ኣምባሳደር ሩስያ፡ ሃገሩ ናይ ክታበት ሓበሬታ ክትስርስር ፈቲና ንዝብል ክሲ ነጺግዎ

ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ብሪጣንያ፡ ትካል ስለያ ሩስያ ክታበት ኮሮናቫይረስ ዝምልከቱ ሓበሬታታት ክሰርቕ ፈቲኑ ብዝብል ንዝቐረበሉ ክስታት ነጺግዎ።

ኣምባሳደር ኣንድሬ ኬሊን፡ "ነዚ ዝተብሃለ ጉዳይ ኣይኣምነሉን፡ ትርጉም ዘይብሉ እዩ” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ትካል ድሕነት ብሪጣንያ ብሓሙስ ከምዝበሎ፡ እቶም ክታበት ንዝሰርሑ ዘለዉ ትካላት ዒላማ ገይሮም ሓበሬታ ክሰርቁ ዝፈተኑ ሰርሰርቲ፡ ኣካል ትካል ድሕነት ሩስያ እዮም።

እቲ ኣምባሳደር፡ ነቲ ‘ሩስያ ኣብ ፖለቲካ ብሪጣንያ ጣልቃ ትኣቱ ኣላ’ ንዝብል ክሲ’ውን ነጺግዎ እዩ።

ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ሰሙን፤ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ዶሚኒክ ራብ ‘ሩስያውያን ኣብ’ቲ ናይ 2019 መረጻ ብሪጣንያ ጣልቃ ክኣትዉ ድልየት ነይርዎም’ ክብል ተዛሪቡ እዩ።

“ጣልቃ ኣይኣተውናን። ንምንታይከ ጣልቃ ንኣቱ? ምኽንያቱ፡ ንዓና ኮንሰርቫቲቭ ፓርቲ ተዓወተ ሌበር ፓርቲ ተዓወተ፡ ምስ ኩሎም ካብ’ቲ ሕዚ ዘለና ዝሓሸ ርክብ ንክህልወና ኢና ንፍትን” ኢሉ እቲ ኣምባሳደር።

ብሓሙስ፡ ናይ ብሪጣንያ ኣመሪካን ካናዳን ትካላት ድሕነት፡ ኤፒቲ29 ዝበሃል ጉጅለ ሰርሰርቲ፡ ናይ ኮቪድ-19 ክታበት ንምርካብ ንዝሰርሕ ዘለዉ ትካላት ዒላማ ብምግባር፡ ሓበሬታታቶም ክሰርቕ ፈቲኑ ኢሎም እዮም።

ማእከል ሓለዋ ሳይበር ብሪጣንያ፡ እዚ ጉጅለ ሰርሰርቲ ኣካል ናይ ሩስያ ትካል ድሕነት ምዃኑ ልዕሊ 95 ሚኢታዊት ምትእምማን ከምዘለዎ ገሊጹ እዩ።

ብዛዕባ’ዚ ዝተሓተተ ኣምባሳደር ሩስያ፡ ብቐጥታ ኣይመለሰን “ብዛዕባኦም [እቶም ጉጅለ ሰርሰርቲ] ካብ ሚድያታት ብሪጣንያ እየ ሰሚዐ” ኢሉ።

“ኣብ’ቲ ዘለናዮ ዓለም፡ ንዝኾነ ዓይነት ናይ ኮምፒዩተር ስርሰራ መጥቃዕቲ ምስ ሓንቲ ሃገር ክተተሓሕዞ ኣይትኽእልን” ድማ ኢሉ።