸለምቲ ሓርስቶት እቲ ተዋሂብዎም ዝነበረ መሬት ክመልስዎ ምኳኖም እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
እቲ ብሰኑይ ዝወጽአ መግለጺ ነቶም ጸለምቲ ከም መከሓሓሲ ኣብ ካልእ ቦታ መሬት ክውሃቦም ምኳኑ’ውን ገሊጹ ኣሎ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







