እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ኢትዮጵያ ዝኣወጀቶ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ እንታይ ይብል?
ኢትዮጵያ፡ ሕማም ኮሮናቫይረስ (ኮቪድ-19) ንምክልኻል፡ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ዝኣወጀት ኮይና፡ ባይቶ ናይታ ሃገር ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣብታ ሃገር ተግባራዊ ክኸውን ኣጽዲቕዎ ኣሎ።
ዝርዝር ትሕዝቶ፡ ናይቲ ኣዋጅ እንታይን እንታይን ይብል?
1. ንሃይማኖታዊ፣ ኮነ ንማሕበራዊ ዕላማ፡ ንመንግስታዊ ኮነ ንፖለቲካዊ ዕማም፤ ኣምልኾ ኣብ ዝግበረሎም ቦታታት፡ ኣብ ትካላት መንግስቲ፡ ኣብ ሆቴላት፡ ኣብ ዝኾነ መአከቢ ኣዳራሽ 4ን ልዕሊኡን ሰባት ኣብ ሓደ ቦታ ክእከቡ ኣይፈቀድን።
2. ህጹጽ ነገር እንተጋጢሙ፡ ብኮሚቴ ሚኒስተራት፣ በቲ ኮሚቴ ብዝቖሙ ውክልና ዝተውሃቦም ኣብ ክልላት፣ ከተማታትን ወረዳን ዝቖሙ ንኡስ ኮሚቴታት ኣኼባ ንክካየድ ክፍቀድ ይኽእል እዩ።
3. ንሰላምታ ኾነ ንካልእ ዝኾነ ዕላማ ኢድ ንኢድ ምጭብባጥ ክልኩል እዩ።
4. ዝኾነ ናይ ትራንስፖርት ኣገልግሎት ዝህብ መኪና ካብቲ ዝጽዕኖ መጠን ወንበር ልዕሊ ፍርቂ ምጽዓን ክልኩል እዩ።
6. ዝኾነ ናይ ውልቀ መኪና፡ ነቲ ዘዋሪ ከይሓወሰ ካብቲ ወንበር ልዕሊ 50 ምኢታዊት ጽዒኑ ክንቀሳቐስ ኣይፍቀደሉን።
7. ባቡር ኣዲስ ኣበባ ካብቲ ንቡር ናይ ምጽዓን ዓቕሙ ልዕሊ 25 ምኢታዊ ክጽዕን ኣይፍቀደሉን።
8. ባቡር ኢትዮ-ጂቡቲ ካብ ዘለውዎ ወናብር ልዕሊ 50 ምኢታዊት ጽዒኑ ክንቀሳቐስ ኣይፍቀደሉን።
9. ንዝኾነ እሱር ኣብ ቤት-ህንጸት ኮነ ኣብ መደብር ፖሊስ ከይድካ ምሕታት ክልኩል እዩ። [እንተኾነ፤ ምስቲ እሱር ብኣካል ከይተራኸብካ ቀለብ ምብጻሕ ግን ፍቑድ እዩ]
10. ኣብ እንዳመስተን ትልሂትን ዝኾነ መስተን ኣገልግሎት መዘናግዕን ምቕራብ ክልኩል እዩ።
11. ኣብ ዝኾነ ቦታ ናይ ጫትን ሺሻን ኣገልግሎት ምሃብ ክልኩል እዩ።
12. ከም ሲኒማ፣ ተዋስኦን ዝበሉ ኣብ ሓደ ቦታ ሰባት ዝእከቡሎም ናይ መዘናግዒ ኣገልግሎታት ምሃብ ክልኩል እዩ።
13. ሆቴላት፣ ካፌታትን ኣብያተ መግብን ኣገልግሎት ክህባ እንከለዋ፤ ኣብ ሓደ ጠረጴዛ ካብ 3 ሰብ ንላዕሊ ኮፍ ምባል ዝተኸልከለ እዩ።
14. ኣብ ዶባት ካብ ሃገር ምውጻእ ኮነ ምእታው ኩልኩል እዩ። [ግን ድማ ኢትዮጵያውያን ካብ ደገ ክኣትዉ፡ ኮሚቴ ሚኒስተራት ፍቓድ ክህብ ይኽእል እዩ።]
15. ፍቃድ ካብ ዝተውሃቦ ሰብ ወጻኢ፤ ዝኾነ በዓል መዚ ዋላ'ውን በዓልሞያ ፡ ኮቪድ-19 ዝምልከት መንግስቲ ፌደራል ኮነ ክልል ወኪሉ መግለጺ ክህብ ክልኩል እዩ።
16. እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገለጸ ክልከላ፡ ብዛዕባ ዝወጹ ሕግታት ዝምልከት ሞያዊ ትንተና፡ ብሰብሞያ ሕክምና ዝወሃቡ መብርህታት ወይ'ውን ብሚኒስትሪ ጥዕና ንዝወጹ መዓልታዊ ሓበሬታታት ዝምልከት ኣይኮነን።
17. ዝኾነ ናይ መንበሪ ኮነ ናይ ንግዲ ገዛ ኣካራዪ፡ ብድሌት እቲ ተኻራዪ እንተዘይኮይኑ ካብ ገዛ ክወጽእ ወይ'ውን ወሰኽ ክራይ ገዛ ምግባር ክልኩል እዩ።
18. ዝኾነ ብኣዋጅ ቁፍሪ 1156/2011 ዝመሓደሩ ሰራሕተኛታት ዘለውዎም ትካላት፤ ሚኒስትሪ ማሕበራዊ ጉዳያት ካብ ዘቐመጦ ስርዓት ወጻኢ ኣብ ስራሕ ናይ ዘለዉ ሰራሕተኛታት ውዕል ከቋርጹ ኣይኽእሉን።
19. ዝኾነ ናይ ትምህርቲ ትካል፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኮነ ኣብ ካልእ ቦታ፡ መምህራንን ተምሃሮን ብኣካል ተራኺቦም መስርሕ ትምህርቲ ከካይዱ ክልኩል እዩ።
20 ዝኾነ ክልተን ካብኡ ንላዕልን ሰባት ዝጻወትዎም ጸወታታት ምጽዋት ክልኩል እዩ።
21. ዝኾነ ስፖርታዊ ውድድራትን ብጉጅለ ዝካየዱ ስፖርታዊ ንጥፈታትን ክልኩል እዩ።
22. ኣብ ናይ ህጻናት መጻወቲ ቦታታት ምጽዋት ክልኩል እዩ።
ብተወሳኺ፡ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ህይወቱ ናይ ዝሓለፈ ሰብ ቀብሪ፡ ነዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ፍሉይ ቦታ ብመንግስቲ ዝፍጸም ኮይኑ፡ ክንደይ ሰብ ክርከብ ከምዝኽእል ዝርዝር መምርሒ ከምዝወጽእ ተገሊጹ'ሎ።