እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብሪጣንያ ክሰዐ ዜጋታታ ንምቁጽጻር ገለ መግብታት ከይሽየጡ ክትእግድ እያ
መንግስቲ ብሪጣንያ “ሓንቲ ግዝኡ ሓንቲ ብናጻ ክንህበኩም ኢና” እናበላ ጥዕና ዘይህብ መግቢ ንዝሸጣ ትካላት ክእግደን ምዃኑ ኣፍሊጡ።
እዚ ሓዲሽ ሕጊ ኣብቲ ልዑል መጠን ስብሕን ሽኮርን ዘለዎ መግብታት እውን ተግባራዊ ከምዝኸውን ብምሕባር፡ ኣብያተ መግቢ ናይ'ቲ ዘቕርብኦ መግቢ መጠን 'ካሎሪ' ዝገልጽ ጽሑፍ ንዓማዊለን ከቅርባ’ውን ክግደዳ እየን።
መጠን ምክራሽ ዝውስኹ መግብታት መወዓውዒ ከይግበረሎም ዝኽልክል ሕጊ’ውን ኣብ መላእ ብሪጣንያ ተግባራዊ ኮይኑ ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒሰትር ቦሪስ ጆንሰን ነዚ ሕጊ “ኣብ ጥዕናና ከኸትሎ ዝኽእል ዕንወት ብምጉዳል ንገዛእ ነብስና ካብ ኮሮናቫይረስ ኣብ ምክልኻል ዓቢ እጃም ክህልዎ’ዩ” ኢሉ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ክሰዐ ምስ መጠነ ሞት ኮቪድ 19 ዘለዎ ምትእስሳር እኳ እንተዘይገለጸ ሰብ ሞያ ጥዕና ግን ካብቶም ኣብ ጽዑቅ ክንክን ዝርከቡ እቶም 8 ሚእታዊት ክሰዐ ከምዘለዎም ብምግላጽ ካብ መላእ ህዝቢ ዓባይ ብርጣንያ 2.9 ሚእታዊት ንክሰዐ ዝተቓለዐ ምዃኑ’ዮም ዝገልጹ።
እቶም ካልእ ዝውሰዱ ዘለዉ ስጉምትታት
- ሰባት ክብደት ሰብነቶም ንኽንክዩ ዘተባብዕ ህዝባዊ ወፈራ
- ሰብ ዕሹግ መግቢ ክምግብ ኣለዎዶ የብሉን ምኽሪ ዝህብ ኣካል ምቋም
- ኣብ ሓደ ትካል ክሽየጡ ዝግበኦም መጠንን ዓይነትን መግብን መስተን ክትቆጻጸር ዘኽእል ኣገባብ ምትእትታው
- ኣብ ኩሉ ዝሽየጥ መግብን መስተን መጠን ዓቀን ካሎሪ ክጽሓፎ ምስግዳድ
ዝኾነ ትካል ኣብ ዝሸጦ መግንብ መስተን መጠን ኮሎሪ ክገብሩ ክግደዱ እዮም፡ እዚ ድማ ኣብ ኣብያተ መግቢ፡ እንዳ ሻህታትን ባራትን ተግባራዊ ክኸውን’ዩ።
ቀዳማይ ሚኒሰትር ቦሪስ ጆንሰን ኣቀድም ኣቢሉ እውን ኣብ መግቢ ዝህሉ መጠን ጨውን ዘለዎ ነቀፌታ ከስምዕ ጸኒሑ’ዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ብኮሮናቫይረስ ተለኺፉ ኣብ ክፍሊ ጽዑቅ ክንክን ዝተዓዘቦ ነገራት ነዚ ውሳነ እዚ ክውስን ሓጊዝዎ ክኸውን ከምዝኽል እዮም ብዙሓት ዝዛረቡ።
ቦሪስ ጆንሰን ኣብ ደይሊ ኤክስፕረስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ “ከም ዝበዝሐ ሰብ መጠን ክብደተይ ከጉድል ይደሊ ነይረ’የ፡ ብዙሕ’ውን ተቓሊሰ፡ ኣብዚ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከኣ እቲ ሚዛን ምጉዳል ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ክርድኣኒ ክኢሉ” ኢሉ።
'ሱር ነቀላዊ ለውጢ’
እዚ ተባሂሉ ዘሎ ኣብ ግብሪ እንተውዒሉ ኣብ ዓይነት ኣመጋግባናን ብዛዕባ መግቢ ዘለና ኣረዳድኣን ሱር ነቀላዊ ለውጢ ከምጽእ ይኽእል እዩ።
መብዛሕትኦም ካብዞም ሕጂ ተግባራዊ ክኾኑ እዮም ዝብሃሉ ዘለዉ ሕግታት፡ ኣብ 2018 እዮም ክንደፉ ጀሚሮም።
እቲ ቀንዲ ነገር ድማ እዚ ሕጊ እዚ መጀመርታ ክንደፍ ክጅምር እንከሎ ሰብ ትካላት ተቓውሞ ኣስሚዖም ስለዝነበሩ ሕጂ’ከ ከመይ ይርእይዎ ዝብል እዩ፡ ፈደሬሽን መግብን መስተን’ውን ልኡም ዝኾነ ግብረ መልሲ’ዩ ሂቡ ዘሎ።
እቲ ንመግብታት ዝግበር መወዓውዕታት ክኽልከል ዝብል እማመ’ውን ምስ ናጽነት ናይ ሰባት ዝጻባእዶ ኣይኮንን ዝብሉ ሰባት ኣይተሳኣኑን።
ዝበዝሓ ትካለት መስተ ነቲ መጠን ካሎሪ ምሕባር ዝብል ሕጊ ብጸጋ ተቐቢለንኦ ኣለዋ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰንን ካልኦት ዓቃባውያንን፡ ንገደብ ኣልቦ ናጽነት ምጥባቕ ገዲፎም ብዛዕባ ክሰዐ ንምዝራብ ለውጢ ካብ ኣርኣዩ፡ እቶም ወነንቲ ትካላት’ውን ለውጢ ከርእዩ ይኽእሉ እዮም።
ዳይረክተር ህዝባዊ ጉዳይት ማሕበር ኣዋዓዋዕቲ፡ ስዩ እዩስተስ “ዘየድልን ዓቐኑ ዝሓለፎን ስጉምትታተ ክሰዐ ኣብ ምጉዳል ኣዝዩ ንኡስ ዓቕሚ እዩ ክህልዎ ዝኽእል” ብምባል ኣብ ትካልት መግቢ “ዓቢ ጫሌዳታት ዝፈጥር እዩ” ኢላ።
ንሳ ብምስዓብ “ኣቐድም ኣቢሉ ንህጻናት ናብ ልዑል መጠን ስብሒ ከቃልዖም ዝኽእል መግቢ ከይነወዓውዕ ተኸልኪልና ኢና። ብዛዕባ ሽኮሮዊ መግብታት ዝግብር መወዓውዒታት እውን ኣብ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ብ70 ሚእታዊት ጎዲሉ ኣሎ፡ እንተኾነ ኣብ መጠን ክሰዐ ዘምጽኦ ለውጢ የለን፡ ስለዚ እዚ ሕጂ ተባሂሉ ዘሎ’ውን ንመጠን ክሰዐ ዘጉድል ኣይኮነን” ትብል።
ካሎሪ እንታይ እዩ?
ካሎሪን ሕጽር ብዝበለ፡ ንሓደ ግራም ማይ ብሓደ ዲግሪ ሰሊሸስ ንምውዓይ ዘድሊ መጠን ጽዓት እዩ።
እቲ ኣብ መግቢ ዝህሉ መጠን ካሎሪ ከኣ ብኪሎ ካሎሪን (1000 ካሎሪስ ) ዝዕቀን ኮይኑ፡ ብኣሃዝ ንምርድኡ 1 ኪሎ ግራም ማይ ብሓደ ዲግሪ ሰልሸይስ ንምውዓይ ዘድሊ መጠን ጽዓት ዝውክል እዩ።
ከም ፍረታትን ኣሕምልትን ዝኣመሰሉ መግብታት ትሑት መጠን ካሎሪ እዩ ዘለዎም፡ ከም ምቁር ሕብስቲ፡ ብሽኮቲ ግን ልዑል መጠን ሽኮር ስለዘለዎም ልዑል መጠን ካሎሪ እዩ ዘለዎም።
- ስብሒ 9 ካሎሪ ኣብ ሓደ ግራም
- ኣልኮል 7 ካሎሪ ኣብ ሓደ ግራም
- ፕሮቲን 4 ካሎሪ ኣብ ሓደ ግራም
- ካርቦሃይድረት ዘለዎም መግብታት 3.75 ካሎሪ ኣብ ሓደ ግራም
ኣብ መዓልቲ ልዕሊ እቲ ከነቃጽሎ እንኽእል መጠን ካሎሪ እንድሕር ኣዋህሊልና ድማ ክንክርሽ ንጅምር፡ ስለ'ዚ ኣብ እንምገቦ ዓይነት መግብታት ዘሎ መጠን ካሎሪ ምፍላጥ መጠን ክብደት ሰብነትና ንምቁጽጻር ክሕግዘና ይኽእል እዩ።