እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኩባንያ ኣማዞን፡ ፖሊስ ቴክኖሎጂ መላለዪ ገጽ ከይጥቀሙ ከልኪሉ
ዓርሞሽሻዊ ቴክኖሎጂካዊ ኩባንያ ኣማዞን፡ ፖሊስ ነቲ መመላዩ ገጽ (ፋሻል ሪኮግንሽን) ክጥቀምሉ ዝጸንሑ 'ሶፍትዌር' ከይጥቀምሉ ኣጊዱ።
ኣማዞን ነዚ ውሳነ እዚ ከሕልፍ ዝኸኣለ ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላት እዚ ተክኖሎጂ ዓሌታዊ ኣድልዎ ንኽካየድ ተራ ኣለዎ ዝብል ክሲ ስለዘቕረቡ'ዩ።
እዚ ውሳነ እዚ፡ ጆርጅ ፍሎይድ ብፖሊስ ድሕሪ ምቐታሉ ዝሰዓበ ህዝባዊ ተቃውሞ ተኸቲሉ እዩ ተመሓላሊፉ።
ኣማዞን ነቲ ዋንነቱ ዝኾነ ገጽ ዘላሊ ቴክኖሎጂ ደው ኣቢልዎ ዘሎ፡ ሓገግቲ ኣካልት ኣሜሪካ እቲ ቴክኖሎጂ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ክውዕል ከምዘለዎ መቆጻጸሪ ዝኸውን ሕጊ ኣርቂቆም ክሳብ ዘጽድቁ ምኳኑ ገሊጹ።
ኣማዞን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "መንግስቲ ስነ ምግባራዊ ዝኾነ ኣግባብ ኣጠቃቕማ እዚ ተክኖሎጂ ንክኽተል ጉባኤ (ኮንግረስ) በዳሂ ዝኾነ ሕጊ ከውጽእ ንጽበ" ኢሉ።
እቲ መግልጺ ብምስዓብ "እዚ ተጠቃምነት እዚ ቴክኖሎጂ ንሓደ ዓመት ኢና ደው ከነብሎ፡ እዚ ሓደ ዓመት ከኣ እቲ ጉባኤ እኹል ግዜ ረኺቡ ንክኻታዕን ሓጋጋት ከጽድቅን ዕድል ዝፈጥር'ዩ"
እንተኾነ ትካል ኣማዞን እተን ንዘይሕጋውያን ምስግጋር ደቂ ሰባት ኣብ ምክትታል ዝነጥፋ ትካላት ነዚ ገጽ ዘላሉ ተክኖሊጂ ክጥቀማሉ ከምዘፍቅድ ሓቢሩ ኣሎ።
እዚ ተክኖሎጂ እዚ 'ኣርተፊሻል ቴክኖሎጂ' ተጠቂሙ ገጽ ሰብ ዘለሊ ኮይኑ፡ መጽናዕትታት ግን ኣብ ጸለምቲ ሰባት ዕውት ከምዘይኮነን ግጉይ ሓበሬታ ከምዝህብን እዮም ዝገልጽዎ።