ኣብዚ እዋን ለበዳ ንጀርመናውያን እትሕግዝ ዘላ ኢትዮጵያዊት

ኣብ ኢትዮጵያ ዶክተር ምጽላል ብዝብል እዩ ሰብ ዝፈልጣ። በዓል ገዛኣ ኣብ ዝውለደሉ ጀርመን፡ ኣስማት ምትሕውዋስ ልሙድ ለዝኾነ፡ ናይ ኣቦኣ ስም'ውን ከይትስእኖ ሰለዝደለየት፤ ምፅላል ክፍለየሱስ ማቺ እያ ኣቢላ።

ዶክተር ምጽላል ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንጀርመናውያን ንምሕጋዝ ጻዕሪ እናገበረት እያ። ገለ ንዘቕረብናላ ሕቶ ዝሃበትና መልሲ ከምዘሎ ክነቕርበልኩም።

ህጻን ኮይነ ኲናት ደው ኣብ ምባል ክሰርሕ ይምነ ነይረ። ኣብ 21 ዓመተይ ድማ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ምቁጽጻር ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ውግእ ተቖጺረ።

ኣባል ሃገራት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ምምዕባል ኬሚካላዊ መሳርሒ ውግእ ደው ንምባል ክፍርማ ኣብ ምግር ተሳቲፈ እየ።

ኣብቲ ስራሕ፡ ብሕታዊት ኢትዮጵያዊት ጓል ኣነስተይቲ እየ ነይረ።

ሕዚ'ውን ኬሚካላዊ ን ባዮሎጂካውን ኣጽዋር ኲናት ክጠፍኡ እየ ዝሰርሕ።

ኣብዚ እዋን ከኣ፡ ትኹረተይ ንእሽቶ ቅይር ኣቢለ፡ ኣብ ኣዝርእቲ ሕርሻ ይሰርሕ ኣለኹ።

ምስ ሓረስቶት ሓቢረ ብምስራሕ፡ ኣዝርእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጀርመንን ኢትዮጵያን ቅቡልነት ክህልዎም ገይረ እየ።

ምስ ኮሮናቫይረስ ዝተኣሳሰር እንታይ ሰሪሓ?

ሕዚ ድማ፡ ምስ ኮሮናቫይረስ ብዝተኣሳሰር እቲ ለበዳ ካብ ዝረአ ጀሚሩ፡ 'ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኣብ ኮሮናቫይረስ' ከምኡ'ውን 'ኢነር ጀርኒ' ብዝተብሃሉ ክልተ ናይ ዩቱብ ገጻት፡ ሓበሬታ ብነጻ ክወሃብ ይገብር ኣለኹ።

ናብዚ ዝኣተኹ ካብ መሬት ተልዒለ ኣይኮንኩን።

ኣብዚ ኣብ ጀርመን ዝነበሩ ዶካትር ኣብ ጣልያንን ስፔንን ንዘጋጠመ ምስረአዩ፡ ኣብ ተሰናቢዶም ነይሮም።

ቅድሚ ሕዚ ብዛዕባ ውሽጣዊ (መንፈሳዊ) ሰላም፡ ብሳይንስ ዝተደገፉ ዘረባታት ኣስሚዐ ነይረ።

ብኡ ምኽንያት ድማ፡ ነዚ እዋን ዝሕግዝ ከምዚ ዓይነት ጻዕርታት ክገብር ሕቶ ቀሪቡለይ።

ነቲ ሕቶ ኣወንታዊ ምላሽ ብምሃብ እየ እዚ ብዩቱብ ከፊተ ጀሚረዮ።

ፈላማይ ዝርርበይ፡ 'ፍርሒ ብኸመይ ምምብዳይ ይከኣል?' ዝብል እዩ። ሳይንስን መንፈሳዊነትን ሓቢሮም ዝኸዱ እዮም ኢለ እየ ዝኣምን።

ብዙሓት መንፈሳዊ ተባሂሎም ዝእመነሎም ሓሳባት፡ ብሳይንስ ምርዳእ ይከኣል እዩ።

ኣይንስተይን ንውላዱ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ፍርሒ ምስዓር ዝከኣል ብፍቕሪ ከምዝኾነ እዩ ዝገለጸ።

ብምዃኑ'ውን፡ እዚ ምስ ገበርኩ ካብ ብዙሓት ምስግና በጺሑኒ።

ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ውሽጣዊ ጉዕዞ እንትዛረብ፡ ብፍላይ ኣብ ዓዲ ዘለዉ ሰባት ብዛዕባ ሃይማኖት ዝገልጽ ዘለኹ እዩ ዝመስሎም።

ይመሳሰል'ዩ 'ምበር ብዛዕባ 'ኤፒጀነቲክስ'፣ 'ኒዩሮሲኖፕሲስ'ን 'ኒዩሮሚረሪንግ'ን ሳይንሳዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ኣርእስቲ እየ ዘልዕል።

ኣባሓጎታትና፡ ብዛዕባ ዝኾነ ሕማም እንትዛረቡ 'እዚ ነገር ካብ ዓሌት ዝመጽአ እዩ' ይብሉ ነይሮም።

ሕዚ'ውን ብዲኤንኤ ከምኡ ተረጋጊጹ እዩ። ብዘርኢ ዝመሓላለፉ ሕማት ከምዘለዉ።

እንተኾነ፡ ሳይንስ ነዞም ሕማማት ምድሓንን ምፍዋስን ከምዝከኣል እዩ ምርምራት ዘሪአና።

እቲ ናተይ ዕላማ ድማ፡ ብሃይማኖታዊ እንተይኮነስ፡ መንፈሳዊ ጉዳያት ምስ ሳይንስ ኣጣሚርካ ምስራሕ ከምዝከኣል እየ ዝምህር ዘለኹ።

ሕማማት ጸቕጢ ደም [ደም ብዝሒ]ን ሽኮርን ብዓሌት ከምዝመጽኡ ሰባት ይኣምኑ እዮም።

ናይ ኣእምሮ ጸገማት'ውን ከምኡ ብዓሌት ክመጽኡ ይኽእሉ እዮም። ሓደ ሰብ ከይተወለደ'ውን እቶም ጸገማት ክረአዩዎ ይኽእሉ እዮም።

ሓደ ሓደ እዋን ድማ፡ ኩነታት እንተዘይፈቒድሎም ዘይክረአዩ'ውን ይኽእሉ።

ብዙሕ ጊዘ ግን፡ ኣብ እዋን ጭንቅን ሃሰያን እዮም ዝለዓሉ።

ኣብ ባህልና፡ ናይ ኣእምሮ ጸገም ናይ ምሽፍፋን ልምዲ እዩ ዘለና። እዚ ልክዕ ኣይኮነን።

ገለ ጸገማት ከጋጥመና እንተሎ፡ ናብ ማይ ጸሎትን ናብ ጸሎትን ኢና ንኸድ።

እዚ ጸገም ዘለዎ ኣይኮነን። ይኹን'ምበር መንፈሳዊነት፥ ሳይንሳዊ ምዃኑ ኣሚንና ክነዘውትሮ ይግባእ እየ ዝብል።

ብፍላይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ውሽጣዊ 'ትራንስፎርሜሽን' ዝሓቱ ኩነታት እዮም ዝበዝሑ ዘለዉ።

ብፍላይ ኣብ ጀርመን ምስ ተዘክሮታት ኲናት ተኣሳሲሩ ብዙሕ ዘጨንቑ ነገራት ኣለዉ።

ከምዚ ዓይነት ለመበዳ እንትመጽእ ድማ ይበኣኣስ ከማለት እዩ። ብፍላይ ሰባት ካብ ስረሖም እንትባረሩ፥ ናብ ጉድጓድ ዝኣተዉ መሲሉ ክስመዖም ይኽእል እዩ።

ነዚ እዩ ድማ መንፈሳዊ ሓገዝ ዘድልዮም። ንሱ እየ ዝሰርሕ ዘለኹ።