ኣብ ፈረንሳይ፡ ፖሊስ ምስ ሰልፈኛታት ኣንጻር-ዓሌታውነት ተጓኒጹ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ፈረንሳይ፡ ከተማ ፓሪስ፡ ኣንጻር ዓሌታውነትን ጭካነ ፖሊስን ተቓውሞ ዘስምዑ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ምስ ፖሊስ ተጓኒጾም።
እቶም ሰልፈኛታት፡ ክልኩል ናይ ሰልፊ ጉዕዞ ከካይዱ ኣብ ዝፍትንሉ እዮም ናብ ፖሊስ ኣእማን ክድርብዩ ጀሚሮም፡ ፖሊስ ድማ መንብዒ ትኪ ተኩሱሎም።
እቲ ሰልፊ፡ ኣካል እቲ ኣብ ኣመሪካ ዝተጀመረን ኣብ ካልኦት ሃገራት'ውን ዝረኣይ ዘሎን፡ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ዝወርድ ግፍዕታት ዝቃወም ምንቅስቓስ እዩ።
ኣብ ፈረንሳይ "ፍትሒ ንኣዳማ" ብዝብል ጭርሖ እዩ እቲ ሰልፍታት ተኻይዱ። ኣዳማ ትራውሬ፡ ኣብ 2016 ኣብ ቀይዲ ፖሊስ እናሃለወ ዝሞተ ጸሊም መንእሰይ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ፓሪስ ዘጋጠመ እንታይ እዩ?
ቀዳም ድሕሪ ቀትሩ፡ ኣስታት 15,000 ዝኾኑ ኣንጻር ዓሌታውነት ዝቃወሙ ሰልፈኛታት ኣብ ማእከል ፓሪስ ተኣኪቦም።
"ፍትሒ እንተዘየሎ፡ ሰላም የለን" ዝብሉን ካልኦትን ጭርሖታት ይጭርሑ ነይሮም። ገለ ካብቶም ሰባት፡ መግለጺ ሪፓብሊክ ፈረንሳይ ተገይራ ናብ እትውሰድ ሓወልቲ ማርያነ ተሰቒሎም።
ሓፍቲ ናይቲ ብ 2016 ኣብ ቀይዲ ፖሊስ እናሃለወ ዝሞተ መንእሰይ ኣዳማ ትራውሬ፡ ሓንቲ ካብቶም ሰልፈኛታት ነይራ።
"እቲ ኣብ ኣመሪካ ዘጋጥም ዘሎ፡ ኣብ ፈረንሳይ'ውን የጋጥም ኣሎ እዩ። ኣሕዋትና ይሞቱ እዮም ዘለዉ" ኢላ።
እቶም ሰልፈኛታት ክእከቡ ተፈቒድሎም እዩ፡ ጉዕዞ ክገብሩ ግን ፖሊስ ከልኪልዎም።
ድሕሪ'ዚ እዩ ጎንጺ ኣጋጢሙ መንብዒ ትኪ'ውን ዝተተኮሰ። ኣብ ካልኦት ከተማታት ፈረንሳይ'ውን ንእስ ዝበሉ ሰልፍታት ተኻይዶም እዮም።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፖሊስ ፈረንሳይ ንምንታይ ይንቀፍ ኣለዉ?
ፖሊስ ፈረንሳይ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት 1,500 ጥርዓናት ዝቐረቦም ኮይኑ፡ ፍርቂ ካብዚ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ዝብል እዩ።
ኣብ ቀረባ እዋን፡ ሞተር ብሽክለታ ብምስራቕ ዝተጠርጠረ ወዲ 14 ዓመት ቆልዓ፡ ፖሊስ ከምዘቑሰልዎ ይግለጽ።
ዝሓለፈ ሰኑይ፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳይ፡ ፖሊስ ንጥርጡራት ብክሳዶም ሓኒቖም ክሕዝዎም ክልኩል ምዃኑ ኣፍሊጡ እዩ።
እቲ ሚኒስተር፡ ዓሌታውነት ንዘንጸባርቑ ሰራሕተኛታት ጸጥታ "ኣይንዕገሶምን" ድማ ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
እዚ ዘረባታቱ ግን ካብ ፖሊስ ተቓውሞታት ኣስዒብሉ እዩ። እቶም ፖሊስ፡ ኣብ ስርሖም ዓሌታውነት ከምዘየንጸባርቑ እዮም ዝገልጹ።
በዚ ዝተቖጥዑ ፖሊስ፡ ብዓርቢ መቑሖም ናብ ባይታ ብምድርባይ ተቓውሞታቶም ገሊጾም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







