ንህዝባዊ ተቓውሞታት ኣልጀርያ ዝመርሐት ጓል ኣንስተይቲ ተኣሲራ

ኣብ ሃገር ኣልጀርያ ነቲ ካልኣይ ዓመቱ ዝሓዘ ናዕቢ ዝመርሑ ካብ ዝነበሩ ሓንቲ ዝኾነት ፍልጥቲ ጓል ኣንስተይቲ ንሓደ ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዳ።

ጓል 44 ዓመት ኣሚራ ቦራዊ፡ ሽድሽተ ክስታት እዩ ቀሪቡላ።

ካብኣቶም፡ "ንእስልምና ብምጽራፍ"፣ "ፕረዚደንት ብምጽራፍ"፣ ከምኡ'ውን "ኣንጻር ኣዋጅ ዕጽዋ ናዕቢ ምልዕዓል" ዝብሉ ይርከብዎም።

ጠበቓኣ ሙስጠፋ ቡቻቺ፡ ነቲ ዝተውሃበ ብይን ኮኒንዎ'ሎ። ንኤ-ኤፍ-ፒ ከምዝተዛረቦ፡ "እቲ መንግስቲ እዚ ዝበሃል ጭብጢ ከየቕረበ እዩ እዚ ብይን ተዋሂቡዋ" ድሕሪ ምባል፡ ይግባይ ከምዝብሉ ገሊጹ።

እታ ኣደ ክልተ ቖልዑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ እያ ካብ ገዘኣ ተወሲዳ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትያ።

ወይዘሮ ኣሚራ መን እያ?

ወይዘሮ ኣሚራ፡ ኣብ 2014 ፕረዚደንት ኣብዱዓኣዚዝ ቡታፍሊቃ ንራብዓይ ጊዜ ንፕረዚደንትነት ክወዳደር ይዳለወሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንዕኡ ብምቅዋማ'ያ ተፈላጥነት ኣጥርያ።

ይኹን እምበር፡ ኣብቲ እዋን እቲ ዘካየደቶ ተቓውሞ ዕዉት ኣይነበረን።

ፕረዚደንት ቡታፍሊቃ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንሓምሻይ ጊዜ ክወዳደር ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ግን፡ ሓንቲ ካብ መራሕቲ ናይቲ ተቓውሞታት ብምዃን፡ ካብ ስልጣኑ ከምዝእለ ገይራ።

እንተኾነ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣዋጅ ዕጽዋ ክሳብ ዝመጽእ እቲ ህዝባዊ ናዕቢ ቀጺሉ እዩ ነይሩ።

ንሳ እትርከቦም ኣባላት ናይቲ 'ሒራክ' ብዝብል ዝፍለጥ ምንቅስቓስ፡ ሕዚ'ውን እቲ ኣብ ስልጣን ዝመጽአ ሓድሽ መንግስቲ ብብልሽውና ዝጠልቀየን ዘይምዕሩይን ክብሉ እዮም ዝነቕፍዎ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ፡ ዓብዱል መጂድ ተቡነ ዝበሃል ሓድሽ ፕረዚደንት ምምራጹ ይዝከር።