ነዊሕ ዘበነ ስልጣን ሙጋቤ ብምስልታት

ሮበርት ሙጋቤ ኣብ ወርሒ ሓምለ 1984 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ሽልማት ናይ ክብሪ ዶትሬት ዲግሪ ተጎናጺፎም።

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ሮበርት ጋብርኤል ሙጋቤ፡ ኣብ ቤት-ትምህርቲ 'ሚሽን' ትምህርቶም ምስወድኡ፡ ብመምህርነት ቀፂሎም። ኔልሰን ማንዴላ ካብ ዝተምሃርሉ ዩኒቨርሲቲ ፎርት ሃራሬ ተመሪቖም። ብ1958 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ብምኽንያት ስራሕ ናብ ጋና ከይዶም።
ሳሊ ሃፍሮን ሲርካን (1955)፡ ሮበርት ሙጋቤን (1976)

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ብ1961 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ንሳሊ ሃፍሮን ተመርዕዮም። ሙጋቤ ከም ፀሊም ብሄርተኛ ክሳብ ዝምረጹ ካብኦም ዝበለፀት ፖለቲከኛ ነይራ። ድሕሪ ግዜ ብመንግስቲ ሮዲሽያ ተኣሲሮሙን ክሳብ ኣብ ቀብሪ ወዶም ከይርከቡ ዝተኸልከልሉን ግዜ ነይሩ።
ሮበርት ሙጋቤ (ፀጋም)፡ ጆሽዋ ንኮሞ ኣብ ላንከስተር ሃውስ፡ ለንደን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብ1974 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ካብ ቤት-ማእሰርቲ ምስተፈትሑ ኣንፃር ባዕዳዊ መግዛእቲ ፀዓዱ ንምቅላስ፡ ምስ ጆሽዋ ንኮሞ (ፀጋም)፡ መራሕቲ ደባይ ተዋጋእቲ ንምዃን ሓቢሮም።
ን ውድብ ፒኤፍ ዝደገፈ ተቓላሳይ ኣብ እዋን መረፃ 4 መጋቢት 1980 ኣብ ሉፓኔ ካምፕ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ብኣሸማጋልነት ኢንግሊዝ ኣብ ዝተኻየድ ዘተ ሰላም፡ ዕጥቆም ክፈትሑ ተስማዕሚዖም። ውድብ (ሰልፊ) ዛኑ ፒኤፍ መስሪቶም ድማ ኣብ 4 ለካቲት 1980 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ኣብ ዝተኻየደ መረፃ እታ ሃገር፡ ምዕራባውያን ተዓዘብቲ ብዘስደመመ መልክዑ ተዓዊቶም።
ሮበርት ሙጋቤ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ዚምባብወ ኮይኖም ምስተመረፁ፡ ጋዜጣዊ መግለፂ እናሃቡ፡ 6 መጋቢት 1980

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሮበርት ሙጋቤ ድሕሪ ናይ 10 ዓመታት ስደት ፡ ንመረፃ ሽድሽተ ሰሙናት ምስተረፎ እዮም ናብታ ሃገር ኣትዮም። ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ብምዃን ከዓ ስሩዕ መንግስቲ ኣጣይሾም።
ፕረዚደንት ኩባ ፊደል ካስትሮ ናብ ሃራሬ እንትኣትዉ፡ ምስ ፕረዚደንት ዚምባብዌ ካናን ባናናን ቀዳማይ ሚኒስተር ዚምባብዌ ሮበርት ሙጋቤን እንትስሕቑ፡ 31 ነሓሰ 1986 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ፈላማይ ዓመት መሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ሮበርት ሙጋቤ፡ ካብ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ዓለም ኣድናቖት ረኺቦም። መራሒ ኩባ ፊደል ካስትሮ ብ1986 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ካብ ሞንጎ ኣብታ ሃገር ዑደት ዝገበሩ መራሕቲ ሓደ እዮም።፡
ማርጋሬት ታቸርን ሮበርት ሙጋቤን ኣብ 1980

ምንጪ ስእሊ, PA

መግለጺ ስእሊ, ምስ ቀደማይ ሚኒስተር ኢንግሊዝ ማርጋሬት ታቸር እውን ጥቡቕ ርክብ ነይርዎም። ፀላእቶም ምስ ዝነበሩ ፀዓዱ ፖሊሲ ከይዲ ዕርቂ ብምቕፃል፡ ተስማዕሚዖም ክሰርሑ ጀሚሮም።
ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋቤን በዓልቲ ገዝኦም ግሬስን፡ ኣብ ሃራሬ፡ 22 ሓምለ 2003

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ቀዳመይቲ በዓልቲ ገዝኦም ምስ ሞተት፡ ድሕሪ ሒደት ዓመታት ብ1996 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን፡ ምስ ፀሓፊቶም ዝነበረት ግሬስ ማሩፉ ተመርዕዮም።ቅድሚ ሓዳር ምግባሮም ግና ካብ ግሬስ ክልተ ቆልዑት ወሊዶም'ዮም። ኣብ 1990ታት ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን፡ እታ ሃገር ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ኣብ ዝነበረ ኩናት ኢዳ ብምእታዋ፡ ቁጠባ ዚምባብዌ ዝያዳ ሃስይዎ እዩ።
ተምሃሮ ሰገናት ኣብ ምብራቓዊ ሃራሬ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ 'ናይ ፀለምቲ ሕርሻ ቦታ'፡ ኣብ ዝበሃል ከባቢ፡ 21 ሰነ 2000 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 1997 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢንግሊዝ ቶኒ ብለይር፡ ንመካትዒ ፖሊሲ ዋንነት መሬት ዚምባብዌ ሓገዝ ገንዘብ ኣይገብርን ምባሎም ስዒቡ፡ ደገፍቲ ሮበርት ሙጋቤ ዝኾኑ ወተሃደራት ፡ ብፀዓዱ ይውነኑ ንዝነበሩ ናይ ሕርሻ መሬት ክምንጥሉ ጀሚሮም።
መራሒ ዝምባብዌ ሮበርት ሙጋቤ፡ መበል 83 በዓል ልደቶም ኣብ መንግስታዊ መንበሪ ገዝኦም እንተኽብሩ 83 ነፋሒቶታት (ባለንቺና) ሒዞም ዘርኢ ምስሊ። 21 ለካቲት 2007 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን።

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ሮበርት ሙጋቤ ኣብ መሪሕነት ሓንቲ ሃገር ንነዊሕ እዋን ብምጽናሕን፡ መዓልቲ ልደቶም ብዓብይ ፅምብል ብምኽባርን ይፍለጡ።
ንመረፃ ፕረዚደንት ሙጋቤ ኣብ ከተማ ሃራሬ ዝተሰቐሉ ፖተራት ጎስጓስ 27 ሰነ 2008 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ዋላ እኳ ሙጋቤ ውሩይ እንተኾኑ፡ ስሙይነቶም ኣብ ከተማታት ክቕፅል ኣይከኣለን። ኣብ 2008 ኣቆቖፃፅራ ኣውሮጳውያን ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረፃ፡ ተሳዒሮም ነይሮም። ተቓዋሚ ውድብ (ሰልፊ) MDC ንባዕሉ ምስ ኣግለለን ናዕብታት ምስተልዓሉን እዮም ክዕወቱ ዝኸኣሉ።
ሮበርት ሙጋቤ ኣብ ምረቓ ጓሎም

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ብኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ማዕቐብ ምስተገበረሎም፡ ሮበርት ሙጋቤ፡ 'ናብ ምብራቕ ምቁማት" ዝብል ፖሊሲ ሓንጺጾም፡ ቆላሕትኦም ናብ ቻይና ኢንቨስትመንት ገይሮም። ሕክምና ንምርካብ ናብ ኤስያ ይጓዓዙ ነይሮም፤ ጓሎም ቦና እውን፡ ኣብ ሆንግኮንግን ሲንጋፖርን እያ ተማሂራ።
ናዕበኛታት፡ ኣብታ ሃገር ንዘጋጠመ ስእነት ስራሕ መናእሰይ እንትቃወሙ፡ ሃራሬ፡ ዚምባብዌ 3 ነሓሰ 2016

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ክፍፍል ስልጣን ንክህሉ ምስ ገበሩ፡ ውድቦም ዛኑ-ፒኤፍ ኣብ 2013 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ተዓዊቱ።ቁጠባ እታ ሃገር እውን ናብ ፀለምቲ ዚምባብዊያውያን ተመሊሱ። ይኹን እምበር ኣብታ ሃገር ሕፅረት ገንዘብ ስለዘጋጠመ ድማ ኣብ 2016 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ናብ ናዕቢ ኣምሪሑ።
ወተሃደራት ዚምባብዌ፡ ዚምባብዌ ነፃነታ ዝኣወጀትሉ መበል 28 ዓመት ኣብ ከተማ ሃራሬ እንተኽብሩ፡ 18 ሚያዝያ 2008 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር፡ ሮበርት ሙጋቤ ስልጣኖም ንበዓልቲ ገዝኦም ከምዘውርሱ ክሳብ ዝገለፅሉ እዋን ጀሚሩ፡ ኩልግዜ ኣብ ጎኖም እኳ እንተነበረ፡ ድሕሪ እዚ ግና 15 ሕዳር 2017 ነታ ሃገር ተቐፃፂሩ።
ሮበርት ሙጋቤ ኣብ ምረቓ ተምሃሮ -ሕዳር 2017

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ዕልዋ መንግስቲ ከምዘይተኻየደ ይግለፀሉ ኣብ ዝነበረ ኩነታት፡ ሮበርት ሙጋቤ ልሙድ ስርሖም እናሰርሑ እዮም ነይሮም። ካልእ ይትረፍ በቢዓመቱ ይኸድሉ ካብ ዝነበሩ ስነ-ስርዓት ምረቓ ተምሃሮ እውን ኣይተረፉን።
ዚምባብውያን፡ ፕረዚደንንት ሙጋቤ ካብ ስልጣኖም ምስወረዱ፡ ኣብ ከተማ ሃረሬ ሓጎሶም እንትገልፁ 12 ሕዳር 2017

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ይኹን እምበር ሰልፍታት ተቓውሞ እናበርትዑ ምስከዱን ብህፁፅፅ ስልጣኖም ንኽለቁ ድፍኢት ምስተገበረሎምን፡ ወዲ 93 ዓመት ሙጋቤ ኣብ መወዳእታ ስልጣኖም ለቒቖም።

ኩሎም ምስልታት መሰል ቅዳሕ ኣለዎም።