ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኬንያዊ ጋዜጠኛ ያሲን ጁማ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክወጽእ ኣዚዙ

ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኬንያዊ ጋዜጠኛ ያሲን ጁማ ብህጹጽ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክወጽእ ኣዚዙ።

ጋዜጠኛ ያሲን ጁማ ምስ ቕትለት ስነ ጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ብዝተሓሓዝ ኣብ መንበሪ ገዛ ጃዋር መሓመድ ኣብ ቀይዲ ካብ መንጎ ዝኣተው'ዩ።

ቅድም ኢሉ፡ ቤት ፍርዲ ፌደራል ልደታ ብነሓሰ ሓደ 2012 ኣ.ም [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ኣብ ዝውዓሎ መጋብእያ ያሲን ጁማ ሓዊሱ 11 ሰባት ናይ ዋሕስ መሰሎም ተኸቢሩሎም ብዋሕስ ክወጽኡ ወሲኑ ነይሩ።

እንተኾነ፡ ፖሊስ ያሲን ጁማ ብኻልእ ገበን ጠርጢረዮ'የ ስለ ዝበለ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክጸንሕ ተገይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ፡ ያሲን ጁማ ብኮቪድ-19 ከም ዝተለኸፈ ተገሊጹ ነይሩ።

ጠበቓ ያሲን ኣቶ ከድር ቡሎ ንቢቢሲ ከም ዝበሎ፡ ያሲን ብኮቪድ-19 ስለ ዝተለኸፈ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኬንያ ኣብ ዝተዳለወ ቦታ ንክጸንሕ ካብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝወጽእ ተዛሪቡ።

እቲ ጋዜጠኛ ካብ ቤት ማእሰርቲ ንክወጽእ ተሓለቕቲ ትካላት ጋዜጠኛታት ጻውዒት ክገብሩ ጸኒሖም እዮም።

ድሕሪ ቕትለት ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ንያሲን ጁማ ሓዊሱ ጋዜጠኛታት ኦኤምኤን ኣባላት ተቓወምቲ ውድባትን ኣብ ትሕቲ ከምዝኣተው ይፍለጥ።