ጥዕና፡ መግቢ ምውሓድ ኣብ ምጉዳል ክብደት ሰብነት ውጽኢት የብሉን ተባሂሉ

ክሰዐ ብጉድለት ጥዕና እምበር ብግዝፊ ሰብነት ክግለጽ ከምዘይብሉ ኣብ ካናዳ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ገሊጹ።

እቲ መጽናዕቲ ሓካይም’ውን ኣብ ክንዲ ኣብ ኣመጋብባን ምንቅስቃስ ኣካላትን ኣቶኲሮም ምኽሪ ዝህቡ፡ ክብደት ሰብነት ንኽውስኽ ዝድርኽ ሱር ነገር ንምፍላጥ ኵለንትናዊ መርመራ ከካይዱ ምዒዱ ኣሎ።

እቲ ኣብ መጽሄት ካናድያን ሜዲካል ኣሶሴሽን ብሰሉስ ዝተሓተመ ጽሑፍ፡ ክብደት ንዝወሰኹ ሰባት ዘጋጥም ተነጽሎ ብምግሳጽ ካልእ መርመራ ከይተወሰኾ ኩሉ ክብደት ክሰዐ ኣይኮነን ኢሉ።

“ክሳብ ሕጂ ክሰዐ ምስ ምውሳኽ ክብደት ሰብነት ተተሓሒዙ እዩ ክግለጽ ጸኒሑ። ኩሉ ክብደት ዝወሰኸ ሰብ ግን ከሪሹ ወይ ከሲዑ ኣሎ ማለት ኣይኮነን” ይብል እቲ መግለጺ።

ዳይሬክተር እቲ መጽናዕቲ ዘካየደ ጉጅለ ዚመና ራሞስ ሳላስ “እቲ መጽናዕቲ ብዙሓት ሰብ ሞያ ሕክምና ነቶም ሕማም ‘ክሰዐ’ ኣለዎም ኢሎም ዝሓስብዎም ሰባት ብጽቡቕ ኣይቅበልዎምን’ዮም። ብዙሕ ሰብ’ውን ግዝፊ ሰብነት ብሰንኪ ሸለልትን ዝመጽእ እዩ ዝመስሎ፤ ብሰንኪ እዚ ከኣ ክብደቱ ንዝወሰኸ ሰብ ‘ደይ ብሕመቑ’ዩ’ እዩ ዝብሃል” ትብል።

ብምስዓብ “ክብደት ሰብነት ማለት ክሰዐ ማለት ኣይኮነን” ድሕሪ ምባል “እዚ ኣተሓሳስባ ኣብ ልዕሊ ክብደት ሰብነት ዘለዎምን ሓካይምን ጌጋ ርድኢት ብምፍጣር ሃጓፍ ፈጢሩ’ዩ” ትብል።

ኣብ ካናዳ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዑቑዳት ቁጽሪ ዝከስዑ ሰባት ብሰለስተ ዕጽፊ’ዩ ወሲኺ።

ኣብዚ ሕጂ እዋነ ድማ ሓደ ካብ ኣርባዕተ ካናዳውያን ናይ ክሰዐ ጸገም ኣለዎ።

እዚ መጸናዕቲ ካብ 2006 ጀሚሩ ክካየድ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ኣብ ሞንጎ ሕማም ክሰዐን ልዑል ሚዛን ሰብነትን ፍልልይ ከም ዘሎ እንተኾነ ኩሉ ክብደት ዝወሰኸ ሰብ ከሲዑ እናተባሃለ ከም ዝግለጽ ይጠቅስ።

እቲ ብሕክምና ክብደትን ቁመትን ብምልካዕ ክውሃብ ዝጽንሓ ሓሳባዊ ግምት ጉጉይ ምዃኑ ብምግላጽ፡ እቲ ሓሳባዊ ሚዛን እናተባሃለ ዝግለጽ ቁመትን ሚዛንን ብምዝማድ ዝውሃብ ቅማረ ቅኑዕ ከም ዘይኮነ ይሕብር።

ዚመና ራሞስ ሳላስ “ክሰዐ ብኣገባብ ኣናባብራና ዝመጽእ ገይርካ ብምሕሳብ ኣብ ልዕሊ ናይ ክሰዐ ጸገም ዘለዎም ሰባት ጸቅጢ ክፈጥር ጸኒሑ’ዩ፤ እቶም ከምዚ ዓይነት ጸገማት ዘለዎም ሰባት ድማ ውሑድ ብላዕ ተንቀሳቐስ እዮም ክብሃሉ ጸኒሖም” ድማ ትብል።

“እንተኾነ ዶኳትር ነዞም ከምዚ ዓይነት ጸገማት ዝርኣዮም ሰባት ስነ ኣእምሮኣዊ ምኽርታት ብምሃብ’ዮም ክሕግዝዎም ዘለዎም፤ እቲ ቀንዲ ካብዚ መጽናዕቲ ዝተረዳእናዮ ድማ መግቢ ምጉዳል ኣብ ምጉዳል ክብደት ሰብነት ዘለዎ ጽልዋ ኣዝዩ ትሑት ምዃኑ’ዩ” ኢላ።

መግቢ ብምውሓድ ክብደት ሰብነቶም ዘጉድሉ ሰባት ተመሊሶም ናብቲ ዝነበርዎ ከም ዝምለሱ ዝተፈላለዩ መጽናዕቲ ይሕብሩ።

ካብዚ ብምብጋስ እዚ መጽናዕቲ’ውን “መግቢ ምውሓድ ኣብ ምጉዳል ክብደት ሰብነት ዋላ ሓንቲ ውጽኢት የብሉን” እዩ ዝብል።

እዚ መጽናዕቲ ሰብ ሞያ ጥዕና፡ ንተሓካማይ ብዛዕባ ክብደት ሰብነቱ ምዝራብ ቅድሚ ምጅማሮም ፍቃድ ክሓትዎ ከምዘለዎም ምሕጽንትኡ ኣቅሪቡ ኣሎ።