ን34 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዘሎ ዩዌሪ ሙሴቪኒ ንፕሬዝዳንታዊ መረጻ ሕጹይ ኮይኑ

ን34 ዓመታት ንኡጋንዳ ብፕረዚደንትነት ዝመርሐ ዩዌሪ ሙሴቪኒ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ዝካየድ መረጻ ክወዳደር ምዃኑ ብወግዒ ኣፍሊጡ።

እቲ ንሱ ዝመርሖ ገዛኢ ሰልፊ ናሽናል ሪዚስታንስ ሙቭመንት፡ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ 2021 ኣብ ዝካየድ መረጻ ንሙሰቨኒ ሕጹይ ተወዳዳሪ ገይሩ ከምዘቕረበ ሓቢሩ።

እንተኾነ፡ ዩዌሪ ሙሴቬኒ ሕጹይ ኮይኑ ዝቐርብ ኮሚሽን መረጻ እታ ሃገር ኣብ መጻኢ ወርሒ ሕዳር ምስ ዘጽድቖ ጥራሕ እዩ።

ንልዕሊ 30 ዓመታት ንኡጋንዳ ብፕረዚደንትንትነት ዝመርሐ ሙሴቬኒ፡ ኣብቲ መረጻ ሕዚ’ውን እንተስዒሩ ንተወሰኸቲ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ክቕጽል'ዩ።

ኣብቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናይቲ ዓመት ዝካየድ ሃገራዊ መረጻ፡ ካልኦት ሰልፍታት ዛጊድ ተወዳደርቶም ኣየፍለጡን።

ናይቲ ፕረዚደንት ቀንዲ ተነሓናሒ ከምዝኸውን ዝዝረበሉ ዘሎ፡ ድምጻዊ ፖለቲከኛ ሮበርት ኪያጉላኒ ወይ ከኣ ብናይ መድረኽ ስሙ ቦቢ ዋይን እዩ።

ቦቢ ዋይን፡ ኣብታ ሃገር ብመናእሰይ ዓብዪ ተቐባልነት ኣለዎ ተባሂሉ ዝእመነሉ ኮይኑ፡ ኣባል ባይቶ ድማ እዩ።

እቲ ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ሙሴቬኒኀ ኣብ 2017 ናይታ ሃገር እብረ ስልጣን ዝድርት ዓንቀጽ ከም ዝለግስ ምግባሩ ይግለጽ።

እዚ ምግባሩ፡ ዳርጋ ዕድሚኡ ሙሉእ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ስለዝሃቀነ እዩ ይብሉ ነቐፍቱ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኮሚሽን መረጻ እታ ሃገር፡ ንመረጻ 2021 ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ከምዝካየድ ዘፍለጠ ኾይኑ፡ ብሰንኪ ኮሮና ኣብ ባይታ ዝግበር ጎስጓስ መረጻ ተኸልኪሉ ይርከብ።

እንተኾነ፡ብሬድዮ፣ ቴሌቪዥንን መርበብ ሓበሬታን ጥራሕ ክካየድ እዩ ተባሂሉ። ኣብታ ሃገር ዓብዪ ህዝባዊ ተሰማዕነት ዘለዎ ሬደዮ እንትኸውን፡ ኣብዝሓ ማዕኸናት ሬድዮ ናይ መንግስቲ ምዃነን እዩ ዝፍለጥ።