እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
እስራኤል፡ ንወተሃደራዊ መዓስከራት ሶርያ ብኣየር ደብዲባ
ሰራዊት እስራኤል ትማሊ ሰኑይ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መዓስከራት ሶርያ መጥቃዕቲ ኣየር ከም ዘካየደ ተገሊጹ።
መንግስታዊት ማዕከን ዜና ሶርያ’ውን ኣብ ጥቃ ርእሰ ከተማ ዶማስቆስ ሰራዊት እስራኤል ደብዳብ ከም ዘካየደ ብምሕባር፡ ኣብ ልዕሊ ዓቐኑ ዘይገለጸቶ ንብረት ዕንወት ከም ዝወረደ ሓቢራ።
ሚኒስተሪ ምክልኻል እስራኤል እቲ መጥቓዕቲ ኣየር ግብረ መልሲ ናይቲ ሶርያ ኣብ ጎቦታት ጎላን ከተካይዶ ዝፈተነት ምቕባር ነታጒ ምዃኑ ገሊጹ።
ሰራዊት እስራኤል ብሰንበት ኣርባዕተ ነታጒ ከጻውዱ ረኺበዮም ዝብሎም ሶርያውያን ምቕታሉ ሓቢሩ ነይሩ።
ወሃቢ ቃል ሚኒሰትሪ ምክልኻል እስራኤል ሌተናል ኮሎኔል ጆናታን ኮንሪኮስ፡ እቶም ነታጕ ከጻውዱ ዝተረኸቡ ናይ ኣየናይ ጉጅለ እዮም ዝብል ንምፍላጥ ግዜ ከም ዘድሊ’ኳ እንተሓበረ፡ ነቲ ፈተነ መንግስቲ ሶርያ እዩ ሓላፍነት ዝወስደሉ ብምባል እዩ ዝገልጽ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል እስራኤል እቲ ትማሊ ኣብ ልዕሊ መዓስከራት ሶርያ ዝተኻየደ መጥቓዕቲ፡ ኣብ ኳንታራ ዝርከብ መዓስከር ሶርያ ኣብ ጸረ ነፈርትን መአዘዚ ናቁጣን ዕላማ ዝገበረ ምንባሩ’ዩ ገሊጹ።
እቲ መግልጺ ብምስዓብ “መንግስቲ ሶርያ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሶርያን ነቲ ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት እስራኤል ዝፈተኖ ተጻብኦ ሓላፍነት ክወስደሉ እዩ” ይብል።
ሳና ዝተብሃለት ናይ ሶርያ ወግዓዊት ማዕከን ዜና’ውን ሰራዊት ሶርያ ነቲ ብሰኑይ ኣብ ጥቃ ርእሰ ከተማ ዶማስቆስ ዝተኻየደ “ተጻባኢ ስጉምቲ” ግብረ ምልሲ ንምውሳድ ኣብ ተጠንቀቕ ከም ዘሎ ሓቢራ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ሶርያ ዝካየድ ዘሎ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት ዝከታተል ጉጅለ ኣብ ዶብ ሶርያን ኢራቕን በውኮማላ ኣብ ዝብሃል ቦታ 15 ሰባት ብደብዳብ ነፈርቲ ከም ዝተቐተሉ ሓቢሩ ኣሎ።
እስራኤል ቅድሚ ክልተ ሰሙን ንሰራዊት ሂዝቡላህ ካብ እትድበድብ ኣብ መንጎ ሶርያን እስራኤልን ኣብ ዶባት ሰሜናዊ ክፋል እስራኤል ወጥሪ ሰፊኑ ይርከብ።