ጋንታታት ኩዕሶ ጀርመን፡ ንተቓውሞ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ድጋፈን ገሊጸን

ኣብ ቡንደስሊጋ ጀርመን ዝጻወታ ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ጀርመን፡ ንተቓውሞታት ጸለምቲ ኣመሪካውያን ዘለወን ድጋፍ ገሊጸን።

ተጻወትቲ እተን ጋንታታት፡ ብቀዳም ብዝተፈላለየ ሜላ ንጸለምቲ ኣመሪካውያን ድጋፎም ገሊጾም።

ተጻወትቲ ቦሩስያ ዶርትመንድ ከምኡ ድማ ሄርዛ በርሊን፡ ቅድሚ ጸወታ ምጅማሮም፡ ኣብ ማእኸል ሜዳ ብምንብርካኽ ድጋፎም ኣርእዮም።

ተጻወትቲ ጋንታ ዶርትመንድ ዝተፈላለየ መልእኽቲ ዝተጽሓፎም ማልያትት'ውን ተኸዲኖም ነይሮም።

"ፍትሒ እንተዘየሎ፡ ሰላም የለን" ከምኡ ድማ "ብሓባር ደው ንበል" ዝብል መልእኽትታት ዝሓዙ ማልያታት እዮም ተኸዲኖም።

ተጻወትቲ ባየርን ሙኒክ እውን፡ ኣብቲ ምስ ባየር ሊቨርኩሰን ዝገበርዎን 4 ን 2 ዝተዓወቱሉን ጸወታ፡ ዓሌታውነት ዝኹንን ጽሑፍ ዘለዎ ማልያ ተኸዲኖም ተራእዮም።

ኣብዚ ሰሙን እዚ፡ ከም ሰሬና ዊልያምስ ዝኣመሰሉ ብዙሓት ውሩያት ስፖርተኛታት፡ ነቲ ኣብ ኣመሪካ ዘሎ ኣንጻር ጸለምቲ ዘቕነዐ ናይ ፖሊስ ጭካነ ብምቅዋም ድምጽታቶም ኣስሚዖም እዮም።

ጸሊም ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ፡ ክሳዱ ብጻዕዳ ፖሊስ ተረጊጹ ካብ ዝመውት፡ 12 መዓልቲ ገይሩ።

ኣብ ኣመሪካ፡ ድሕሪ ሞት ፍሎይድ ዝተጀመረ ተቓውሞታት ግን ቀጺሉ'ሎ።

ኣብ ምላእ እታ ሃገር፡ ዓሌታውነትን ጭካነ ፖሊስን ብምቅዋም፡ ዓበይቲ ሰላማዊ ሰልፍታት ተኻይዶም።

ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ፡ ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት እዮም ወጺኦም። ኣብታ ከተማ ካብ ዝተኻየዱ ተቓውሞታት እቲ ዝዓበየ ድማ እዩ። ፖሊስ፡ ናብ ዋይት ሃውስ ዝወስዱ መገድታት ክዓጽዉ ተራእዮም።

ኣብ ካልኦት ሃገራት'ውን፡ ተመሳሳሊ ሰላማዊ ሰልፍታት ተገይሮም እዮም።