ኣፍሪቃ፡ ኣብ ጋቦን ንፈለማ እዋን ጓልኣንስተይቲ ቀዳማይቲ ሚንስትር ተሸይማ

ፕረዚደንት ጋቦን ዓሊ ቦንጎ ንክሪስትያኔ ኦሶውካ ራፖንዳ ኣብታ ሃገር ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ቀዳመይቲ ሚንስትር ብምግባር ሸይሙ።

ክሪስትያኔ ራፖንዳ ኣብ ታሪኽ እታ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ፈላሚት መራሒት መንግስቲ ክትኸውን'ያ።

ጓል 56 ዓመት ክሪስትያኔ ኣብቲ መዝነት ን18 ኣዋርሕ ካብ ዝጸንሐ ኮጌ ቤካሌ'ያ ስልጣን ክትርከብ።

"እዛ ሓዳሽ ቀዳመይቲ ሚንስትር ቀደምነት ክትህቦም ትጽቢት ዝግበረሎም ጉዳያት፤ እቲ ሓደ ቁጠባዊ ምምሕያሽ ምምጻእ እዩ" ኢሉ ብስም ዋና ከተማ እታ ሃገር ዝጽዋዕ ዌብሳይት ላ ሊበርቪለ።

ብዘይካ'ዚ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ቁጠባዊ ጸገም ንዝኣተዉ ዜጋታት ጋቦን ማሕበራዊ ሓገዛት ክትገብር እውን ትጽቢት ከም ዝግበር ኣመልኪቱ።

ክሪስትያኔ ራፖንዳ ብከንቲባነት ዋና ከተማ እታ ሃገር ዝኾነት ሊበርቪለ ዘገልገለት ኮይና ብድሕሪ'ቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2019 ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ቦንጎ ተፈቲኑ ዝፈሸለ ዕልዋ መንግስቲ ድማ ሚንስተር ምክልኻል ኮይና ተሸይማ ጸኒሓ።

ጉዳይ ጥዕና እቲ ፕረዚደንት ኣዘራራቢ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ንሰሙናት ኣብ ህዝባዊ መድረኻት ከይተርኣየ ጸኒሑ'ሎ።

ኩነታት ጥዕንኡ ኣብ ዘዘራርበሉ ዘሎ እዋን ንዕረፍቲ ናብ ካልእ ሃገር ክገይሽ ምዃኑ ይግለጽ።