እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቴሌቪዥን ኦሮሚያ ዘረባ ለማ መገርሳ ኣየሕልፍን ምባሉ የካትዕ ኣሎ
ብክልል መንግስቲ ኦሮሚያ ዝውነን ኦሮሚያ ብሮድካስቲንግ ኔትወርክ (ኦቢኤን) ዝበሃል መደብር ቴሌቪዥን፡ ዘረባ ለማ መገርሳ ኣየሕልፍን ምባሉ የካትዕ ኣሎ።
ፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ ዝነበረን፡ ኣብዚ እዋን ድማ ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝኾነን ለማ መገርሳ ካብ ሚድያታት ካብ ዝርሕቕ ነዊሕ ጸኒሑ።
ዝሓለፈ ረቡዕ ግን፡ ኣብ ከተማ ኣዳማ ኣብ ቀብሪ ሓደ ፍሉጥ በዓልሃብቲ ኦሮሞ ተረኺቡ ሕጽር ዝበለ መደረ ገይሩ ነይሩ።
እቲ መደብር ቴሌቪዥን፡ ብዛዕባ እቲ ቀብሪ ዛንታ ክሰርሕ ከሎ ግን፡ ንዘረባ ኣይተ ለማ መገርሳ ቆሪጹ ምትራፉ ኣብ ጋዜጠኛታት እቲ ትካል ቅረታ ከምዘሕደረ ይግለጽ።
ስሞም ክጽራሕ ዘይደልዩ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ከምዝበልዎ ድማ፡ ዘረባ ለማ መገርሳ "ካብ ላዕለዋይ ኣካል ብዝመጸ ትእዛዝ" እዩ ተቖሪጹ።
ዘረባ ለማ መገርሳ፡ ዝኾነ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ'ኳ ዘይብሉ እንተኾነ፤ ቅድም ኢሉ'ውን እቲ ትካል ናይ ገለ ሰባት ድምጽን ምስልን ከይሓልፍ ከምዝኽልክል ኣብቲ ትካል ዝሰርሕ ነባር ጋዜጠኛ ይዛረብ።
እዚ ድማ ብፖለቲካዊ ውሳነ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።
ኣባል ቦርድ ናይቲ መደብር ቴሌቪዥንን፡ ሓላፊ ኮሚዩኒኬሽን ኦሮሚያን ጌታቸው ባልቻ ንቢቢሲ ክዛረብ እንከሎ፡ 'ዘረባ ለማ መገርሳ በቲ ቴሌቪዥን ከይሓልፍ ከምዝተኸልከለ ዝፈልጦ የብለይን እንተኾነ እቲ ጉዳይ ክጻረ እዩ' ኢሉ።
ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት፡ እቲ ቦርድ ከምዘይተዘራረበሉ ድማ ገሊጹ።
"በቲ ሞያ መሰረት ናይ ኣርትዖት ስራሕ ደኣ እዩ ዝስራሕ'ምበር ናይ ክስቶ ድምጺ ይሕለፍ ናይ ክስቶ ይትረፍ ዝብል ሰብ የለን" ኢሉ።
ኣብ ኢትዮጵያ ንዝመጸ ለውጢ መሪሕነት ኣብ ቅድሚት ኮይኖም ካብ ዝሃንደሱ ሓደ ምዃኑ ክንገረሉ ዝጸንሐን፡ ብኣፍ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብተደጋጋሚ ክውደስ ዝተርኣየን ለማ መገርሳ፡ ድሕሪ ግዜ ግን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ከምዘይተሳነየ እዩ ዝግለጽ።
ቅድም ክብል፡ ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣቶ ለማ መገርሳ፡ ኣብ ውህደት ኢህወዴግን ፍልስፍና ምድማር እቲ ቀዳማይ ሚነስተርን ከምዘይኣምንን ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ተዛሪቡ ነይሩ።
ንሱ " እቲ ምውሃድ ልክዕ ኣይኮነን፤ እንተኾይኑ'ውን ተሃዊኽካ ክኸውን የብሉን። ወቕቱ 'ውን ኣይኮነን'' ኢሉ ነይሩ። ብተወሳኺ ምድማር ብዝበሃል ፍልስፍና 'ውን ከምዘይሰማመዐሉ ተዛሪቡ ነይሩ።
ነቲ ቃለመሕተት ምስሃበ ድሕሪ ሰሙናት ግን፤ ኣቶ ለማ ምስ ውድብ ብርጽግና ሓቢሩ ነቲ ለውጢ ከቐጽሎ ምዃኑን፡ ምስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝነበሮም ናይ ሓሳብ ፍልልያት ኮፍ ኢሎም ብምዝርራብ ከምዝፈትሕዎን ተገሊጹ ነይሩ።
እንተኾነ፤ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ፍልልይ ኮነ ሰነያ ሕዚ'ውን ንጹር ኣእኮነን። ኣይተ ለማ መገርሳ'ውን ካብ ሚድያን ካብ ኣደባባይን ካብ ዝጠፍእ ነዊሕ ኮይንዎ ኣሎ።