ኢራን፡ ኣብ ጥቓ ናይ ኒዩክሌር መደብራ ዝተልዓለ ባርዕ 'ብሽርሒ እዩ' ኢላ

ተቖጻጻሪ ምምዕባል ኒዩክሌር ኢራን፡ ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ መደብር ኒዩክሌር ዝተልዓለ ባርዕ፡ ኮነ ተባሂሉ ብዝተሰርሐ ውዲት እዩ ክብል ከሲሱ።

እቲ ኒዩክሌር እተማዕብለሉ ዓብዪ ቀጽሪ፡ ናታንዝ እናተብሃለ ዝጽዋዕ እዩ።

እንተኾነ፡ ናይታ ሃገር ትካል ጸዓት ኒዩክሌር (IAEO)፡ ኣብቲ ሽርሒ ተሳቲፉ ንዝበሎ ኣካል ብስም ኣይጸርሐን።

ገለ ሰብ ስልጣን ኢራን ግን፡ እቲ ባርዕ ብሳይበር ብዝተወደበ ውዲት ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ግምታት ኣቃሊሖም ነይሮም እዮም።

እዚ መግለጺታት ዝወሃብ ዘሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ንሰሙናት ኣብቲ ከባቢ ኣብ ማእከል ሓይሊ ኤሌክትሪክን ካልእ ተመሳሳሊ ስፍራን ዝተፈለላየ ባርዕ ድሕሪ ምልዓሉ ስዒቡ እዩ።

እቲ ባርዕ፡ ንምምዕባል ኒዩክሌር ኣዝዩ ጠቓሚ ዝኾነ 'ዩራንየም' ኣብ ዝፈርየሉ ማእከል እዩ ተኸሲቱ።

ወሃቢ ቃል ትካል ጸዓት ኒዩክሌር፡ ባህሩዝ ካማለቫንዲ፡ ‘ደድሕሪ እቲ ባርዕ መን ኣሎ ንዝብል ዝርዝር ሓበሬታ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ናይ ድሕነት ሰባት ከብርህዎ እዮም” ኢሉ።

እቲ ወሃቢ ቃል ወሲኹ ድማ፡ ኢራን ነቲ ብባርዕ ዝባደመ ፋብሪካ ዝትክእ ዘመናዊ ትካል ከምእተጣይሽ፤ ይኹን’ምበር ግዜ ክወስድ ከምዝኽእል ኣአንፊቱ።

ኣብ ሓደ ናይታ ሃገር መንግስታዊ ሚድያ ዝወጽአ ጽሑፍ ግና፡ እቲ ናይ ምዕናው ሽርሒ ናይ በዓል ኣመሪካን እስራኤልን ኢድ ክህልዎ ከምዝኽእል ኣመልኪቱ ኣሎ።

እቲ ዝዓነወ ስፍራ ክንደይ ዝኣክል ኣገዳሲ እዩ?

ካብ ርእሰ ከተማ ኢራን [ቴህራን] 250 ኪሎሜትሮ ርሒቑ ዝርከብ እዚ ማእከል፡ ዩራንየንም ዝምዕብለሉን ዝፈርየሉን እቲ ዝዓበየ ማእከል ናይታ ሃገር እዩ።

ኣካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ፡ ዓለማዊ ኤጀንሲ ኒዩክለራዊ ጸዓት፡ ኣብዚ ማእከል ኢራን ዩራንየም ተልሕም ከምዝነበረት ዘመልከተ ኾይኑ፡ እዚ ድማ ብፍላይ ነቲ ኣብ 2015 ዝተፈረመ ዓለማዊ ስምምዕ ዝጥሕስ እዩ ተባሂሉ።

ዝርዝር እቲ ሓበሬታ ብሉምበርግ እዩ ሒዝዎ ወጺኡ።

ኢራን ኣብቲ ስምምዕ፡ ንረብሓ ኒዩክሌር ዝውዕል ዩራንየም ከይተልሕም ዝተስማመዐት ኮይኑ፡ ነዚ ስዒቡ ድማ እቲ ኣብ ልዕሊኣ ተነቢሩ ዝጸንሐ ማዕቀብ ክለዓለላ ምኽንያት ኮይኑ ነይሩ እዩ።

ይኹን’ምበር፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ነቲ ውዕል ጥሒሱ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ማዕቀብ ምንባር ምስ ቀጸለ፡ እታ ሃገር ነቲ ስምምዕ ረጊጻ ካብቲ ዝተብሃለ መጠንን ዓይነትን ወጻኢ፡ ዩራንየም ክተማዕብል ከምዝጀመረት ኣፍሊጣ ነይራ።

ሓላፊ ዓለማዊ ኤጀንሲ ኒዩክለራዊ ጸዓት፡ ነዚ ማእከል ሓዊሱ ኣብ ክልተ ማእከላት እታ ሃገር ተንቀሳቒሱ ዳህሳስ ክገብር ከፍቅድ ሎሚ መዓልቲ ሰኑይ፡ ናብ ቴህራን ክገዓዝ እዩ።