ኣብ ብሪጣንያ እገዳታት ኮቪድ-19 ይፈኩስ ኣሎ

እንግሊዝ እጽዋ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ (ኢንግላንድ)፡ ኣብያተ-መስተ፡ ኣብያተ-መግቢ፡ ሆቴላትን ጽባቐ ጸጉሪን ዝርከብዎም ትካላት ኣገልግሎታት ካብ 4 ሓምለ ጀሚሮም ክኽፈቱ ምዃኖም ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ሎሚ ኣፍሊጡ።

ኣካላዊ ምፍንታት'ውን ካብ 2 ሜትሮ ናብ "ሓደ ሜትሮን ልዕሊኡን" ክወርድ ምዃኑ ጆንሰን፡ ንፓርላማ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ። እንተ ተኻኢሉ ግን ሰባት 2 ሜትሮ ክፈናተቱ ምዒዱ'ሎ።

ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ፡ ክልተ ስድራቤታት ኣብ ውሽጢ ገዛ ክራኸቡን ብሓንሳብ ክሓድሩን ምዝኽእሉ'ውን ተፈሊጡ። ካልኦት ክፍለ-ሃገራት ብሪጣንያ (ዌልስ፡ ስኮትላንድን ሰሜን ኣየርላንድን) ነቶም እገዳታት ባዕለን ናይ ምውሳን ስልጣን ኣለወን።

ነቶም ብሓንሳብ ዘይነብሩ ኣባላት ስድራቤተት ግን ምስዕዓምን ምትሕቑቛፍን ኣይክፍቀደሎምን እዩ።

ይኹን'ምበር፡ እቲ ለበዳ እናገደደ እንተኸይዱ፡ እቶም እገዳታት ናብ ዝነበርዎ ክምለሱ ከም ዝኽእሉ ኣጠንቂቑ'ሎ።

እቲ ሓደጋ ምሉእ ብምሉእ ክሳብ ዝእለ ድማ ህዝቢ ዘድሊ ዝበሎ ጥንቃቐታት ክገብር ተማሕጺኑ።

ካልኦት ክኽፈቱ ምዃኖም ዝተነግረሎም ትካላት እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም፡

•ኣብያተ-መስተ፡ ባራት፡ ኣብያተ መግቢ- ናይ ጣውላ/ጠረጴዛ ኣገልግሎት ንዝህባ እንተኾይነን ጥራይ። ወነንቲ ድማ፡ ናይ ዓማዊሎም ቁጽሪ ቴለፎን ክሕዙ ክግደዱ'ዮም- ለበዳ ንምቁጽጻር ስለዝሕግዝ

•ሆቴላት፡ መዕረፍ ኣጋይሽ፡ ተንቀሳቐስቲ መዕረፊ (ካራቫን፡ ጽሬቶም ብግቡእ እንተ ተሓሊዩ)።

•ኣብያተ-ትያትርን ሙዚቃን- ቀጥታዊ ምርኢት ከእንግዱ ግን ኣይክፍቀደሎምን እዩ።

•መርዓታት፡ ክሳብ 30 ዕዱማት ከእንግዱ ክፍቀድ'ዩ።

•ኣብያተ ጸሎት'ውን ኣገልግሎታተን ክህባ'የን።

ካብ 4 ሓምለ ጀሚሮም ዘይክፈቱ ትካላት

•ለይታዊ ትልሂታትን፡ ኣብያተ-ጠላዕን (ካሲኖታት)

•ኣደራሻት ቦውሊን

•ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝካየዱ መጻወቲታት (ኣብነት-'ሶፍት ፕለይ')

•'ስፓታት'

•መመላኽዒ ጽፍሪ

•መድረዚ ማእከላት (ማሳጅ)

•ኣብያተ ሳዕስዒት፡ ጂም፡ ናይ ውሽጢ ገዛ ስፖርታዊ ማእከላት

•መሐንበሲ ማእከላት

•ምርኢታትን (ኤግዚቢሽን) ዋዕላታትን (ካብ ሰራሕተኛታቶም ወጻኢ)

ኮሮና