ናይጀርያ፡ ንሓደ ቀሺ 50 ግዜ ዝገረፈ ኣማሓዳሪ ከባቢ

ኣብ ናይጀርያ፡ ንኣማሓዳሪ ሓደ ከባቢ ጽርግያታት ብዘይምስራሕካ ግቡእካ ኣይፈጸምካን ኢሉ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ዝነቐፈ ቀሺ፡ ንልዕሊ ክልተ ሰዓት ዝኸውን ብምቕጥቃጥ ከምዘሳቐይዎ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እቲ ኦኮቺ ኦቢኒ ዝተባህለ ቀሺ፡ እቲ ኣማሓዳሪ ንኣኼባ ከምዝጸወዖ ገሊጹ።

እንተኾነ ግን፡ እቲ ኣማሓዳሪ፡ "ኣንቃዕሪርካ በጥ በል ኢሉኒ። ካብኡ ኢደይ ንድሕሪት ኣሲሮም 50 ግዜ ገሪፎምኒ። ቀጺሉ ኣብ ረሳሕ ማይ ንኽልተ ሰዓት ዝኸውን በጥ ከምዝብል ገይሮምኒ" ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እቶም ምስቲ ኣማሓዳሪ ኮይኖም ብጭካነ ዝገርፍዎ ዝነበሩ ድማ፡ ነቲ ንሱ ዝጸሓፎ፡ ሓቂ ከምዘይኮነ ብሓይሊ ከምዘእመንዎ ገሊጹ።

"ኣብዚ እዋን ኣብ ሆስፒታል እየ ዘሎኹ። ኢደይ ኣዝዩ ተጎዲኡ'ዩ ዘሎ" ድማ ይብል።

ወጻኢታት እቲ ሆስፒታል፡ ገለ ካብ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተሸፈነን ዝተረፈ ድማ ካብ ጅብኡ ከምዝኸፈሎን ገሊጹ።

እቲ ዝተዘርገሓ ቪድዮ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ብዙሕ ቁጥዐ ከምዝፈጠረን፡ ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ነይርዎም ዝተባህሉ 10 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዱ ኣትዮም ከምዘለው ተገሊጹ።