እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ካብ ክልተ ባንክታት ክዝመት ተሓሲቡ ዝነበረ 390 ሚሊዮን ብር
ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል፡ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ክልተ ዝተፈላለዩ ባንክታት ኢትዮጵያ፡ 390 ሚሊዮን ብር ንምጉሓል መዲቦም ዝነበሩ ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተወ ኣፍሊጡ።
ዳይሬክተር መርመራ ጉዳያት ብልሽውና ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል፡ ኮማንደር ታደሰ ኣያሌው ንሃገራዊ ቴሌቪዥን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ዝተፈላለዩ ውልቀሰባት ምስ ሰራሕተኛታት ባንኪ ብምሽራኽ፡ ኣብ ኢንተርናሽናል ባንኪ ኦሮሚያን ባንኪ ንግዲ ኢንትዮጵያን ካብ ዝነበረ ሒሳብ ባንኪ ክልተ ውልቀሰባት ብዙሕ ገንዘብ ክጉሕሉ ፈቲኖም ነይሮም ኢሉ።
እቲ ኣብ ኢንተርናሽናል ባንኪ ኦሮሚያ ጨንፈር ኮራ ተፈጺሙ ዝተባህለ ገበን፡ ካብ ሕሳብ ሓደ ኣብ ጀርመን ዝነብር ዓሚል ገንዘብ ብምውጻእ እዩ ተፈጺሙ።
ኣካያዲ ስራሕ እቲ ባንኪን ካልኦት ሰራሕተኛታት ኢትዮ-ቴሌኮምን ኣብዚ ጉዳይ ኢድ ክህልዎም ከምዝኽእል ጥርጣረ ከምዘለዎ ፖሊስ ዝገለጸ ኾይኑ፡ እቲ ገበን ናይ ሓሶት መረዳእታ ብምጥቃም ዝተፈጸመ እዩ ተባሂሉ።
ኮማንደር ታደሰ ኣያሌው ንኢቲቪ ከም ዝበሎ፡ እቲ ኣብ ጀርመን ዝቕመጥ ዓሚል ናይቲ ባንኪ፡ ኣብ ሕሳቡ 356 ሚሊዮን ብር ነይርዎ።
ናይዚ ዓሚል ገንዘብ ብዝግባእ ከምዘጽነዐ ዝተገለጸ ጥርጡር፡ ምስ ኣካያዲ ስራሕ እቲ ባንኪ ተሻሪኹ፡ ናይ ሓሶት መዘወሪ ፍቓድን መለለዪ መንነትን ሒዙ ነቲ ሓቀኛ ዓሚል መሲሉ ብምቕራብ፡ ኣብ ክልተ ሻዕ፡ ኣስታት 25 ሚሊዮን ብር ካብቲ ባንኪ ኣውጺኡ።
እቲ ጥርጡር፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ቀይዲ ዘይኣተወ ካልእ መሻርኽቲ'ውን ነይርዎ ተባሂሉ። ነቲ መሻርክቱ ስም ናይቲ ሓቀኛ ዓሚል ተጠቒሙ ውክልና ብምሃብ፡ 30 ሚሊዮን ብር ከምዘውጽኡ'ውን ፖሊስ ገሊጹ።
ኣካያዲ ስራሕ እቲ ባንኪ'ውን፡ ንምትሕብባሩ ልዕሊ 7 ሚሊዮን ቅርሺ ተዋሂቡዎ እዩ ክብል ፖሊስ ብገበን ዝጠርጠሮ ኮይኑ፡ ካብቲ ባንኪ ካብ ዘውጽኡዎ 55 ሚሊዮን ብር፡ ብስም ዝተፈላለዩ ሰባት ካብ ዘቐመጥዎ ከም ዝተኣገደ ኮማንደር ታደሰ ኣያሌው ተዛሪቡ።
"ኣስታት 39 ሚሊዮን ብር ብናይ ዝተፈላለዩ ሰባት ስም ኣብ ዝተፈላለየ ባንኪ ተቐሚጡ ዝነበረ ገንዘብ ኣጊድናዮ ኢና። ክልተ መንበሪ ኣባይቲ'ውን ብቤት ፍርዲ ክእገድ ገይርና ኣለና" ኢሉ እቲ ኮማንደር።
ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ጨንፈር ስሉልታ፡ ነባርነታ ኣብ ዱባይ ዝኾነት ሓንቲ ዓሚል፡ ኣብ ሕሳባ ዘቐመጠቶ 34 ሚሊዮን ብር ኣውጺኡ ኣብ ካልእ ጨንፈር ዘቐመጠ ሓደ ውልቀሰብ'ውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ።
"400 ሽሕ ብር ወጺኡ ምስ ጠፍአ፡ ካልእ ገንዘብ ከይተንቀሳቐሰ ኣጊድናዮ፡ እቲ ገንዘብ ኣታዊ ዝተገበረሎም ሰባትን ኣካያዲ ስራሕ ናይቲ ጨንፈርን ኣብ ቀይዲ ኣእቲና" ኢሉ ኮማንደር ታደሰ።
እዚ ገበን፤ መንግስትን ሓይልታት ጸጥታን ኣብዚ እዋን ቆላሕተኦም ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ምክልኻል እዩ ብዝብል፤ እቶም ጥርጡራት ኣሰርና ኣይርከብን ኢሎም ዝፈጸሙዎ እዩ ክብል እቲ ኮማንደር ገሊጹ።
እቶም ዝስረቑ ዘለው፡ ንነዊሕ እዋን ከይተንቀሳቐሱ ዝጸንሑ ናይ ባንኪ ሕሳባት እዮም ብምባል፡ ፖሊስ ባንክታት ጥንቃቐ ክገብራ ምዒዱ።
ክሳብ ሕጂ፡ ምስ'ዚ ገበናት ብዝተኣሳሰር ዝተጠርጠሩ 10 ውልቀሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ምጽራይ ተጀሚሩ ኣሎ።