'ፈጣሪ የለን ኢልና ኣብ ፌስቡክ ብምጽሓፍና፡ ክንቀትለኩም ኢና ይብሉና'

ኣብ ቅድሚ ኮምፒዩተር ዝተቐመጡ ሰባት

ሶማልያውያን እዮም፤ ብህላወ ፈጣሪ ኣይኣምኑን። ኣብ ወጻኢ ኮይኖም ዘመሓድርዎ ናይ ፌስቡክ ጉጅለ ኣለዎም።

ኣብዚ ፌስቡኮም፡ ኣብ ልዕሊ እስላማዊ እምነታት ሕብረተሰቦም ሕቶታት እናልዓሉ ይሙግቱ። በዚ ድማ፡ ምፍርራሓትን 'ክንቀትለኩም ኢና' ዝብል መልእኽትታትን ከምዝበጽሖም ይዛረቡ።

ኣብ ካናዳ ዝነብር ኣያንሌ ዝበሃል ኣባል ናይዚ ጉጅለ "ክረኽበካ እየ፤ ክቐትለካ እየ። ክሳድካ እየ ዝቖርጸካ" ዝብል መፈራርሒ በጺሕዎ እዩ።

"እዚ ልሙድ እዩ" ይብል፡ ነዚ ናይ ፌስቡክ ገጽ ካብ ዝኸፈትዎ ሓደ ዝኾነ ሶማላዊ።

እዚ ናይ ፌስቡክ ጉጅለ፡ ልዕሊ 80,000 ኣባላት ኣለውዎ። እቶም መራሕቲ ድማ መብዛሕተኦም ብህላወ ፈጣሪ ዘይኣምኑን፡ ንርእሶም "ሙስሊም ነበር" እናበሉ ዝጽውዑን እዮም።

ፈለማ፡ ኣብ ጉዳይ ሃይማኖት ናጻ ዘተታት ንምግባር እዩ እዚ ጉጅለ ተኸፊቱ። ኣብዚ እዋን ግን፡ ንስለ ናጽነት ኣብ ባህሊ ሶማል ተጓኒዮም ዝብሉዎም ኩሎም ጉጅለታት እዮም ዝጉስሱሱ።

ኣያንሌ ምሉእ ስሙ ክዛረብ ኣይደለየን፡ እቲ ምንቅስቓስ ከመይ ከምዝጀመረ ግን የብርህ።

ካብ ሓደ ጉጅለ ተሰጒገ

ኣብ 2016 ኣቢሉ፡ ናጻ ሓሳብካ ክትገልጸሉን ክትካተዓሉን ትኽእል ኢኻ ናብ ዝተብሃሎ ሓደ ናይ ሶማላውያን ገጽ ይኣቱ።

"ናይ ሃይማኖት ዘተ ምስጀመርኩ ኩሎም ተቖጢዖም። ተጸሊሎም። ሰብ ዝቐተልኩ ኮይኑ ክስመዓኒ ገይሮምኒ" ይብል።

ሽዑ ንሽዑ ካብቲ ጉጅለ ኣልዮምዎ።

'ሓድሽ ናጻ መድረኽ'

ድሕሪ'ዚ፡ ኣያንሌ ሓድሽ መድረኽ ዘተ ክፈጥር ከምዘለዎ ኣሚኑ። "እዚ ጉጅለ ድማ ሰባት ድላዮም ሓሳብ ዝገልጽሉ ክኸውን ደልየ" ይብል።

ኣብ ሶማልያ ብዛዕባ ሃይማኖት ዘተ ምግባር ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኸበደ ይመጽእ ኣሎ ዝብል እምነት እዩ ዘለዎ።

"እስልምና ዘይትንከፍ እዩ። ብዛዕባ እስልምና ክትነቅፍ ኮነ ክትዛረብ ኣይትኽእልን" ይብል።

"ሕጂ ግን መናእሰይ እናተቐየሩ ይመጽእ ኣለዉ። ቁሩብ ክትዕን ነቐፌታን ይለምዱ ኣለዉ" ዝብል እምነት ኣለዎ።

"እንተኾነ፡ እቶም ኣብ ሶማልያ ዓብዮም፡ ኣብ ግዜ ኩናትን ድሕሪኡን ናብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝመጽኡ ሶማላውያን ግና፡ ዝኾነ ሰብ ንእስልምና እንተነቒፉ ክቕተል ኣለዎ ኢሎም እዮም ዝኣምኑ" ይብል።

ነዚ ኸኣ እዩ 'ክንቀትለኩም ኢና' ዝብል መፈራርሕታት ምምጽኡ 'ልሙድ እዩ' ዝብልዎ።