እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ትራምፕ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኣዋጅ ዕጽዋ 'ጠቕሊለ' ክለዕሎ ስልጣን ኣለኒ ኢሉ
ፕሬዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣመሓደርቲ ግዝኣታትን ሰብ ሞያን ዝህቡዎ ዘለዉ ማዕዳ ንጎኒ ብምግዳፍ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኣዋጅ ዕጽዋ 'መሊኡ' ከልዕሎ ስልጣን ከም ዘለዎ ተዛሪቡ።
ትራምፕ ምስ ሪፖርተራት ብርቱዕ ጽልኢ ኣብ ዝገጠመሉ ወሳኒ መግለጺ፡ "ስጉምቲ ክውሰድ ፕሬዝደንት ኣሜሪካ ይጽውዕ" ኢሉ።
እንተኾነ ሕገ መንግስቲ ኣሜሪካ፡ እተን ግዝኣታት ድሕነትን ድልየትን ህዝቢ ዓቂበን ክኸዳ ኣለወን እዩ ዝብል።
ኣብ ምብራቕን ምዕራብን ኣሜሪካ ዘለዋ 10 ግዝኣታት ኣሜሪካ፡ ኩሉ ሰብ ካብ ገዝኡ ክወጽእ የብሉን ዝብል ጽኑዕ ትእዛዝ ከልዕልኦ ይዳለዋ ኣለዋ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን፡ ኣሜሪካ ማእከል ዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኮይና 682 ሽሕን 619 በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ኣለውዋ፤ ካልኦት 23 ሽሕን 608 ድማ ሞይቶም።
ፕሬዝደንት ትራምፕ ግን ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ብዝተፈላለየ መገዲ ዝተዓጸወ ቁጠባ እታ ሃገር ንምብርባር ኩሉ ነገር ንምኽፋት ምድላዋት ወዲእና ኢና ኢሉ።
ሓደ ግንቦት 2020 ድማ እቲ ዕጽዋ ክለዓለሉ፡ ኩሉ ነገር ናብ ንቡር ክምለስ መደብ ዝተትሓዘሉ ግዘ ኮይኑ ኣሎ።
ምምሕዳር ኣሜሪካ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣሜሪካውያን ናብ ሬስቶራንታት ከይኸዱ፣ ኣገደስቲ ዘይኮኑ ጉዕዞታት ደው ከብሉን ልዕሊ 10 ሰባት ኮይኖም ከይእከቡን መምርሒ ዝሃበ ኮይኑ፡ እዚ 30 ሚያዚያ ከብቅዕ እዩ።
ጋዜጠኛታት፡ ግዝኣታት ኣሜሪካ ድሕነት ህዝበን ንምሕላው ዝኣዘዝኦ ኣብ ገዛኹም ኩኑ ዝብል መምርሒ ተመሓላሊፉ ክለዓል ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣለዎ ድዩ ኢሎም ምስ ዝካትዑዎ ድማ፡ "ሓደ ሰብ ፕሬዝደንት እንትኸውን፡ ስልጣን ኩሉ ናቱ'ዩ" ክብል እዩ መሊሱሎም።
"ስልጣን ኩሉ ናቱ'ዩ፤ ኣመሓደርቲ ይፈልጡዎ እዮም፤ ከምዚ እንተበልኩ'ውን ምስተን ግዝኣታት ብሓባር ክንሰርሕ ኢና"።
ሰብ ሞያ ሕጊ ግን፡ እቲ ፕሬዝደንት ብደረጃ ሃገር ይኹን ክልል ጥዕና ሕብረሰተብ ንምሕላው ዝተመሓላለፉ ውሳኔታት ክቕይር ሓላፍነት የብሉን ይብሉ።
ኣመሓደርቲ እንታይ ኢሎም?
ንሳቶም፡ ኮሮናቫይረስ ዝምልከት ዝተመሓላለፉ መምርሒታትን ውሳነታትን ናይ ምልዓል ስልጣን ናትና እዩ ይብሉ።
ኣመሓዳሪ ፔንሲልቫኒያ ቶም ዎልፍ ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ "ኣዋጅ ዕጽዋ ኣብ ምትሕልላፍ ዝነበረና ሓላፍነት ብምርኣይ፤ ንምኽፋት'ውን መሪሕነታዊ ሓላፍነት ዝህልወና ንሕና ኢና" ኢሉ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣመሓደርቲ ግዝኣታት ኣሜሪካ፡ ካብ ምምሕዳር ትራምፕ ዝኾነ ዓይነት ሓገዝ ከይደለዩ ንብሕቶም ቑጠባ እተን ግዝኣታት ከመይ ከነቓቑሑዎ ከም ዝኽእሉ ይዝትዩ ኣለው።
ሰበ ስልጣን ኒውዮርክ፣ ኒው ጀርሲ፣ ደሴት ርሆድ፣ ኮኔክቲከት፣ ዴላዌር፣ ማሳቹሴትስን ፔንሲልቫኒያን፡ ነዚ ዘሎ ኩነታት "ኣዝዩ ብርቱዕ ምስትውዓል" ጌርና ክንመልሶ ኢና ኢሎም ቃል ኣትዮም፤ ግደ ገደብ ግን ኣየቐመጡን።
ኒውዮርክ 190 ሽሕ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ኣለውዋ፤ ካብ ዓለም እቲ ዝለዓለ ቑጽሪ ዝኾነ ሞት ልዕሊ 10 ሽሕ ድማ ተራእዩዋ።
ኣመሓዳሪ ኣንድሪው ኩሞ'ውን ኣብታ ክልል "እቲ ዝኸፍአ ኣብቂዑ'ዩ" ክብል ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ተዛሪቡ።
"ቅድሚ ሕጂ ዋላ ሓደ ሰብ ኣብዚ ኣይነበረን፤ ንኹሉ'ውን መልሲ ኣይነበሮን። ማሕበረሰባዊ ጥዕና ምርግጋጽን ቁጠባኻ ምውሓስን፤ መን'ዩ ዝቕድም? ክልቲኦም ቐዳምነት ዝወሃቦም'ዮም"።
ኣብ ቀረባ ድማ፡ ኣብ ኒውዮርክ ዝተኣወጀ ዕጽዋ ከልዕል መደብ ከም ዘለዎ ተሓቢሩ።
ካሊፎርኒያ፣ ዋሽንግተንን ኦርጎንን እቲ ዕጽዋ ንምኽፋት ሓበራዊ መደብ ከም ዘለወን እንትገልጻ፡ ካልኦት ምስዚአን ተመሳሳሊ መደብ ዘለወን ካብ ማሳቹሴትስ ወጻእ ዘለዋ 10 ክልላት ብዲሞክራት ዝመሓደራ እየን።
ልዕሊ 40 ግዝኣታት ኣሜሪካ ግን፡ መላእ ህዝቢ ካብ ገዝኡ ክወጽእ የብሉን ዝብል ገደብ ኣዊጀን ይርከባ።
ካልኦት ሃገራት ዓለም እንታይ ይገብራ ኣለዋ?
ብደረጃ ዓለም፡ ካብቲ ናይ ዕጽዋ ስጉምቲ ንምውጻእ ዝተፈላለየ መገዲታት ይጥቀማ ኣለዋ።
ንመጀመርታ እዋን ኮሮናቫይረስ ከም ዝተርኣየላ ዝንገር ውሃን፡ ንልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ዝነበረ ዕጽዋ ብኸፊል ኣልዒላቶ።
ስፔን ብወገና፡ 300 ሽሕ ሰራሕተኛታት ናብ ስርሖም ክምለሱ ኣፍቂዳ።
ኣብ ኤውሮጳ ብኮሮናቫይረስ ኣዝያ ዝተጸለወት ጥልያን፡ ኣብዚ ሰሙን ብርክት ዝበሉ ትካላት ንግዲ ናብ ስርሖም ክምልሱ ከተፍቅድ እያ።
ፕሬዝደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፡ እቲ ዕጽዋ ክሳብ 11 ግንቦት ክናዋሕ ከም ዝኽእል እንትገልጽ፤ መንግስቲ ብሪጣኒያ፡ ኣብዚ ሰሙን እቲ ዕጽዋ ዝምልከት ዝኾነ ዓይነት ለውጢ ከም ዘይህሉ ኣፍሊጡ።