እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ብሰንኪ ተዅሲ መግለጺ ዋይት ሃውስ ከቋርጽ ተገዲዱ
ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ መግለጺ እናሃበ እንከሎ ኣብ ደገ ተዅሲ ስለዝተሰምዐ መግለጺ ኣቋሪጹ ብኣካላት ጸጥታ ተዓጂቡ ናብ ውሽጢ ክኣቱ ተገዲዱ።
ሓደ ካብ ኣካላት ጸጥታ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ እናተዛረበ እንከሎ ናብ እዝኑ ቅርብ ኢሉ ሕሹኽ ምስ በሎ “እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?” ድሕሪ ምባል ካብ መድረኽ ወሪዱ ትኽ ኢሉ’ዩ ናብ ውሽጢ ኣትዩ።
እቲ ፕረዚደንት ድሕሪ ትሽዓተ ደቓይቅ ናብ መድረኽ ብምምላስ፡ “ሓደ ሰብ ብጥይት ተሃሪሙ ኣሎ ኩሉ ነገር ከኣ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትዩ እዩ” ኢሉ።
ትካል ጸጥታ ኣሜሪካ ነቲ ክስተት ኣመልኪቱ መግለጺ ኣብ ዝሃበሉ፡ “እቲ ፍጻመ ኣብ 17 ስትሪት ጎደና ፐነስልቪንያ ‘ዩ ኣጋጢመ’ዩ ሓደ ካብ ኣባላትና ድማ ብጥይት ተሃሪሙ ኣሎ” ኢሉ።
ብምስዓብ፡ “እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ወዲ ተባዕታይ እዩ፡ ምስቲ ዝተሃርመ ኣባልና ድማ ክልቲኦም ናብ ሕክምና ከይዶም ኣለዉ” ድሕሪ ምባል፡ “ኣብ ሓጺር እዋን ሓደጋ ከይወረደ እንከሎ ብምልኡ ከባቢ ዋይት ሃውስ ከነጽርዮ ክኢልና ኢና” ይብል።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ናብ መግለጺኡ ምስ ተመለሰ፡ “ክሳብ ሕጂ ብዘለኒ ሓበሬታ ኣካላት ጸጥታ ንሓደ ጥርጡር ብጥይት ሃሪሞሞ ኣለዉ” ኢሉ።
ትራምፕ፡ እቲ ጥርጡር ተልእኽኡ እንታይ ምዃኑ ከምዘይፈልጥ ብምሕባር፡ “ምናልባት ኣብ ልዕለይ'ውን ዝኾነ ሐሳብ ዘይብሉ ክኸውን ይኽእል’ዩ” ኢሉ።
ንሱ፡ እቲ ኩነት ዘይንቡር ኣጋጣሚ'ዩ ድሕሪ ምባል፡ ኣካላት ጸጥታ ኣሜሪካ ንዝሃብዎ ቅልጡፍ ግብረ መልሲ ዘለዎ ኣድናቆት ገሊጹ።
ሓደ ካብቶም ኣብቲ መግለጺ ዝተሳተፉ ጋዜጤኛታት ንፕረዚደንት ትራምፕ፡ “በዚ ክስትት ተረቢሽካ ዲኻ?” ዝብል ሕቶ ኣቕሪብኩ ነይሩ።
“ዝተረበሽኩ ይመሰል ድየ? ኣብዛ ሓደጋታት ዝተመልአት ዓለም ኢና ዘለና፡ እዚ ምግጣሙ ድማ ፍሉይ ነገር ኣይኮነን” ድሕሪ ምባል “ዘመናት ንድሕሪት ተመሊስና እንተሪኢና እዛ ዓለምና ኣዝያ ሓደገኛ እያ፡ ከምኡ ኢላ እያ’ውን ክትቅጽል” ኢሉ።
እቲ ብኣካላት ጸጥታ ዝተሃረመ ውልቀ ሰብ፡ ብኸቢድ ተጊዲኡ ከምዘሎ ኣሶሸይትድ ፕረስ ሓቢሩ ኣሎ።
እቲ ጸብጻብ ኣሶሸይትድ ፕረስ፡ ሰብ መዚ ትካላት ጸጥታን ስለያን ኣሜሪካን እቲ ጥርጡር ሕዱር ኣእምሮኣዊ ጸገማት ከይህልዎ ይምርምሩ ምህላዎም ሓቢሩ።