እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓወልቲ 'ዓሌታዊ' ፈላማይ ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ብሰልፈኛታት ዓንዩ
ኣብ ካናዳ፡ ከተማ ሞንትርያል ዝነበረ ሓወልቲ ፈላማይ ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ሰር ጆን ኤ ማክዶናልድ፡ ብሰልፈኛታት ዓንዩ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ብፍላይ ኣብ መቦቆላውያን ነበርቲ ናይ'ቲ ከባቢ፡ ጭካነ ዝተመልኦ ፖሊሲ ብምኽታል ብዙሓት ኣመዛቢሉን ቀቲሉን ተባሂሉ እዩ ዝንገር።
ሓወልቲ ናይቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር እንትፈርስ፡ ዘርኢ ምስሊ ብዙሓት ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ዘርጊሖምዎ።
መንግስተዊ ማዕኸን ዜና ሲቢሲ ከምዝበሎ፡ ዛጊድ ምስ ምዕናው እዚ ሓወልቲ ብዝተኣሳሰር ኣብ ቀይዲ ዝወዓለ ሰብ የለን።
ቀዳማይ ሚኒስተር ማክዶናልድ፡ ካብ 1860ታት ክሳብ 1890ታት ን19 ዓመታት ንካናዳ ዝመርሐ ኾይኑ፡ ኣብ ህንጸት እታ ሃገር ዓብዪ እጃም ዝተጻወተ እዩ።
ይኹን’ምበር፡ እቲ ንሱ ዝመስረቶ ስርዓት፡ ንልዕሊ ሓደ ክፍለ ዘመን፡ ልዕሊ 150 ሽሕ ህጻናት ካብ መረበቶም ኣልዒሉ ናብ መንግስቲ ናብ ዘቖሞ ሓዳሪ ቤት ትምህርቲ ክውሰዱ ገይሩ እዩ።
መብዛሕተኦም ድማ፡ ብዙሕ መጥቃዕቲታት በጺሕዎም ፤ ገሊኦም ድማ፡ ባህሎምን ቋንቋኦምን ከይፈልጡ ተገይሮም።
ኣብ 2015 መንግስቲ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፡ ነቲ ተግባር ‘ምጽናት ባህሊ’ ክብል ኮኒንዎ እዩ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒሰተር፡ ካብዚ ሓሊፉ ብዙሓት መበቆላውያን ህዝብታት፡ መረበቶም ገዲፎም ክፈልሱ፣ ብጥሜት ክለኣሙን ከምዝገበረ እውን ይዝረብ።
መራሒ መንግስቲ ግዝኣት ኩቤክ፡ ፍራንኮይዝ ሌጋውልት ግን ነቲ ሓወልቲ ናይ ምፍራስ ተግባር ኮኒንዎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኩቤክ፡ ፍራንኮይዝ፡ “ኣካል ታሪኽና ስለዝኾነ ምፍራስ ፍታሕ ኣየምጽእን” ኢሉ
እቲ መራሒ ኣብ ትዊተሩ “ዝኾነ እንተኾነ’ውን እቲ ሓወልቲ ብኸምዚ መልክዑ ክዓንው ምግባር ልክዕ ኣይኮነን። ዓሌታውነት ክንቃለስ ኣለና፤ ግን ታሪኽና እናፍረስና ክኸውን የብሉን። ምዕናው ኣብ ዲሞክራስያዊ ስርዓትና ቦታ የብሉን። እቲ ሓወልቲ ተመሊሱ ኣብ ቦትኡ ክትከል ኣለዎ” ኢሉ።
ከንቲባ ከተማ ሞንትርያል ንዝኾነት ቫሊየር ፕላቴ፡ ነቲ ሓወልቲ ክተፍርሶ ፊርማታት ተኣኪቡ ቀሪቡላ እንተነበረ’ኳ ስጉምቲ ከይወሰደት ብምጽናሓ፡ ሕዚ እቲ ተግባር ንክፍጸም ምኽንያት ኮይኑ።
ምስ ቅትለት ጸሊም ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ተኣሳሲሩ፡ ናይ ክርስቶፈር ኮሎምበስ ሓዊሱ ኣብ ዓለም ሓወልቲ ስሙያት ሰባትን መራሕትን ካብ ሱሮም ተበርቊቖም ተደርብዮም እዮም።