መገዲ ኣየር ኢሚሬትስ፡ ኣብ ጉዕዘኦም ኮቪድ-19 ንዝሕዞም ወጻእታት ሕክምናን ቀብርን ክሽፍን እዩ

መገዲ ኣየር ኢሚሬትስ፡ ተጓዓዝቲ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ኣቋሪጾምዎ ናብ ዝነበሩ መገሻታት ንክምልሱ ንምትብባዕ፡ ናፃ ናይ ኮቪድ-19 መድሕን ብምሃብ ፈላማይ ኮይኑ።

እዚ መገዲ ኣየር ኣቕሪብዎ ዘሎ መድሕን፡ ተጓዓዝቲ ኣብ ጉዕዘኦም በቲ ቫይረስ እንተድኣ ተለኺፎም፡ ናይ ሕክምና፣ ኣብ ሆቴል ናይ ዝውሸብሉን ከምኡ'ውን ድማ ናይ ቀብሪ ወፃእታት ዝሽፍን እዩ።

መገዲ ኣየር ኢሚሬትስ፡ ኣብ መፈለምታ ናይ'ዚ ወርሒ፡ 9 ሽሕ ሰራሕተኛታቱ ከጉድል ምዃኑ ንቢቢሲ ገሊፁ ነይሩ።

ኣቦወንበር እቲ መገዲ ኣየር ሸኽ ኣሕመድ ቢን ኣል ማክቱም "ዋላ'ኳ ኣብ ዓለም ዘለዉ ዶባት መሊሶም እንተተኸፈቱ፡ ሰባት ዶባት ኣቋሪፆም ንክጓዓዙ ከምዝፈርሑ ንፈልጥ ኢና። ኣብ ጉዕዘኦም ዘይተሓሰበ ነገር ከየጋጥሞም ድማ ውሕስነት የድልዮም" ኢሉ።

እዚ ህያብ ውሕስነት፡ ተጓዓዝቲ መገሻ ካብ ዝጀመርሉ ዕለት ን 31 መዓልታት ከምዘገልግል ዝሓበረ እቲ ትካል፡ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ከምዝቕፅል ድማ ኣፍሊጡ።

እዚ መድሕን ንኹሎም ተጓዓዝቲ ብነፃ ከምዝኾነ ዝገለፀ እቲ መገዲ ኣየር፡ ንሕክምና ክሳብ 176,500 ዶላር ከምዝሽፍን ኣፍሊጡ።

ተጓዓዝቲ ኣብ ሆቴል ንዝውሸብሉ ድማ፡ ንክልተ ሰሙን ንመዓልቲ ክሳብ 100 ዩሮ ክኽፈለሎም እዩ።

ኣጋጣሚ ኮይኑ ተጓዓዝቲ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም እንተሞይቶም ድማ፡ ስርዓተ ቀብሮም ንምፍጻም ክሳብ 1500 ዩሮ ክኸፍል እየ ኢሉ።