እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣኩኡ ንሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ከተማ ኣምቦ ተቐቲሎም
ኣብ ከተማ ኣምቦ፡ ሬሳ ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ኣዲስ ኣበባ’ዩ ክቕበር ዝግበኦ ብዝብል ዝተልዓለ ናዕቢ ስዒቡ፡ ኣኮኡ ነቲ ኣርቲስት ሓዊሱ ሸውዓተ ሰባት ከምዝተቐትሉ መሰኻኽር ዓይኒን ፖሊስ እቲ ክልልን ገሊጾም።
ፖሊስ ፌዴራልን ፖሊስ ኦሮምያን ኣብ ልዕሊ እቶም ዝቃወሙ ተኹሲ ምስ ከፈቱ፡ ኣኮኡ ንሃጫሉ “ቆልዑ ከይትወቕዑ” እናበሉ ናብቶም ፖሊስ ገጾም እንትጎዮ፡ ብጥይት ተኲሶም ከምዝቐተልዎም እቶም መሰኻኽር ሓቢሮም።
ኮሚሽነር ጀነራል ፖሊስ ኦሮምያ አራርሳ ግን፡ ኣኮኡ ንሃጫሉ ዝተቐትሉ ካብቶም ናዕበኛታት ብዝተወርወረ ነታጒ’ዩ ኢሉ’ሎ። ይኹን እምበር፡ ዛጊት ቤተሰቡ ብዛዕባ ኣቃታትልኦም ዝሃብዎ መግለጺ የለን።
እቶም ግዳይ ናብቲ ኣብ ጥቓ እንዳ ወላዲ ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝርከብ ሆስፒታል እንተተወሰዱ’ኳ፡ ክድሕኑ ኣይካኣሉን።
ሞት ሃጫሉ ዘስዓዎ ናዕብታት ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልል ኦሮሚያ ተላቢዑ ከም ዘሎ ጸብጻባት ቢቢሲ ይሕብሩ።
ክሳብ ሕጂ፡ ብውሕዱ 81 ሰባት ተቐቲሎም፡ ብዙሓት ካልኦት ቆሲሎም ኣለዉ።