እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ፡ ስራሕቶም ንጎስጓስ ምጥቃም ደው ከብል ስሙያት ሙዚቀኛታት ኣጠንቂቖምዎ
ሮሊንግ ስቶንስ ውሩይ ጉጅለ ሙዚቃ ብሪጣንያ እዩ። ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ናይ መረጻ ጎስጓስ፡ እንተደኣ ሙዚቃታቶም ምጥቃም ቀጺልሉ፡ ክኸስዎ ምዃኖም ኣጠንቂቖም።
ሕጊ ክፍሊ: እቲ ጉጅለ ሙዚቃ ናይ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ሙዚቃኦም ብዘይፍቓድ ኣብ ጥቕሚ ከይውዕል ንምኽልካል፡ ኣብ መሰል ናይ ጥበብ ስራሕቲ ምስ ዝነጥፍ ትካል ቢኤምኣይ ይሰርሕ ምህላዉ ኣፍሊጡ’ሎ።
ትራምፕ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኦክላሆማ ኣብ ዘካየዶ ናይ መረጻ ጎስጓስ ነቲ “ዩ ካንት ኦልዌይስ ጌት ዋት ዩ ዎንት’ ዝብ ልሙዚቃ ናይ ሮሊንግ ስቶንስ ተጠቒምሉ።
ትራምፕ ኣብ 2016 ኣብ ዝነበረ መረጻ’ውን፡ ጎስጓስ ከካይድ ከሎ ነዚ ደርፊ እዚ እዩ ዝጥቀም ነይሩ።
“ሮሊንግ ስቶንስ ናይ ዶናልድ ትራምፕ ደገፍቲ ኣይኮናን” ብምባል ኣብ 2016 ብትዊተር ኣቃሊሖም ምንባሮም ዝዝከር እዩ።
ኣብ መሰል ናይ ጥበብ ስራሕቲ ዝነጥፍ ትካል ቢኤምኣይ፡ ንሮሊንግ ስቶንስ ወኪሉ ንጉጅለ ጎስጓስ መረጻ ዶናልድ ትራምፕ ብዘይፍቓድ ነዚ ሙዚቃታት ምጥቃም ዘይሕጋዊ ከምዝኾነን ሕጋዊ ስጉምቲ ዘውስድ ምዃኑን ከምዝሓበረሎም ተገሊጹ።
ኣብ መፈለምታ ናይ’ዚ ወርሒ ብተመሳሳሊ፡ ስድራ ኣመሪካዊ ሙዚቀኛ ቶም ፔቲ “ንምንታይ ብዘይፍቓድ ደርፉ ተጠቒምኩምሉ?” ክብሉ ናብ ጉጅለ ጎስጓስ መረጻ ዶናልድ ትራምፕ ደብዳቤ ጽሒፎም እዮም።
ስድራ ናይቲ ብህይወት ዘየለ ሙዚቀኛ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጠቅዕዎ ጽሑፍ “ሙዚቅኡ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ናይ ጽልኣት ጎስጓስ ክትጥቀምሉ ባህ ኣይምበሎን” ኢሎም።
እቲ ሙዚቀኛ ኣብ መበል 66 ዓመቱ ኣብ 2017 እዩ ልዕሊ ዓቐን መድሓኒት ጸረ-ቃንዛ ብምውሳድ ሞይቱ።
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣብቲ መጻኢ ሕዳር ዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረጻ ንመነሓንሕቱ ጆ ባይደን ንምስዓር፡ ኣብ ቀጸልቲ ኣዋርሕ ጎስጓስ ምክያድ ክቕጽል እየዑ።