ምርጫ ካናዳ፡ ንኤርትራውያን ብኸመይ ይጸልዎም?

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2019 ኣብ ካናዳ ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ምርጫ፡ ብጀስቲን ትሩዱ ዝምራሕ ሊበራል ፓርቲ ንመናሓንሕቱ ዝኾኑ ዓቃባዊ፣ ብሎክ ኲዩቢኮስ፣ ኤንዲፒ ን ሓምላይን ብምብላጽ ተዓዊቱ።

ውጽኢት እቲ ምርጫን እቲ ዝምስረት መንግስትን ኣብታ ሃገር ንዝነብሩ ኣስታት 50 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብኸመይ ክጸልዎም'ዩ?

ኣብ ኦታዋ ካናዳ ንኣስታት 30 ዓመታት ዝተቐመጠ፡ ኣብ ሆስፒታል ሮያል ኦታዋ ኣብ ጉዳያት ስነ ኣእምሮ ዝሰርሕ ኣቶ ዮሃንስ ፈርዲናንድ፡ እቲ ምርጫ ንኤርትራውያን ዓብዪ ጽልዋ ከምዘለዎ ብምግላጽ፡ ''እቲ ሊበራል ፓርቲ፡ ንስደተኛታት ብትምህርቲ፣ ብስራሕ፣ ብኣገልግሎት ሕክምና ጽቡቕ ዝኾነ መደባት ስለዘለዎ፡ ዋላ'ኳ ከም ቀደሙ ዓብላሊ መንግስቲ ከቕውም ኣይኽኣል፡ ኣብ ህይወትና ጽልውኡ ሓያል እዩ'' ይብል።

ንመደባት ሊበራል ሰልፊ፡ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ዘለዎ ምሁር ሕጊ ኣቶ ሰመረ ከሰተ እውን ብወገኑ '' እቲ ተመሪጹ ዘሎ ሰልፊ ኣብ ስደተኛታት ደሓን ዝኾነ ኣረኣእያን ኣተሓሕዛን ዘለዎ ሰልፊ'ዩ፡ ግን ትሑት መናብር ስለዘለዎ ማዕረ ክንደይ ኣጀንድኡ ከተግብሮ ይኽእል ኣብ ጉዕዞ ዝረአ እዩ" ይብል።

ተቐማጢ ኦንታርዮ ካናዳ፡ ኣማኻርን ተጣባቒ ሕጊ ኢሚግሬሽንን ኣባል ማሕበረ ሰብ ሕጊ ኤርትራውያን ኣቶ ዓወት ሃይለ ድማ፡ ዓወት ሊበራል ፓርቲ ዓወት ኤርትራውያን'ዩ ይብል።

ምኽንያቱ፡ እቲ ሰልፊ ንስደተኛታት ዝምልከቱ ''ጽቡቕ መደባት ስለዝሓንጸጸን፡ ኤርትራውያን ድማ ተጠቀምቲ ስለዝኾኑን'ዩ'' ይብል።

ተሳትፎ ኤርትራውያን ኣብ ፖለቲካ ካናዳ

ኤርትራውያን ናብ ካናዳ ብብዝሒ ምምጻእ ዝጀመሩ ኣብ ፈለማ ሰማንያት ከምዝኾነ ዝዛረብ ኣቶ ዮሃንስ ፈርዲናንድ፡ ተሳትፎ ኤርትራውያን ኣብ ፖለቲካ ካናዳ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ዝሓሸ ከምዝነበረን፡ ኣብ ከተማታትን መንግስቲ ፌደራልን ዝተወዳደሩ ኤርትራውያን ከምዘለዉ ይገልጽ።

''(ስደተኛታት) ኣርባዕተ ዓመት ምስተቐመጥና ናይ ካናዳ ዜግነት ክንሕዝ ንኽእል ኢና። ድሕሪ'ዚ ሓደ ሰብ፡ ንፌደራል መንግስቲ ከድምጽ ከምኡ'ውን ሕጹይ ኮይኑ ክወዳደር መሰል ኣለዎ'' ይብል።

ኣቶ ሰመረ ድማ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ተሳትፎ ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዕዙዝ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኣብ ፖለቲካን ምሕደራን ግን ''ለጠቕ'' ኢሉ ከምዝረአ ይዛረብ። እቲ ምኽንያት ድማ '' ብናተይ ገምጋም፡ መጽናዕታዊ ሓበሬታ የብለይን፡ እቲ ኤርትራዊ ዝበዝሕ ግዜ ናብ ዓዱ ክምለስ ስለዝደሊ'' ኣብቲ ናይተን ሃገራት ፖለቲካን ምሕደራን ክዋሳእ ካብ ዘይምሕሳብ ይመስለኒ ይብል።

ተሞክሮታት ምርጫ ካናዳ

ተሞክሮኻ ኣብ ምርጫ ከመይ እዩ ተባሂሉ ዝተሓተተ ኣቶ ዓወት፡ ''ምርጫ ኣብ ዓድና ካብ እንውለድ ክሳብ ሎሚ ኣይረአናን'' ሓድነት ኣብ ብዙሕነት ዝብል መንግስታዊ መስርሕ ብቕዋማዊ ሕጊ ተማእኺሉ ኣብ ዝኸደሉ ሃገር ምንባር ግን መንፈሳዊ ቅንኣት ከምዘሕድረሉ ይዛረብ። ምርጫ ተኻይዱ ብዓብላሊ ድምጺ ዝምረጽ መንግስቲ ክትርኢ ድማ ዋንነት ይስመዓካ ይብል።

ኣቶ ሰመረ፡ ኣብ ምርጫታት ዲሚክራቲክ ኮንጎን ደቡብ ኣፍሪቃን ቴክኒካዊ ሓጋዝን ኣማኻርን ኮይኑ ተሳቲፉ እዩ። መብዛሕቲኡ እዋን ኣብ ኣፍሪቃ፡ ድሕሪ ምርጫ ብዛዕባ ዝመጽእ ዘይምትእምማንን ጎንጽን ''ሓደ ካብቶም ፖለቲካዊ ሓይሊታት ናይ ቅዋም ቀይዲ ኣይቅበሉን እዮም። ናይ ግዝኣተ ሕጊ ቅዩዳት ወይ ምእዙዛት ኣይኮኑን'' ብምባል ይገልጾ።

ብተወሳኺ ብዙሕ ግዜ ናብ ስልጣን ብሓይሊ ወይ ብመገዲ ዕልዋ ኣቢሎም ስለዝመጽኡ ብምርጫ ተሳዒሮም ስልጣን ክገድፉ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን ይብል። ኣብ ከም ካናዳ ዝኣመሰላ ዝማዕበላ ሃገራት ነቲ ምርጫ ዝመርሕን ዘካይድን ቅዋማዊ ትካል ከምዝኾነ ይገልጽ።

''ሓደ መንግስቲ መጺኡ ዝተኽሎ ወይ ዝነቕሎ ዘይኮነስ ብባይቶ ብቕዋም ጸዲቑ ኩሉ ስራሓቱ፡ ተግባራቱ፣ ዕማማቱ ሓላፍነቱ ብዝግባእ ተነጺሩ ካብ ቅዋም ዝፈልፈለ ሕጊ መሰረት ገይሩ ስለዝትከል ሓይሊ ኣለዎ'' ደማ ይብል።

ናይ ካናዳ ዜግነት ካብ ዝረክብ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ- ኣርባዕተ ምርጫታት ከምዝተሳተፈ ዝገልጽ ኣቶ ዮሃንስ ድማ፡ ዋላኳ ሓሓሊፉ ሓላፍ ዘላፍ ከጋጥም ዝኽእል እንተኾነ፡ እቲ ህዝቢ ኣብ ቅዋም ከምዝኣምን፡ ኣብ ሕብረተሰብ ኣፍሪቃ ግን እቲ ቅዋማዊ ኣካይዳ ዛጊት ብምልኣት ከምዘይተኣታተወ ይገልጽ።

ኤርትራውያን ኣብ ካናዳ ብምንታይ እዮም ዝልለዩ?

ኣቶ ሰመረ ኩሉ ሕብረተሰብ ነናይ ባዕሉ ዝኾነ ብልጫታት ከምዘለዎ እዩ ዝኣምን። ኤርትራውያን ድማ ናጽነት ንምርግጋጽ ዘካየድዎ ቃልሲ ፍሉይ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ሕብረተሰብ ኤርትራ ይኹን ካልእ ሕብረተሰብ ገና ዘየማዕበሎም ብዙሕ ጎንታት ከምዘሎ የረድእ።

ገና ዕዮ ዘድልዮም ብዙሓት ጉዳያት ከምዘለዉ እውን ይጠቅስ። ብሓፈሻ ግን ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ብፍቕሪ ስራሕ፡ ብጽፈትን እምነትን ከምዝፍለጡ ካብቲ ዝሰምዖ ርእይቶታት ይዛረብ።

ቅድሚ ናጽነት ዝመጽኡ ኤርትራውያን፡ ኤርትራ ከም ሃገር ክትፍለጥ ሓያል ጎስጓስ የካይዱ ከምዝነበሩ ዝዝክር ኣቶ ዮሃንስ "ኤርትራውያን ብህርኩትነቶምን ተኣማንነቶምን ከምዝፍለጡ ይገልጽ። ኣብ ዝተፈላለየ ዓውደ ትምህርቲ ንኤርትራ ዘስመዩን ሓያሎ ዕውታት ኤርትራውያን ከምዘለው ይዛረብ።

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መጻኢ ናብ ዓዶም ክምለሱ ይኽእሉ'ዶ? ዝተሰደ ይምለስ ድዩ?

ኣቶ ዓወት፡ ድልየት ምምላስ ኤርትራውያን ቅድሚ ናጽነት ምስዝነበረ ኩነታት ኣተሓሒዙ እዩ ዝርእዮ። ቅድሚ ናጽነት ኩሉ ኤርትራዊ ነጻን ዲሞክራስያዊትን ሃገር ንምምስራት ብዝነበሮ ተስፋን ብዝነበሩ መብጽዓታትን ተበጊሱ 'ኩሉ ንሃገረይ' ብምባል ኣብቲ ሰውራታት ከምዝተሳተፈ ይዝክር።

''ናጽነት ምስ ኮነ ተመሊስና ኣብ ዓድና ኣብታ ብዙሕ መስዋእቲ ዝኸፈልናላ ሃገር ክንነብር ኢና ክንጣየስ ኢና ዝብል እዩ ነይሩ'' ይብል። 'ሕጂ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ክርእዮ እንከሎ ግን እቲ ሕልሚ ክውን ከምዘይነበረን እቲ ምምላስ ከምዘይተረኽበን፡ በንጻሩ እኳ ደኣ ብድሕሪ ናጽነት ዝተወለዱ ከይተረፉ ብብዝሒ ይስደዱ ምህላዎም የረድእ።

ካብ ግዜ መግዛእቲ ዝጅምር ክሳብ ሎሚ ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት ስደት ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ወጽዓታት እዩ ዝብል ኣቶ ሰመረ "ኤርትራዊ ኣማራጺ ስኢኑ እዩ ዝስደድ ዘሎ" ይብል። ኣብ ስደት ድማ ህይወቱ ኣብ ምቕያር ከምዝደክምን መብዛሕትኡ ከኣ ንዓዱ ዝምለሰሉ እዋን ኣብ ምሕሳብ ከምዘሕልፎ ይዛረብ።

''ድሕሪ ናጽነት፡ ጽቡቕ ስራሕ ናይ መንግስቲ ዝነበሮም፡ ንግዲ ዝነበሮም ሰስርሖም ዓጽዮም ናብ ኤርትራ ዝተመለሱ ውሑዳት ኣይነበሩን። ብዙሕ ኤርትራዊ ካብ ስደት ጠቕሊሉ ኣትዩ ነይሩ እዩ። "እቲ ፖለቲካዊ ኩነታትን ምሕደራን ከምቲ ዝተጸበይዎ ስለዘይጸንሖም ግን እንደገና ንካልኣይ ግዜ ክስደዱ ተገዲዶም'' ይብል።