ቅትለት ሃጫሉ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝተፈንጀረ ነታጒ ኣብ ሂወት ሰብ ጉድኣት በጺሑ

ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝተፈንጀረ ነታጒ ሰባት ከምዝሞቱን ከምዝቖሰሉን ኮሚሽነር ጄነራል፡ ፖሊስ ፌዴራል፡ እንደሻው ጣሰው ገሊጹ።

ቅትለት ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ፡ ኣብ ዝተልዓለ ተቓውሞ ኣብ ሰለስተ ቦታት ነታጒታት ከም ዝተደርበዩ እቲ ኮሚሽነር ንጋዜጠኛታት ወጻኢ ትማሊ ኣብ ዝደሃቦ መግለጺ ተዛሪቡ።

ካብቶም ዘፈንጀሩ’ውን ዝቖሰሉን ዝሞቱን ከምዘለዉ ዝተዛረበ እቲ ኮሚሽነር፡ “ሓሳቦም ንምግላጽ ዝወጽኡ ንጹሃት ዜጋታት ግዳይ ኮይኖም” ኢሉ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣበይ ከም ዝተፈጸመ ይኹን፡ ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት ከምዝሞቱ ግን ኣይገለጸን።

ኣብቶም ዝካየዱ ዘለዉ ናዕብታት፡ ክሳብ ሕጂ ብውሕዱ 50 ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ። ስነስርዓት ቀብሪ ሃጫሉ ጽባሕ ክፍጸም ምዃኑ ተፈሊጡ።

ብሰንኪ’ቲ ንብዙሓት ኣቖጢዑ ዘሎ ቅትለት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ካባቢታት፡ ብፍላይ ኣዲስ ኣበባ እትርከበን ከተማታት ክልል ኦሮሚያ ወጥሪ ሰፊኑ’ሎ።

ቅድሚ ሕዚ ብዝተኻየደ መጽናዕቲ ግን፡ ኣስማቶም ዘይገለጾም “ነታ ከተማ ንምሕማስ ዝተዳለዉ ዕጡቓት ጉጅለታት ከምዘለው ንፈልጥ ኢና” ኢሉ።

ገለ ካብቶም ሓያል ተቓውሞ ዝተልዓለሎም ከባብታት፡ ኣዳማ ሃረር፣ ዝዋይ፣ ቡልቡላን ሻሸመኔን ጠቒሱ። ብዛዕባ ዝበጽሐ መጠን ጉድኣት ገና ሓበሬታ ኣብ ምትእኽኻብ ከምዝርከቡ’ውን ወሲኹ ሓቢሩ።

በቲ ተቓውሞታት ዝተፈላለዩ ኣብ ንብረት ዕንወት ከም ዝወረደን፡ ሆቴላትን ፋብሪካታትን ከምዝተቓጸሉን ኣብሪሁ።

እቲ ኮሚሽነር፡ እቲ ዝተፈጠረ ጸገም ብህጹጽ ፍታሕ ክረክብ ንህዝብን ዓበይቲ ዓድን ጻውዒት ኣቕሪቡ።