እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ቅድሚ ኮሮናቫይረስ ብጥምየት ክንመውት ኢና'
ህንዲ፡ ዝርጋሐ ለበዳ ኮቪድ-19 ንምቁጽጻር፡ መላእ ህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ውሽጢ ገዝኡ ክዕጾ ኣገዲዳ ትርከብ።
እንተኾነ ግን፡ ንብዙሓት ትሑት ናብራ ዘለዎም ካብ ገዛ ዘይምውጻእ ኣማራጺ ኣይኮነን።
ነዚ ኩነታት ዕጽዋ ንምዕዛብን፡ እቲ ህዝቢ ነቲ ዘሎ ኩነታት ብኸመይ ይቕበሎ ምህላው ንምፍላጥን ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣብ ገለ ከባቢታት ተንቀሳቒሱ ነይሩ።
ካብ ርእሰ ከተማ ህንዲ፡ ደልሂ፡ ውጽእ ኢልካ ኣብ ዝርከብ ቦታ፡ ብዙሓት መዓልታዊ ስራሕ ዘናድዩ ተኣኪቦም ዝራኣዩሉ'ዩ።
ኣብዚ እዋን ግን እቲ ቦታ ጽምዋ ዓሲልዎ ይርከብ። ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ናይ ህንጻ ስራሓት ይኹን ካልኦት ጸምጸም ኢሎም፡ ድምጺ ናይ ጨራሩ ጥራሕ እዩ ዝስማዕ። ክትኣምኖ ዘጸግም ኩነታት እዩ።
ቁሩብ ምስ ተንቀሳቐስኩ ግን ገለ ሰብኡት ኣብ ሓደ ኣንጎሎ ኮፍ ኢሎም ተዓዚበ። ርሕቕ ኢለ ድማ፡ ነዚ ናይ መንግስቲ መምርሒ ትከታተሉ ዲኹም ክብል ሓቲተዮም።
ካብ ዞባ ኡታር ፐራደሽ ዝመጽአ ረማሽ ኩማር ትቅብል ኣቢሉ፡ "ንስራሕ ዝቖጽር ከምዘይህሉ ንፈልጥ፡ ግን ዕድልና ክንርኢ መጺእና" ክብል መሊሱለይ።
"ኣብ መዓልቲ 8 ዶላር እየ ዘእቱ። ክቕልቦም ዘለኒ 5 ኣባላት ስድራቤት ኣለውኒ። ኣብ ቀረባ መዓልታት እቲ ዘለና መግቢ ክውዳእ እዩ። ኮሮናቫይረስ ዘምጽኦ ጸገማት ይርዳእኒ እዩ፡ ግን ደቀይ ጠሚዮም ክርኢ ኣይደልን" ድማ ይብል።
ብሚልዮናት ዝቑጸሩ መዓልታዊ ሰራሕተኛታት ኣብ ከምዚ ኩነታት እዮም ዘለው።
እቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናረንደራ ሞዲ ዝተኣወጀ ዕጽዋ መሰረት፡ እዞም ድኻታት ስድራቤት ንዝመጽ ሰለስተ ሰሙን ዝኾነ ኣታዊ ኣይክህልዎምን እዩ።
እዚ ማለት ድማ፡ ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ገሊኦም ነቲ ዘለዎም መግቢ ክውድኡ እዮም።
ኣብዚ እዋን፡ ዝተፈላለያ ዞባታት ህንዲ: ኣተር ፐራደሽ፡ ከራላ፡ ደልሂ፡ ኣብ ቁጽሪ ሕሳብ መዓልታዊ ሰራሕተኛታት ከም ኩማር ዝኣመሰሉ ገንዘብ ከመሓላልፉ ተመባጺዖም ኣለው።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር እውን፡ ናይ መዓልታዊ ማእረርቲ ደሞዝ ክሕግዝ ተስፋ ሂቡ'ሎ። እንተኮነ ግን፡ ሎጂስቲካዊ ጸገማት ኣሎ።
ብመሰረት ጸብጻብ ዓለምለኻዊ ማሕበር ሰራሕተኛታት፡ ብውሕዱ 90% ሰራሕተኛት ኣብ ዘይወግዓውያን ስራሓት፡ ማለት ከም ናይ ጸጥታ፡ ጽሬት፡ ዓረብያ ዝስሕቡ፡ ኣብ ጎደናታት ዝሸጡ፡ ጎሓፍ ዝእክቡን፡ ካልእ ተመሳሳሊ ስራሕ ዝሰርሑን እዮም።
መብዛሕትኦም መሰል ናይ ጥሮታን፡ ምስ ሓመሙ ዕረፍትን፡ ኣብ ዘዕርፉሉ ድማ ናይ ክፍሊት ዕድልን ዝኾነ ካልእ ዓይነት መድሕንን የብሎምን።
ዝበዝሑ ከኣ ናይ ባንክ ሕሳብ ዘይብሎምን፡ ንመዓልታዊ ንጥፈታቶም ንኸካይዱ ኣብ ጥረ ገንዘብ ዝምርኮሱ እዮም። መብዛሕትኦም'ውን ደቂ እቲ ከባቢ ዘይኮኑስ ንኽሰርሑ ካብ ካልእት ኣውራጃታት ዝመጹ እዮም።
ስለዚ ከኣ ቀወምቲ ዘይኮኑን፡ ኣብ ስራሕ ክረኽቡሉ ዝኽእሉ እናተንቀሳቐሱ ዝነብሩ እምበር ንነዊሕ ግዜ ዝቅመጡሉ ቀዋሚ ስፍራ የብሎምን።
ሓላፊ ናይ ዞባ ኡታር ፕራደሽ ዝነበረ ኣኪለሽ ያዳቭ ኣብቲ ከባቢ ዓቢ ብድሆ ከም ዘሎ ብምእማን፡ "ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝኾነ ጽፍሒ ናይ መንግስቲ ወላ ሓደ ደሃዮም ዝገበረ የለን" ይብል።
"እቲ ኩነታት መዓልታዊ ይለዋውጥ ስለዘሎ፡ ኩሎም ኣመሓደርቲ ብቕጽበት ገለ ስጉምቲ ክወስዱ ኣለዎም። ነቶም ዝጠመዩ ንምዕንጋል፡ ዓበይቲ ማሕበራውያን ቤት መግብታት ከነቅውም ኣለና።
ዝመጹሉ ዞባታት ብዘየገድስ ገንዘብ፡ ሩዝ፡ ከምኡ'ውን ስርናይ ክንህቦም ኣለና።" ንያድቫ ብፍሉይ ዘሻቅሎ ግን፡ እታ ኣብ ዓዲ ህንዲ ብጻዕቂ ህዝቢ እትፍለጥን ኣስታት 220 ሚልዮን ዝግመት ተቐማጢ ዘለዋን ዞባኡ እዩ።
"ማሕበራዊ ምትሕልላፍ ንምውጋድ፡ ንናይ ህዝቢ ካብን ናብን ምጉዓዝ ጠጠው ከነብሎ ኣለና። እዚ ዝኾነሉ መንገዲ ከኣ ውሕስነት መግቢ ምስ እነረጋግጽ እዩ። ህዝቢ ኣብ ግዜ ጸገማት ናብ መበቆል ዓድታቶም ይግዕዙ" ኢ።
ኣመሓዳሪ ኡታር ፕራደሽ ዝኾነ ዮጊ ኣዲትያናት ከም ዝበሎ፡ ሓደ ጉጅለ ሰራሕተኛታት ነቶም ካብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ዝመጹ ህዝቢ ይከታተሉ ከም ዘለዉን እቶም ሓገዝ ዘድልዮም ከኣ ብመንግስቲ ሓገዝ ክግበረሎምን ከም ዝኾነሉን ሓቢሩ።
መንገዲ ባቡር ህንዲ ናይ መጎዓዝያ ኣገልግሎት ደው ኣቢልዎ ኣሎ።
እንተኾነ ግን ቅድሚ እዚ ናይ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ደው ምባሉ፡ ካብቲ ለበዳ ሕማም ንምድሓን ብዙሓት ካብ ካልኦት ዞባታት ክሰርሑ ዝመጹ፡ ብዕለት 23 መጋቢት ካብተን በዚ ለበዳ ዝተጠቕዓ ከተማታት ከም በዓል ደልሂ፡ ሙምበይን ኣሕመዳባድን ናብ መበቆል ዓድታቶም ኡታር ፕራደሽን ቢሃርን ዝተመልሱ ኣለዉ።
እዚ ከኣ ናይቲ ሕማም ናይ ምልባዕ ተኽእሎ ኣስጋኢ ይገብሮ። እዘን ዝስዕባ ክልተ ሰሙናት እተን ንህንዲ በዳህቲ ካብ ዝኾና እየን ይብሉ ሰብ ሞያ።
ይኹን ደኣ'እምበር ኩሉም እቶም ብስራሕ ዝተንቀሳቐሱ ናብ መበቆል ዓዶም ክምለሱ ዓቕሚ ስለዘይነበሮም ኣይተመልሱን።
ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ናይ ከተማ ኣላሃባድ ናይ ተጎታቲ ዓረብያ ስራሕ ዝሰርሕ ኪሻን ላል፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ኣርባዕተ መዓልታት ዝኾነ ገንዘብ ኣይረኸብኩን ይብል።
"ንስድራይ ክቕልብ ገንዘብ የድልየኒ ኣሎ። መንግስቲ ገንዘብ ክህበና እዩ ዝብል ሰሚዐ፡ መዓስን ብኸመይን ከም ዝህበና ግን ኣፍልጦ የብለይን" ይብል ኪሻን።
ኣብ ድኳን ሰራሕተኛ ጽሬት ዝሰርሕ ብጻዩ ዓሊ ሓሰን'ውን፡ መግቢ መግዝኢ ገንዘብ የብለይን ይብል።
"እቲ ድኳን ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ተዓጽዩ፡ ደሞዘይ ከኣ ኣይተኸፈልኩን። መዓስ ከም ዝኽፈት ኣይፈልጥን። ብጣዕሚ ፈሪሐ፡ ኣለኹ። ኣነ ኣቦ ስድራ እየ፡ ከመይ ገይረ ክዕንግሎም እየ?"
ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ህንዳውያን ካብ ኣብ ጎደናታት ዝገብርዎም ንጥፈታት እዮም ድራር ዕለቶም ዝምእርሩ። ነኣሽቱ ናይ ንግዲ ቦታታት ብምኽፋት ድማ ከምኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ይቖጽሩ።
መሓመድ ሳቢር ዝተባህለ ኣብ ደልሂ ናይ ጸባን ውጺኢት ጸባን ዝኣመሰለ መስተታት ዝሸይጥ፡ ኣብዚ ክረምቲ ብዙሕ ክሰርሕ እየ ኢሉ ብምሕሳብ ክልተ ሰባት ቆጺሩ።
"ሕጂ ክኸፍሎም ኣይክእልን እየ። ዝኾነ ገንዘብ የብለይን። ስድራይ ኣብቲ ገጠር ካብ ዝገብርዎ ናይ ሕርሻ ንጥፈታት ውሑድ ገንዘብ ይረኽቡ። ኣብዚ ዓመት ግን በቲ ንፋስ ዝተሓወሶ በረድ ስለዝጠፍአ፡ ኣነ ክሕግዞም ይጽበዩ ነይሮም።"
ብጣዕሚ ተስፋ ቆሪጸ። ቅድሚ እዚ ኮሮናቫይረስ ከኣ ብዙሓት ከምዚ ከማና ብጥሜት ከይሞቱ እፈርሕ ኣለኹ።"
ኩለን ቤተመዘክራት ስለዝተዓጽዋ ከኣ ነቶም ካብ በጻሕቲ ዝርከብ ዝነበረ ኣታዊ ስለዘየለ ብኣሉታ ጸልይዎም።
ኣብቲ ኣብ ደልሂ ዝርከብ ፍሉጥ ኢንድያን ገይት ዝተባህለ ቤተመዘክር ዝሰርሕ ሰኣላይ ተጅፓል ካሽያፕ ከምዚ ዓይነት ቅጽበታዊ ዕንወት ስራሕ ርእየ ኣይፈልጥን ይብል።
"ዝሓለፋ ክልተ ሳምንታት ወላ እውን እቲ ሃገራዊ ውሸባ ከይተጀመረ ሕማቕ ነይረን። ዳርጋ በጻሕቲ ዝበሃሉ ኣይነበሩናን። ሕጂ ከኣ ዓደይ ክምለስ ኣይክእልን። ኣብዚ እውን ክሰርሕ ኣይክእልን።
ኣብዚ ኣብ ደልሂ ላንጋ ላንጋ ኮይነ ቀጻሊ ብዛዕባ እቶም ኣብ ኡታር ፕራደሽ ዘለዉ ስድራይ ይሻቀል" ብምብል ንኩነታቱ ይገልጽ። ወሃብቲ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ከም በዓል ኡበርን ኦላን እውን ይሳቐዩ ኣለዉ።
ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ደልሂ መራሕ ታክሲ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ጆጊንደር ቻውድሃሪ፡ መንግስቲ ንኸማይ ዝኣመሰሉ ህዝቢ ገለ ረድኤት ክህብ ኣለዎ ኢሉ።
"ኣገዳስነት ናይዚ ውሸባ ይርድኦ እየ። ኮሮናቫይረስ ብጣዕሚ ሓደገኛ ስለዝኾነ ንነብስና ክንሕሉ ኣለና። ይኹን ደኣ እምበር እዚ ናይ ውሸባ ግዜ ንቁሩብ ሳምንታት እንተቀጺሉ ንስድራይ ከመይ ገይረ ከም ዝሕግዝ ካብ ምሕሳብ ኣየቋርጽን እየ"
እቲ ዝኸፍአ ከኣ ገሊኦም ብዛዕባ እዚ ኮሮናቫይረስ ኣይሰምዑን ኣለዉ።
ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ዓራይ ጫማ ብወገኑ፡ "ኣብ ናይ ኣላሃባድ መዕረፊ ባቡር ምድሪ ንዓመታት ዝኣክል ጫማ ናይ ሰባት ይውልውል ነይረ፡ ሕጂ ግን ዋላ ሓደ ሰብ ዝመጽእ የለን" ይብል። ንሱ ደጊሙ ሰባት ንምንታይ ምጉዓዝ ከምዘቋረጹ ኣይፈልጥን ኢሉ።
"እንታይ ይኸውን ከም ዘሎ ኣይፈልጥን። ኣብዚ ቅንያት እዚ ኣብዚ መዕርፎ ባቡር ብዙሓት ሰባት ኣይመጹን ኣለዉ። ገለ ገለ ሰዓታት እቶ እቶ ይካየድ ከም ዘሎ ይፈልጥ እኳ እንተኾንኩ፡ ስለምንታይ ከም ዝኾነ ግን ኣይፈልጥን" ኢሉ።
ኣብቲ ቦታ ዝተዓሸገ ማይ ዝሸይጥ ኣብ መንጎ ዕላል ኣትዩ ብምኹላፍ፡ "ኣነ ኩሉ ነገር ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ እፈልጥ እየ። ብጣዕሚ ሓደገኛ እዩ፡ መላእ ዓለም ከኣ ትቃለስ ኣላ።
መብዛሕትኦም እቶም ዓቕሚ ዘልዎምን መንበሪ ቦታታት ዘለዎምን ሰባት ኣብ ገዛ ተወሺቦም ኣለዉ። ነዓይን ንከማኻን ዝኣመሰሉ ሰባትን ግን እቲ ምርጫ ኣብ መንጎ ድሕነትን ጥሜትን እዩ። እንታይ ክንመርጽ?"