ዘተ ህዳሰ ግድብ ናብ ዘይዕረቕ ደረጃ በጺሑ ድዩ?

ኣብ ዙርያ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ስሉሳዊዊ ስምምዕ ከይተበጽሐ ኢትዮጵያ ኣብቲ ግድብ ማይ ክተዋህልል እንተጀሚራ፡ ነቲ ጉዳይ ናብ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክወስዶ እየ ክትብል ዝጸንሐት ግብጺ፡ ዝሓለፈ ዓርቢ እቲ ባይቶ ኢዱ ክሓውስ ጸዊዓ ኣላ።

ግብጺ ናብቲ ባይቶ ኣብ ዝለኣኸቶ በዓል 60 ገጽ ደብዳቤ፡ ኢትዮጵያ ግብጽን ሱዳንን ዝገብረኦ ዝርርብ ክቕጽላን፡ ኣብ ‘ፍትሓውን ሚዛናውን’ ስምምዕ ምብጸሐን ድማ እቲ ባይቶ ኢዱ ሓዊሱ ከረጋግጽን ሓቲታ’ላ።

ብተወሳኺ፡ ኢትዮጵያ፡ ስምምዕ ከይተገበረ ማይ ካብ ምውህላል ክትቁጠብን እቲ ባይቶ ድማ ኢዱ ሓዊሱ ሓላፍነቱ ክዋጻእን እያ ግብጺ ሓቲታ።

ኣብ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት ተረኺባ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ መብርሂ ክትህብ ከም እትደሊ’ውን ኣብቲ ደብዳበ ገሊጻ’ላ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ገዱ ኣንዳርጋቸው ብወገኑ፡ ዝሓለፈ ዓርቢ ምስ ኣሶሺየትድ ፕሬስ ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት፡ ኢትዮጵያ ማይ ምውህላል ክትጅምር፡ ኣብ ስምምዕነት ምብጻሕ ግድን ከም ዘይኮነን፡ በቲ ዝተትሓዘሉ መደብ ኣብ ክረምቲ ፈላማይ ደረጃ ምውህላል ማይ ከም ዝጅመርን ተዛሪቡ።

ግብጺ “ኣብ ሩባና ንዝግበር ልምዓት ክትቆጻጸር ትፍትን ኣላ” ክብል እውን ነቒፍዋ እዩ።

ኣብ ስምምዕነት ምብጻሕ በዳሂ ምዃኑ ዝተዛረበ ኣይተ ገዱ “ዋላ ኣብ ስምምዕነት ክንበጽሕ እንተዘይከኣልና፡ በቲ ዝሓዝናዮ መደብ ምውህላል ማይ ክንጅምር ኢና። ናይ ካልኦት ፍቓድ ንጽበ እንተደኣኾይንና፡ እቲ ግድብ ንዓመታት ከይተጠቐምናሉ ረብሓ ኣልቦ እዩ ዝኸውን። እዚ ክኸውን ድማ ኣይንፈቅድን” ኢሉ።

ወሲኹ ድማ “ኢትዮጵያ ብናይ ባዕላ ማይ ክትለምዕ ንግብጽን ሱዳንን ኣይትልምንን” ኢሉ ኣይተ ገዱ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣይተ ገዱ ወሲኹ ድማ፡ እቲ ግድብ ናይቲ ዞባ ምትሕብባር ዘሐይል እምበር፡ ናይ ወጥሪን ኩናትን መንቀሊ ክኸውን ኣይግበኦን ኢሉ።

“ግብጻውያን ኣብ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝሓዝዎ ፕሮፖጋንዳ ኣሐይሎምዎ ኣለዉ። ፖለቲካዊ ጠላዕ እዮም ዝጻወቱ ዘለዉ። ገሊኦም ድማ ኩናት ክለዓል ዝጽበዩ ይመስሉ” ድማ ኢሉ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ናብ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ኢትዮጵያ ማይ ምውህላል እንተጀሚራ ነቲ ዞባን ንዓለምለኻዊ ሰላምን ድሕነትን ጸገም እዩ ክትብል ግብጺ ዘቕረበቶ ሓሳብ ከምዘሕዘኖ ገሊጹ እዩ።

ግብጺ እቲ ሰለስተኣዊ ዝርርብ ከይተወደአ ባይቶ ጸጥታ ኢዱ ክሓውስ ምሕታታ ዘደናግር እኳ እንተኾነ “እቲ ዘተ ፍረ ኣልቦ ክኸውን ትሰርሕ ካብ ዝነበረት ግብጺ” ዝተጸበናዮ እዩ ኢሉ።

ግብጺ፡ እቲ ዝርርብ ዓለምለኻዊ ክኸውን ትጽዕር ከም ዘላን፡ ንዞባውን ኣፍሪቃውን ፍታሕ ዘየናደየትሉ ምኽንያት እውን ንሱ ምዃኑን ገሊጹ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ግብጺ ነቲ ብ 1959 ዝተፈረመን ካብ ማይ ኣባይ ብዙሕ እጃም ክትወስድ ንዝሕግዛን ናይ መግዛእቲ ስምምዕ እያ ኣጥቢቓ ሒዛ ዘላ ኢሉ።

እቲ ስምምዕ ንኢትዮጵያ ዘይሓወሰን፡ ግብጺ ካብ ማይ ናይል 55.5 ቢሊዮን ኪዩቢክ ማይ፡ ሱዳን ድማ 18.5 ቢሊዮን ኪዩቢክ ማይ ክትረክብ፡ እታ ንማይ ናይል 86 ሚኢታዊት እተበርክት ኢትዮጵያ ድማ ብዘይ ማይ ዘትርፍ ዘይሓቛፍን ዘይፍትሓውን ስምምዕ ከም ዝኾነ ይጥቀስ።

ግብጺ ነቲ ኣብ ዙርያ ግድብ ህዳሰ ዝግበር ዘሎ ዝርርብ ምኽንያት ብምግባር፡ ኢትዮጵያ ነዚ ስምምዕ ክትቅበሎ እያ ጸቕጢ ትገብር ዘላ እያ ትብል።

እቲ ንዓመታት ክካየድ ዝጸንሐ፡ ኣብ ዙርያ ግድብ ሕዳሰ ዝግበር ዝርርብ ብዘይ ፍረ ተቛሪጹ’ሎ።

እቲ ካብ ሰነ 2-10 ብቪድዮ ኮንፈረንስ ክካየድ ዝጸንሐ፡ ኣብ ምውህላል ማይ ናይቲ ግድብን ዓመታዊ ዝፍኖ መጠን ማይን ኣድሂቡ ክግበር ዝጸንሐ ሰለስተኣዊ ዝርርብ’ውን ብዘይ መዕለቢ ተበቲኑ እዩ።

ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ዘለዉ ወሰንቲ ናይ ሕጊ ጉዳያት ብዝምልከት ኣብ ስምምዕ ስለ ዘይተበጽሐ፡ እቲ ጉዳይ ናብ መራሕቲ እተን ሃገራት ክሓልፍ ሱዳን ሓሳብ ከም ዘቕረበት ኣልጀዚራ ጸብጺቡ።

ሚኒስተር ማይን መስኖን ያሲር ኣባስ ንጋዜጠኛታት ክዛረብ ከሎ፡ ካብ 90-95 ሚኢታዊት ኣብ ዝኸውን ቴክኒካዊ ጉዳያት ኣብ ስምምዕ እኳ እንተተበጽሐ፡ ኣብ ሕጊ ተንከፍ ጉዳያት ግን ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ከም ዘይተኽኣለ ገሊጹ።

ሚኒስትሪ ማይ መስኖን ጸዓትን ኢትዮጵያ’ውን ተመሳሳሊ መግለጺ እዩ ሂቡ።

እቲ ሚኒስትሪ ወሲኹ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ግድብ ኣብ ዝግበር ዘተ፡ እቲ ዝርርብ ካብ ምውህላል ማይን ዓመታዊ ዝስደድ መጠን ማይን ብዝሰገረ፡ ኣብ ብጽሒት ማይን ናይ መጻኢ ረብሓን ንምግዳብ ድልየታት ከም ዘሎ ገሊጹ እዩ።

ግብጺ ብዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን መገድታት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ክትፈጥር ትሰርሕ ምህላዋ’ውን ኢትዮጵያ ትነቅፍ።

ግብጺ ብወገና፡ ነቲ ጉዳይ ናብ ባይቶ ጸጥታ ዝወሰደቶ ዓለምለኻዊ ሰላምን ድሕነትን ንምውሓስ ደኣ’ምበር ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ማዕቀብ ክግበረላ ኮነ ካልእ ስጉምቲ ክውሰዳ ኣይኮነን እያ ትብል።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ስምምዕ ከይተበጽሐ ማይ ኣየዋህልልን ትበል፤ ናብቲ ስምምዕ’ውን ትመለስ ኢሉ።

ኢትዮጵያ ቅድሚ ስምምዕ ማይ ምውህላል ኣይጅምርን እንተይላ፡ ናብ ዝርርብ ከም ትምለስ’ውን እያ ትገልጽ።

ብሰኑይ፡ ሚኒስትር ማይን መስኖን ሱዳን፡ ነዚ ጉዳይ መዕለቢ ክህቦ ዝኽእል እቲ ስሉሳዊ ዝርርብ ምዃኑን ሱዳን በቲ ዝርርብ ተስፋ ከም እትገብርን ገሊጹ እዩ።

እቲ ወጥሪ እንተዓሪጉ ናብ ጎንጺ ከም ዘምርሕ ዝገለጸ እቲ ሚኒስቴር “እቲ ተስፋ ኣብቲ ዝርርብ ጥራይ እዩ ዘሎ” ኢሉ።

ምውህላል ማይ ናይቲ ግድብ ንምጅማር ድማ ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ኣለዎ ኢሉ።

ኣብ ግብጺ፡ ንመንግስቲ ዝድግፉ መራኸብቲ ብዙሓን፡ ኢትዮጵያ መርገጺኣ ዘይትልውጥ እንተደኣኾይና፡ ግብጺ ስጉምቲ ክትወስድ ይግባእ ዝብል ሓሳብ ኣንጸባሪቖም እዮም።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ብወገኑ፡ ግብጺ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክትወስድ ከምዘይትደልን፡ ፖለቲካዊ መፍትሒ ከምእተናድን ብምጥቃስ፡ ኢትዮጵያ ግድብ ናይ ምህናጽ መሰል ከምዘለዋ’ውን ገሊጹ።

"ኣብቶም ዝሓለፉ ሽድሽተ ዓመታት፡ ግብጺ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና ዝብል ኣፋፍኖት ኣየርኣየትን” ድሕሪ ምባል “ባይቶ ጸጥታ ንኢትዮጵያ ናብ ዝርርብ ዘይመልሳ እንተኾይኑን ምውህላል ማይ እንተተጀሚሩን ግን እንታይ ዓይነት ስጉምቲ ከም እንወስድ ሽዑ ክነነጽሮ ኢና” ኢሉ።

ግብጺ ብዝሓተቶ መሰረት፡ ብሰሉስ ሃገራት ሊግ ዓረብ ብሚኒስትራተን ኣቢለን ዘተ ዘካየዳ ኮይነን፡ ግብጺ ኣብ ጉዳይ እቲ ግድብ ንዘቕረበቶ ውጥን ገለ ሃገራት ከም ዘይተቐበለኦ ይግለጽ።

ኢትዮጵያ፡ ኣብ መንጎ ሰለስቲአን ሃገራት ዝግበር ዘተ ኣብ ስምምዕ በጽሐ ኣይበጽሐ፡ ፈላማይ ብርኪ ምውህላል ማይ ኣብ ሓምለ ክትጅምር መደብ ኣለዋ።

እዚ ግን፡ ግብጺ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እታ ንግብጺ ከም ዝወገነት ክትንቀፍ ዝጸንሐት ኣመሪካ’ውን ዝተቐበለቶ ኣይመስልን።

ኣብ’ዚ ሰሙን፡ ሃገራዊ ቤትምኽሪ ጸጥታ ኣመሪካ፡ ኢትዮጵያ ምውህላል ማይ ቅድሚ ምጅማራ ስሉሳዊ ስምምዕ ክብጻሕ ኣለዎ ዝብል መልእኽቲ ብትዊተር ኣቃሊሑ እዩ።

ኣብ ዙርያ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝዓሰለ ወጥርታት ክቃላሕ ምስ ጀመረ፡ ኢትዮጵያውያን ‘እቲ ግድብ ናተይ እዩ’ ዝብል ጎስጓስ ጀሚሮም እዮም። ኢትዮጵያ ምውህላል ማይ ክትጅምር ከተባብዑ’ውን ቀንዮም።

ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ 90 ሚኢታዊ ናይ ስቪል ምህንድስና ዕዮኡ፣ 44 ምኢታዊት ካብ ኤሌክትሮ መካኒካል ህንጸቱ፡ ከምኡ ድማ 20 ምኢታዊት ናይ ሓጺነመጺን ስርሑ ከምዝተወደአ ዝተገለጸ ኾይኑ፡ ሓፈሻዊ ህንጸቱ 75 ምኢታዊት ከም ዝበጽሐ ይግለጽ።