ኣብ ኢትዮጵያ፡ ዜጋታት ሃገራት ወጻኢ ብጉዳይ መርመራ ኮቪድ-19 ኣማሪሮም

ኣብዚ እዋን መንገዲ ኣየራት ዝተፈላለዩ ሃገራት ተመሊሶም ናብ ስራሕ ኣብ ዝኣትውሉ ዘለዉ እዋን፡ ሓደስቲ መምርሒታት ብዝጠልብዎ መሰረት፡ተጓዓዝቲ መርመራ ኮቪድ-19 ክገብሩ ይግደዱ እዮም።

ኣብ ኢትዮጵያ እዚ ዝገብርን ንዝበዝሑ ተጓዓዝቲ ዝምርምርን ትካል፡ ኣገልግሎቱ ምስ ብዝሒ ምርመራ ክገብሩ ዝደልዩ ሰባት ክመጣጠን ከም ዘይከኣለ ይዝረብ።

ምኽንያቱ ድማ፡ እቲ ቅምሶ ዝወሰደ መርማሪ ትካል ሕክምና፡ ውጽኢት ንከረክብ እንተወሓደ 48 ሰዓታት የድልዮ።

ንኣዋርሕ እቲ በረራ ክጅመር ክጽበዩ ዝጸንሑ ዜጋታት ወጻኢ፡ እዚ ዓብዪ ፈተና ኮይኑዎም ከም ዘሎ ይዛረቡ።

ዝበዝሓ ሃገራት ድማ፡ ናይ ተጓዓዝቲ ውጽኢት ምርመራ ኣብ 48 ሰዓታት ወይ ድማ ክሳብ 96 ሰዓታት ከከም ሃገሩ ክቕበሉ እዮም ዝሓቱ።

ገለ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ምርመራ ዘካየዱ ተጓዓዝቲ፡ ውጽኢት ኣይበጽሓልናን ስለ ዝተባህሉ በረረኦም ክስርዙ ከም ዝተገደዱ ንቢቢሲ ገሊጾም።

እቲ ክሊኒክ፡ ንተመርመርቲ ውጸኢት ምርመራ ዝህብ፡ ካብቲ ዝጓዓዝሉ ዕለት ሓደ መዓልቲ ቀዲሙ እዩ።

ብዚ ምኽንያት ተሳፈርቲ፡ ናይቲ ዝጓዓዝሉ ሃገር ናይ ምርመራ መምርሕን ናይቲ ኣገልግሎት ዝህብ ክሊኒክ ውጽኢት ዝህበሉ ዕለትን ንምትዕርራይ ከም ዝጸገሞም'ዮም ዘማርሩ።

ቢቢሲ ኣብቲ ኣገልግሎት ዝህብ ትካል ሕክምና ኣፍደገ ተሰሊፎም ዝረኸቦም፡ ተጓዓዝቲ እቲ ትካል ብዛዕባ እቲ ምርመራ እኹል ሓበሬታ ከም ዘይሃቦምን፡ በረረኦም ብተደጋጋሚ ንምስራዝ ከም ዝተገደዱን ንተወሳኺ ኪሳራ ከምዝተሳጥሑን ተዛሪቦም።

እቲ ትካል ምርመራ ላብራቶሪ ዘካይደሉ ግልጺ ኣሰራርሓ ከምዘይዘርገሐ ድማ ይዛረቡ።

ተገልገልቲ፡ እቲ ግልጋሎት ክረኽቡ ዝኽእሉ፡ ብኢመይልን ብቴሌፎንን ምስተመዝገቡን ናይ ጉዕዞ ቲኬትን ፓስፖርትን ቅዳሕ ምስ ሃቡን ምዃኑ ኣብ ቢል ቦርድ ኣፍደገ እቲ ትካል ዝርከብ’ኳ እንተኾነ፡ ካብቲ ኢመይል ምላሽ ኣይርከብን፤ እቲ ኣብኡ ዝሰፈረ ስልኪ ድማ ኣይሰርሕን ወይ ከኣ ኣገልግሎት ኣይህብን።

ሪፖርተራት ቢቢሲ፡ ነዚ ብኣካል ኣረጋጊጾም እዮም። ሰራሕተኛታት እቲ ክሊኒክ ግና፡ ሰባት ተመዝጊቦም እውን ዝተርፉ ሰለዘለዉ፡ ተገልገልቲ ከከም ኣመጸጸአኦም ከምዝተኣናገዱ ይዛረቡ።

ገለ ሰባት ኣብቲ ሰልፊ ዘይምርድዳእ ክፈጥሩ ዝተርአዩ ኾይኖም፡ ገለገሊኦም ካብ ሰልፊ ወጻኢ ብውሽጣ ውሽጢ ክግልገሉ ከም ዝተረኸቡ፡ መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ገሊጾም።

ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ፡ ሓለውቲ መኪናን ግዳም ሓደርን፡ ብንጉሆ ሰልፊ ብምሓዝ ክሳብ 200 ንተገልገልቲ ከም ዝሸጡሎም’ውን ተገልገልቲ ይዛረቡ።

ኣብ ሓደ ብርክት ዝበሉ ተገልገልቲ ዝመጽእሉ ጨንፈር እቲ ትካል፡ ክልተ ነርሳት ክልተ ቅምሶ ወሲደን ጥራሕ ከምዝሰርሑ ቢቢሲ ተዓዚቡ።

ጋዜጠኛ ቢቢሲ፡ ሰኑይ ንጎሆ ናይ ኣገልግሎት ቅብሊት ዝሕትም ማሽን እቲ ትካል ‘ተበላሽዩ’ ብዝብል ምኽንያት፡ እቲ ክሊኒክ ንልዕሊ ፍርቂ ሰዓት ስራሕ ጠጠው ኣቢሉ ከምዝነበረ’ውን ተዓዚቡ።

ኣብ ካልኦት ጨንፈራት፡ ግልጋሎት ምርካብ’ውን ብዙሕ ዘየተባብዕ ከምዝኾነ ተገልገልቲ ይዛረቡ።

እቲ ክሊኒክ፡ ንተገልገልቲ 1320 ብር ኣኽፊሉ እቲ ውጽኢት ኣብ ካልእ ርሕቕ ዝበለ ጨንፈር ዝህብ እንትኸውን፡ እዚ ድማ፡ ተገልገልቲ በረራ ከምልጦምን ንተወሳኺ ኪሳራ ከምዘሳጥሖምን ኣምሪሮም ይዛረቡ።

ቢቢሲ፡ ነቲ ኣገልግሎት ዝህብ ‘ክሊኒካል ላቦራቶሪስ ኢንተርናሽናል’ ካብቲ ኣብቲ ቢል ቦርድ ዘስፈርዎ ስልኪ ደዊሉ ምላሽ ክረክብ እንተፈተነ’ኳ፡ እቶም ቴሌፎናት ስለዘይሰርሑ ክሰልጥ ኣይከኣለን።