‘ኣብ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ቻይና ተሓቢኣ’ ተባሂላ ትህደን ዘላ ቻይናዊት ተመራማሪት መን’ያ?

People spraying water on object outside of consulate and man closing rubbish bin

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሓንቲ ብምጥፍፋእ ቪዛን፡ ዘለዋ ወታሃደራዊ ምትእስሳር ብምሕባእን ዝተጠርጠረት ቻይናዊት ተመራማሪት፡ ኣብቲ ኣብ ከተማ ሳንፍራንሲስኮ፡ ካሊፎርንያ፡ ዝርከብ ቆንስላዊ ቤት ፍሕፈት ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኣመሪካ ተሓቢኣ’ላ ክትብል ኣመሪካ ገሊጻ።

እቲ ጉዳይ ምስቲ ቻይና ስቱራት ወተሃደራውያን ተመራመርቲ ናብ ኣመሪካ ከተስሉኽ ዘለዋ ፕሮግራም ዝተሓሓዝ'ዩ ብምባል ኣኽበርቲ ሕጊ ኣመሪካ ይኸሱ።

ምምሕዳር ትራምፕ፡ ብረቡዕ እቲ ኣብ ከተማ ሂዩስተን፡ ቴክሳስ፡ ዝርከብ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ቻይና ክዕጾ ኣዚዙ ነይሩ’ዩ።

ቻይና፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ ቆንስላዊ ኣብያተ ጽሕፈታን ተመራመርታን ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ኮኒና።

ኣፈኛ ሚኒስትሪ ወጻኢ ቻይና፡ ዋንግ ወንቢን፡ ምምሕዳር ኣመሪካ ንቻይናውያን ተመራመርቲ ንምስርጣይ ምድራትን ምድሃስን ዝፈጠሮ ምኽንያት’ዩ ክብል ተቓውምኡ ገሊጹ።

ነቲ ኣመሪካ ተቕርቦ ዘላ ክስታት ድማ “ሃሳዪ ስም ምጥፋእ’ዩ” ክብል ገሊጽዎ።

ድሕሪ’ቲ ናይ ሂዩስተን፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ንካልኦት ኣብያተ ጽሕፈት’ውን ክዓጽዎ ከም ዝኽእል ኣፈራሪሑ’ሎ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ብጉዳይ ንግዲ ለበዳ ኮሮናቫይረስን ኣካታዒ ናይ ጸጥታ ሕጊ ኣብ ሆንግ ኮንግን ንቻይና ክኸሳ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብቲ ናይ ሳንፍራንሲስኮ ቤት ጽሕፈት እንታይ ኮይኑ’ዩ ዝበሃል ዘሎ?

ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ ሰነዳት ኣኽበርቲ ሕጊ ከም ዝሕብርዎ፡ እታ ትድለ ዘላ ውልቀሰብ ጁዋን ታንግ እትበሃል ኮይና ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ (ዳቪስ) ናይ ስነሂወት (ባዮሎጂ) መምህር’ያ።

እቶም ሰነዳት ከም ዝሕብርዎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምስ ኣባላት ፌደራላዊ ቤት ጽሕፈት መርመራ (ኤፍ-ቢ-ኣይ) ኣብ ዝገበረቶ ቃለመጠይቕ፡ ምስ ሰራዊት ቻይና ኣገልጊላ ከም ዘይትፈልጥ ሓቢራ ነይራ።

እንተኾነ ግና፡ ይብል እቲ ሕጋዊ ሰነዳት ኣብ ቅሉዕ ምንጭታት ብዝተገብረ መርመራ ወታሃደራዊ ክዳን ተኸዲና ዘርኢ ስእሊ ተረኺቦም።

ኣብ መንበሪ ገዝኣ ብዝተገብረ ፍተሻ ድማ፡ ምስ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ቻይና ዘለዋ ርክብ ዝገልጽ ጭብጢ ተረኺቡ።

ኣክሲዮስ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ከምዝብሎ፡ “ታንግ፡ ኣብ ሓደ እዋን ድሕሪ’ቲ ዝተገብረላ ፍተሻን ብ20 ሰነ 2020 ዘካየደቶ ቃለመጠይቕን፡ ናብቲ ኣብ ሳንፍራንሲስኮ ዝርከብ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ቻይና ብምኻድ ኣብኡ ከም ዝጸንሐት ኤፍ-ቢ-ኣይ ገምጋም ኣለዎ” ይብል እቲ ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ሰነዳት።

ኣስዒቡ እቲ ሰነድ፡ “እዚ ናይ ታንግ ዘመልክቶ እንተሎ፡ እቲ ኣብ ሳንፍራንሲስኮ ዘሎ ናይ ቻይና ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት መዕቆቢ ናይ ሓንቲ ካብ ኣኽበርቲ ሕጊ ኣመሪካ ዝሃደመት ብዓልቲ መዚ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ቻይና ኮይኑ ኣሎ” ይብል።

ኣብቲ ናይ ሂዩስቶን ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት እንታይ ኣጋጢሙ?

ብሰሉስ፡ ኣብ ልዕል ዝበለ ህንጻ ዝነብሩ ጎረባብቲ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ቻይና ኣብታ ከተማ፡ ሓያሎ መጉሓፊ ክቃጸል ይዕዘቡ።

ሓደ ዝተቐድሐ ቪድዮ ከም ዘርእዮ፡ ገለ ሰባት ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ናይቲ ቤት ጽሕፈት ወረቓቕቲ ናብቲ እንዳጎሓፍ ከእትዉ ይራኣዩ።

መጥፋእቲ ሓዊ ደበኽ ምስ በሉ ግን፡ ናብ ውሽጢ እቲ ህንጻ ኣይትኣትዉን ተባሂሎም።

በዚ ዝተላዕለ፡ ምምሕዳር ትራምፕ፡ ቻይና ነቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ክትዓጽዎ ኣዚዙ።

እቲ ስጉምቲ “ኣመሪካዊ ፍልጠታዊ ንብረት ናይ ኣመሪካውያን ውልቃዊ ሓበሬታን ንምዕቃብ” ዝተወስደ ምዃኑ ድማ ገሊጻ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ፡ ማይክ ፖምፐዮ “ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና፡ ኣካይድኡ ከዐሪ ዘለና ትጽቢት ንምንጻር ኢና ወሲድናዮ” ክብል ተዛሪቡ።

“ከምኡ እንተዘይጌሮም ድማ፡ ንህዝቢ ኣመሪካ፡ ሃገራዊ ድሕነትን፡ ንቁጠባናን ናይ ስራሕ ዕድላትናን ንምክልኻል፡ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና።”

ንወጥሪ ቻይናን ኣመሪካ ዘጋድዶ ዘሎ እንታይ’ዩ?

  • ኮሮናቫይስ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታትን ንኮቪድ-19 “ቫይረስ ቻይና” ብምባል ክገልጾ ጸኒሑ’ዩ። ካብ ሓደ ናይ ቻይና ቤተፈተነ (ላቦራቶሪ) ዝነቐለ’ዩ ብምባል’ውን ይኸስስ’ዩ፡ ዋላ’ኳ ትካላት ስለያ ኣመሪካ “ሰብ ዝሰርሖ ኣይኮነን” እንተበላ። ብወገን ቻይና’ውን፡ ከም ግብረመልሲ ናይዚ፡ ብዘይ ዝኾነ ጭብጢ፡ ኮቪድ-19 ካብ ኣመሪካ ዝነቐለ ክኸውን ይኽእል’ዩ ክብሉ ኣሚቶም ነይሮም።
  • ንግዲ፡ ትራምፕ፡ ቻይና ንኣመሪካ ክትብለጸላ ጸኒሓ ዝብል መግለጺታት’ዩ ክህብ ጸኒሑ። ብስርቂ ፈሊጣዊ ንብረት ኣመሪካ’ውን ይኸሳ’ዩ። በዚ ዝተላዕለ ካብ 2018 ጀሚረን ክልቲአን ሃገራት ኣንጻር ሓድሕደን፡ ናይ ቢልዮናት ዶላራት ቀረጽ (ናይ ኣቚሑት ታሪፍ) ክውስኻ ተራእየን።
  • ሆንግ ኮንግ፡ ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ቻይና ንጸጥታ ናይታ ርእሰ ምምሕዳር ዘለዋ ከተማ ዝምልከት ሓድሽ ሕጊ ምጽዳቓ ንኣመሪካን ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራትን ደስ ኣይበለንን። ከም ሳዕቤኑ፡ ነቲ ሆንግ ኮንግ ኣብ ኣመሪካ ዝነበራ ናይ ንግዲ ሓለፋታትን ሕድገታትን ተሰሪዙ። በዚ ዝተቖጠዐት ቻይና ድማ፡ እቲ ስጉምቲ “ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢድ ምእታው’ዩ” ብምባል፡ ሕነ ክትፈዲ ምዃና ኣጠንቂቓ ነይራ።
  • ደቡባዊ ባሕሪ ቻይና፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ጉዳይ ናይቲ ንብዙሓት ሃገራት ሰላማዊ ውቅያኖስ ዘሰሓሓበ ማያዊ ዞባ ‘ሳውዝ ቻይና ሲ’ ክሰሓሓባ ጸኒሐን’የን። ኣመሪካ፡ ቻይና ነተን ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ይብጻሓና’ዩ ዝብላ ሃገራት “ክትድህለን” ትፍትን ኣላ ብምባል ትኸስስ።