ኣልሸባብ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፡ ሽድሽተ ሰባት ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ሶማልያ ከተማ ባይዶዋ፡ ኣብ ሓደ ቤት መግቢ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦምባ ሽድሽተ ሰባት ከምዝተቐተሉ ሰብመዚ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ኣብ ርእሰ ከማ እታ ሃገር ሞቓድሾ ድማ፡ ካልእ ነብሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ቦምባ ዘጋጠመ ኾይኑ፡ ብውሕዱ ሸውዓተ ሰባት ቆሲሎም።
ዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ፡ ነቶም መጥቃዕትታት ከምዝፈጸሞም ገሊጹ’ሎ።
እቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መንግስቲ ሶማልያ፡ ንኣልሸባብ ኣጥፊኡ ነታ ሃገር ምሉእ ንምሉእ ንምቁጽጻር ንልዕሊ 10 ዓመት እናተዋገአ እዩ መጺኡ።
እቶም ምስ ኣል ቃዒዳ ርክብ ዘለዎም ዕጡቓት፡ ኣብ’ቲ ኣብ ከተማ ባይዶዋ ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ፡ ኣብ’ቲ ቤት መግቢ ኣኼባ ንዘካይዱ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ምእካብ ግብሪን ወተሃደራትን ዒላማ ምግባሮም እዮም ዝዛረቡ።
እቶም ዕጡቓት፡ ክልተ ወተሃደራት ከምዝቐተሉ እዮም ገሊጾም። መንግስቲ ግን፡ ኩሎም ዝቶም ዝተቐትሉ ስቪላውያን እዮም ኢሉ።
እቲ ኣብ ሞቓድሾ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ብዝምልከት ፖሊስ ንቢቢሲ ከምዝገለጾ፡ ሓደ መኪና ነቲ ናይ ፈተሻ መስመር ጥሒሱ ክሓልፍ ምስፈተነ፡ ፖሊስ ተኹሲ ከፊቶምሉ።
እቲ ነብሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ነታ መኪና ዝዝውር ዝነበረ ሰብ፡ ንሓደ ናይ ፖሊስ መደበር እዩ ክወቅዕ ፈቲኑ ነይሩ።
ሓይልታት ጸጥታ ምስተኮሱ ግን እታ መኪና ተፈንጂራ። ክልተ ፖሊስን ሓሙሽተ ሓለፍቲ መገድን በቲ መጥቃዕቲ ቆሲሎም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







