ኣደ ስውእ ተጋዳላይ ኣግኣዚ፡ ማማ ኪሮስ፡ ብነባራት ተጋደልቲ እንትዝከራ

ኣደ መስራቲ ህወሓት ስውእ ተጋዳላይ ኣግኣዚ፡ ማማ ኪሮስ ትማሊ 22 ሚያዝያ 2012 ዓ.ም [ኢትዮጵያ] ኣብ 92 ዕድሚአን ዓሪፈን።

ስነ ስርዓት ቀብረን ድማ፡ ኣብ ከተማ ውቕሮ ክልተኣውላዕሎ፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን ኣቡነ ኣረጋዊ ደብረጽጌ ተፈጺሙ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ነበር፡ ኣምባሳደር ስዩም መስፍን፣ ነባር ተጋዳላይ ኣባይ ጸሃየ፣ ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ትግራይ፡ መኮንን ካሕሳይን (ጽምብላ) ካልኦት ሓለፍቲ መንግስትን ስድራ ተጋደልትን ኣብቲ ሰርዓተ ቀብሪ ተረኺቦም ኣኽሊል ዕምበባ ከምዘንበሩ ምንጭታት ቢቢሲ ሓቢሮም።

ተዘክሮ ሃለቃ ታደል

ሓደ ካብቶም ነባራት ተጋደልቲ ህወሓት ሃለቃ ታደል ኣለምሰገድ፡ [ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኢትዮጵያ ዝነበሩ] ብዛዕባ ኣግኣዚ ብፃያዊ ምስክርነት ይህቡ።

ሃለቃ ታደል ብ1957 ዓ.ም ኣብ ከተማ ውቕሮ ክልተኣውላዕሎ ተምሃራይ ቀዳማይ ብርኪ ነይሮም።

ሻቡ ተጋሩ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ እናመፅኡ ትምህርታዊ ሓገዝ ይህብዎም ነበሩ።

ኣብቲ ጊዜ ራብዓይ ዓመት ተምሃራይ ሕጊ ዝነበረ ዘርኡ ገሰሰ(ኣግኣዚ) ዝነግሮም ዝነበረ ቁምነገር ካብ ዓይነ ሕልነኦም ኣይጠፈአን።

"ተጋሩ ታሪኽና ተደምሲሱ፣ ቋንቋና ጠፊኡ፣ ባህልና ሃሲሱ፣ ኣርዑት ጭቆና ኣብ ዝባንና ሰፊሩ፤ ሕብረተሰብና ሕራነ ጠኒሱ'ሎ፤ ወነ ህዝብኹም ተረድኡ" ብምባል ይምህረና ነይሩ እንትብሉ ነቲ ሻቡ ዘርኡ ገሰሰ ዘሕልፎ ዝነበረን ክሳብ እዛ ሎምዓልቲ ዘይረሰዕዎ ኣስተምህርኡን ይዝክሩ።

4 መስከረም 1968 ዓ.ም ሃለቃ ታደል ኣለምሰገድ ኣብ ወረዳ ፅራእ ሓላፊ ክፍሊ ሕርሻ ኰይኖም ኣብ ዝሰርሕሉ ዝነበሩ እዋን ሓደ ነገር የጓንፎም።

ኣብ ከተማ ኣጉላዕ ሓረስቶት ኣኪቦም እኽሊ ኣብ ዝዕድልሉ እዋን ሓደ ካህን ካብ ደንጎሎ (ውቕሮ) ተላኢኾም ከምዝመፅኡ እሞ ንሃለቃ ታደል በይኖም ክረኽብዎም ከምዝደለዩ ይዳሃይዎም።

ሃለቃ ታደል ስራሕ ኣቋሪፆም ነቶም ካህን ናብ ሓደ ገዛ ወሲዶም ንበይኖም የዛርብዎም።

እቶም ካህን፡ እቲ ቅድሚ ሎሚ ዝፈልጥዎ፡ ዳሓር ናብ ሜዳ ዝወፈረ ተጋዳላይ ዘርኡ ገሰሰ (ኣግኣዚ) ኰይኑ ይረኽብዎ።

ንሃለቃ ታደለ ክሰርዕ እዩ መፂኡ፤ ካብታ ዕለት እቲኣ ኣትሒዞም ስርዒት ተሓህት ኰይኖም ሕቡእ ቃልሲ ጀሚሮም።

"ኣግኣዚ ደፋር እዩ፤ እታ ዝሓዛ ንምፍፃም ንህይወቱ ኣይስስዕን፤ ብህይወት ክፀንሕ ከይበለ ተዓዊተ ክስዋእ ኢሉ ብድፍረት ይወፍር። ኣግኣዚ ቅድሚ ምስውኡ ዝተሰወአ ጅግና እዩ" ብምባል ይገልፅዎ።

ወላዲቱ ወይዘሮ ኪሮስ ኣብ ከተማ ውቕሮ ሓለቓ ሓምሳ ፖሊስ እየን ነይረን። ንወላዲቱ እውን ብቓልሲ ፀልይወን እዩ።

"ንሰን ተባዕ ሓርበኛ እየን ነይረን፤ ኣግኣዚ ገፅ ርአ ኣይነበረን፤ ድፍረት ካብ ኣዲኡ እዩ ተማሂርዎ" ይብሉ ሃለቃ ታደል።

ተጋዳላይ ሃለቃ ታደል ኣለምሰገድ፡ ብድሕሪኡ ኣግኣዚ ምስ ተጋዳይ ስዩም መስፍን ናብ እንዳ ወላዲት ኣግኣዚ ናብ ውቕሮ ኣብ ዝመፅእሉ እዋን ተራኺቦም ምንባሮም ይዝክሩ።

ኰይኑ ግና ናብ በረኻ ናብ ምግዳል እንተይወፅኡ መስዋእቲ ኣግኣዚ ሰሚዖም።

"ጅግና ሞይቱ እንትበሃል ዝበዝሕ ሰብ ይርዕድ፤ ንሕና ግና ከምታ ዘምህረና ዝነበረ፡ ብሕራነ ኣሰሩ ስዒብና ተጋዲልና" ኢሎም የዘንትዉ።

'ኣግኣዚ ድርኡስ ክስዋእ እንድዩ ወጺኡ'

ኣግኣዚ ካብቶም ዕጥቃዊ ቃልሲ ህወሓት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝጠጀው፡ ሸውዓተ ኣባላት ማህበረ ገስገስቲ ብሄረ ትግራይ ሓደ እዩ።

ኣብ 1967 ዓ.ም፡ ንወደን ኣግኣዚ ንክረኽባ ንበረኻ ደደቢት ኣብ ዝኸዳሉ እዋን፤ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ተጋደልቲ፡ 10 ስረ ምስ ጅብኡን፣ ምስ ተመላጠጥ ሳእኒን ወረንጥኡን መርፍኡን ሒዘናሎም ከምዝኸዳ ነባራት ተጋደልቲ ይዝክሩ።

ወደን ኣግኣዚ እንተፋንወን፡ "ድሕሪ ሕዚ ወዲ በይንኺ ኣይኮንኩን፤ ወዲ ኹሉ ህዝቢ ትግራይ እየ" ከምዝበለን ምስ መንግስታዊ ሚድያ ኣብ ዝገበርኦ ቃለ መሕትተን ተዛሪበን ነይረን።

ኣግኣዚ፡ ኣብ መወዳእታ 1968 ዓ.ም ኣብ ውቕሮ ማራይ ምስ ዕጡቓት ደርጊ ገጢሙ ምስተሰወአ፡ ወተሃደራት ደርጊ ኣዲኡን ኣኩኡን ይነብርሉ ናብ ዝነበሩ፡ ከተማ ኣክሱም ሬስኡ ብምውሳድ ኣብ ጽርግያ ዘርጊሖምዎ ምስረአያ ድማ፡

"እንታይ እዩሞ ኣግኣዚ እንተሞተ! ድርኡስ ንመስዋእቲ እንድዩ ወጺኡ!" ዝብል ቃለ ሕራነ ከምዝተዛረባ እቶም ነባራት ተጋደልቲ ይዝክሩ።

ህወሓት ካብቶም ዓበይቲ ስርሒታቱ ቀንዲ ዝብሎን ልዕሊ ሓደ ሽሕ እሱራት፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ መቐለ [ውህንቤት] ነጻ ዘውጸአሉን፡ ተጋዳላይ ሓየሎም ኣርኣያ ዝመርሖ ስርሒት ፡ ኦፕሬሽን ኣግኣዚ ተባሂሉ እዩ ተሰይሙ።

ማማ ኪሮስ ድማ፡ እቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ክሳብ ዝዛዘም ኣባል ስርዒት ከተማ ህወሓት ከምዝነበራ ህይወት ታሪኸን ይሕብር።

ገለ ነባራት ተጋደልቲ፡ ብፍላይ ኣምባሳደር ስዩም መስፍን ደጋጊሞም እናኸዱ የበራትዕወን ከምዝነበሩ ይዝረብ።

ኣደ ስውእ ዘርኡ ገሰሰ (ኣግኣዚ) ጅግንነት ወደን እናዘከራ መስዋእቲ ወደን የስቆንቁና ከምዝነበራ ብቐረባ ዝፈልጥወን ሃለቃ ታደል ይዛረቡ።

ነተን ኣርባዕተ ደቀን ዝተሰውኡወን ኣደታት ኣብነት እናፀርሑ የፀናንዕወን ምንባሮም እውን ይዝክሩ።

ኣደይ ኪሮስ ብሕታዊት ሓፍቱ ንኣግኣዚ ብካድረ ደርግ ምስተቐተለት ንነዊሕ ዓመታት ጓሂ ከርሰን ውሒጠን ነቢረን።

"መንበሪ ገዛአን ኣብ ውቕሮ ንዝርከብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ጅወርግስ ኣረኪበን፤ ጅወርግስ መዓልቲ ስርዓተ ቀብረን ተፈጺሙ" ብምባል ሞት ኣደይ ኪሮስ ይገልፅዎ።

ውልደት ማማ ኪሮስ. . .

ማማ ኪሮስ፡ ካብ ኣቦአን ፊታውራሪ ካሳ ተኽሉን ካብ ኣዲኣን ወይዘሮ ታደለች ውሬታን [ትውልዲ ዓዳቶም ወረዳ ሳዕሲዕ ጻዕዳ እመባ] ብ1920 እየን ተወሊደን።

ማማ ኪሮስ፡ ኣብ ዕድመ ንእስነተን ብሞያ ፖሊስ ኮይነን ዘገልገላ ኾይነን፡ ክሳብ ሓላቓ ሓምሳ በጺሐን ነይረን።

ምስ በዓል ቤተን፡ ሻምበል ገሰሰ ተስፋይ፡ ብሓዳር ድማ ክልተ ቆልዑ ኣፍርዮም፤ ኣግኣዝን ደስታን።