ስሙይ ህንዳዊ ተዋሳኢ ኣሚታብ ባቻን ብኮሮናቫይረስ ተታሒዙ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ህቡብ ህንዳዊ ተዋሳኢ ኣሚታብ ባቻን (ኣሚት)፡ ብኮቪድ-19 ከምዝተትሓዘ ብሚልዮናት ንዝቑጸሩ ናይ ትዊተር ተኸተልቱ ኣፍሊጥዎም።
“ብኮቪድ ከምዝተትሓዝኩ ብምርመራ ተረጋጊጹ’ሎ፡ ናብ ሆስፒታል ተወሲደለኹ፡ ሆስፒታል ድማ ንሰብመዚ ኣፍሊጡ’ሎ፡ ስድራይን ሰራሕተኛታትን ምርመራ ይግበረሎም ኣሎ፡ ውጽኢት ከኣ ንጽበ’ለና” ኢሉ እዩ ጽሒፉ ኣብ ትዊተሩ።
ወዱ ኣቢሻክ ባቻን ድማ ጽንሕ ኢሉ ንሱ’ው ንብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዘ ጽሒፉ።
ወዲ 77 ዓመት ኣሚታብ ባቻን፡ ቅድሚ ሓምሳ ዓመት ፊልም ምስራሕ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ኣብ 200 ፊልምታት ዝተሳተፈ ብሉጽ ተዋሳኣይ ቦሊውድ እዩ።
ኣሚታብን ወዲ 44 ዓመት ውላዱ ኣቢሻክን ኣብ ሙምባይ ናብ ዝርከብ ‘ናናቫቲ’ ሆስፒታል ዝተወሰዱ ኾይኖም፡ ኣቢሻክ ከምዝብሎ፡ ክልቲኦም ቅልል ዝበለ ምልክታት ናይ’ቲ ሕማም እዩ ዝራኣዮም ዘሎ።
ኣሚታብ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ መዓልታት ምስኡ ተራኺቦም ዝነበሩ ኩሎም ሰባት ክምርመሩ ሓቲቱ’ሎ። ንኣሽዋርያ ሬይ ባቻን ሓዊሱ ገለ ካልኦት ኣባላት ስድራ ኣሚታብ ድማ ተመርሚሮም ካብቲ ቫይረስ ናፃ ኮይኖም ኣለዉ።
እዚ ዜና ምስተሰምዐ፡ ንኣሚታብን ንኣቢሻክን “ኣጆኹም! ምሕረት የውርደልኩም” ዝብል ብዙሕ መልእኽትታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ይበጽሖም ኣሎ።
ኣሚታብ ባቻን፡ መንግስቲ ህንዲ ብዛዕባ እዚ ባይረስ ግንዛበ ንምፍጣር ኣብ ዘገብሮ ዝነበረ ጻዕርታት እናሓገዘ እዩ ጸኒሑ።
ኣብ ህንዲ፡ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ኣዝዩ እዩ ዝውስኽ ዘሎ። ክሳብ ትማሊ ቀዳም 821,000 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ዝተረጋገጸ ኾይኑ፡ ህንዲ ኣብ ዓለምና ብብዝሒ መልከፍቲ ሳልሳይ ተሰሪዓ ትርከብ።
ኣብታ ሃገር፡ ሕጽረት ምርመራን ሕጽረት ኣብ ምቅላስ ኮሮናቫይረስ ዝወፈሩ ሓካይምን ከምዘሎ ድማ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







